ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtungen)

ናብ ሃምበርግ ድሕሪ ምብጻሕካ መረጋገጺ መምጽኢኻ (Ankunftsnachweis) ክትቕበል ኢኻ ወይ ድማ ምልክታ ናይ ክትኸዶ ትኽእል ቦታ (Anlaufbescheinigung)ን ኣብቲ ማእከላይ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (ZEA, Zentrale Erstaufnahme) ወይ ኣብ Bargkoppelweg 66a እንተ ዝይኮይኑ ኣብ Bargkoppelstieg 10-14.

ኣብዚ ትምዝገብ፣ ሕክምናዊ መርመራ ትገብርን ናይ ዑቕባ መመልከቲ ትእትው። ኣብ ሃንበርግ ትጸንሕን ኣይትጸንሕን ወይ ድማ ናብ ካልእ ናይ ጀርመን ክፍለ ሃግር ትዘዋወርን ብቑልጡፍ ክትፈልጥ ኢኻ።

እንድሕር ናይ ዑቕባ መስርሕካ ኣብ ሃምበርግ ዝካየድ ኮይኑ፣ ከምልሙድ ናብ ካልእ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ክትውሰድ ኢኻ።

ኣን እዋን ናይ መጀመሪያ መስርሕ ምቐባል ምስ ካልኦት ስደተኛታት እንዳተቐመጥካ ዘይገንዘባዊ ጥቕሚታትን (መግቢ ክዳውንትን ወዘተ) ሕክምናዊ ክንክን ክትውሃብ ኢኻ። ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://we-inform.de/portal/ti/finanzielle-unterstuetzung-ti/. 

ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ናብ ካልእ ፈለማዊ ማእከል መቐበሊ ክትውሰዱ ኢኹም።

ን ዑቕባ ክወሃበካ ክተመልክት ከለኻ ኣቐዲምካ ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ከምቲ ልሙድ 18 ኣዋርሕ ተቐሚጥካ ክትከወን ኣለካ። 

ህዝባዊ መወስኽታ መአንገዲ)

ድሕሪ ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ምቕማጥ ናብ ካልኣይ መአንገዲ (Folgeunterkunft) ክትግዕዝ ኢኻ።. እዚ ክኸውን ዝኽእል ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis፣ ኣወንታዊ ውሳን ናይ ዑቕባ መመልከቲ) ውይ ድማ ድሕሪ ክሳብ 18 ኣዋርሕ ምስ ተቐበልካ እዩ።

ምስ ካልኦት ስደተኛታት ኣብቲ ካልኣይ መአንገዲ (Folgeunterkunft) ምቕማጥ ክትቕጽል ኢኻ። ተቐማጦ ሃምበርግ ገዝኦም ዝሰኣኑ ዋላ ኣብ ናይ ህዝቢ መንበሪ ይቐመጡ እዮም።

-ናይ መንበሪ ኮንቴነራት፣ ሞድዩላዊ ገዛውቲ፣ ስሉም ኣዳራሻት፣ ቀዋሚ መንበሪታት ኣልዉ።

ቤተሰባት (ጽምዲታት ውን) እንተተኻኢሉ ብሓንሳብ ይጸንሑ።

ከም ስሩዕ ኣፓርታማ ገዛ ቅርጺ ዝሓዙ መንበሪታት፦ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ዘለዎ ገዛ ምስ ፍሪጁ፣ መብሰሊ፣ መሕጸቢ ሰብነትን ሽቓቕን። እቶም ዝጓዓዙ

ንበይኖም ከም ካልእ ግዜ ኣብ መንበሪ ኣፓርታማ ዝገብርዎ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተሻሪኾም ምስ ካልእ ይነብሩ። 

ካልኣይ መንበሪ (Folgeunterkunft) ካብቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtunge ብቑሩብ ብሕትና ዝህብ ኮይኑ ምምኻርውን ኣብቲ ቦታ ይርክብ። ምስ ጎረባብትን ፍቓደኛታትን እውን ኣይትጠፋፍእን ኢኻ።

ኣብ ግዜ ምቕማጥካ ኣብቲ ካልኣይ መንበሪ (Folgeunterkunft)፣ ባዕልካ ንነብስኻ ሸማሚትካ ገዛኻ ትኣልይ። ቈለውዕን ጎርዞታትን ናብ ምእለዪ ህጻናት ወይ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ እንከልዎ እኹል ሰብ ድማ ቋንቋ ጀርመንኛን ናይ ምውህሃድ ትምህርቲታት ይወስዱ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽበሉ ትኽእል ኣርእስቲታት “ምምሃር ጀርመንኛ” (https://we-inform.de/portal/ti/deutsch-lernen-ti/) ‘ን “ስራሕን ትምህርትን” (https://we-inform.de/portal/de/arbeit-und-bildung-ti/) ኣብ መርበብ ሓበሬታና።

እቲ Sozialmanagement (ማሕበራዊ ምሕደራ) ኣብ መንበሪኻ ዘሎ ናብቲ ልክዕ ቢሮ ክትረኽቦ ዘለካ ሰብ ኣብ ምርካብ ክሕግዘካ እዩ። ፍቓደኛታትን ጎረባብትን ዝበዝሐ ግዜ ናብ ቢሮ ምሳኻ መጽዮም ንክሕግዙኻ ሕጉሳት እዮም።

ብጃኻ ኣብ መንበሪኻ ጸገም ኣብዘጋጥመሉ ነቲ Sozialmanagement ርኸብ። 

ናብ ናትካ ኣፓርታማ ምግዓዝ 

መዓስ እዩ ዝፍቀድ ናብ ናይ ውልቂ መንበሪ ምግዓዝ?

ከም ኩሎም ጀርመናውያን ገደብ ዘብሉ ክእለት ናብ ናይ ገዛውቲ ዕዳጋ መእተዊ ኣለካ እንድሕር ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ተቐቢልካ። እንድሕር ዝጥዕመካ ኣፓርታማ ረኺብካ ኣብ ካልኣይ መንበሪ (Folgeunterkunft) ክትጸንሕ የብልካን። ኣብ ሃምበርግ ኣፓርታማ ምርካብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እንድሕር ኣብ ናይ መጀመርታ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ክሳን ሕጂ ትቕመጥ ኣሊኻ፣ ናብ ናይ ውልቂ ኣፓርታማ ክትግዕዝ ትኽእል ኣብ ፍሉይ ኩነት (ን ኣብነት ብምኽኒያት ጥዕና) እዩ። ናብ Leistungsrecht (ጥቕሚታት ክህበካ ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ) ክተመልክት ኣከካ። ናብቲ Ankunftszentrum (መምጽኢ ማእከል፡ Bargkoppelweg 66a) ወይ ድማ በቲ Sozialmanagement ኣብ መንበሪ ቦታኻ ብዘሎ ክተመልክት ትኽእል። ሓኪም ዝሃበካ ናይ ምስክርነት ወረቐትን ዝጥዕመካ መንበሪ ክህልወካ ኣልዎ።

እንድሕር ትቕመጠሉ ኣብ ካልኣይ መንበሪ (Folgeunterkunft) ኮይኑን ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ዝይብልካን ዘበዝሐ ግዜ ኣብ ጀርመን ናብ ናትካ ኣፓርታማ ክትግዕዝ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ይፍቀደልካ እዩ። ብ ኣጋ ምግዓዝ ዝከኣል ኣብ ፍሉይ ኩነት ጥራሕ እዩ። እዞም ኩነት ናይ ጥዕና ጸገም፣ ስራሕ ወይ ጀማራይነት (Ausbildung) ዝኣመሰሉ እዮም። ናብ ብቑዕ Grundsicherungsamt (Fachamt für Grundsicherung und Soziales፣ ቢሮ ናይ ኣብ ኣድላይነት-ዝተሞርከሰ ናይ ጥሮታ ኣብ እርጋን መመላእታን፣ ኣብ ግዜ ናይ ትሑት እቶት ዓቕሚን ማሕበራዊ ጉዳያትን) ክተመልክት ኣከካ።

እቲ ÖRA (“Öffentliche Rechtsauskunft”, “ህዝባዊ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ”) ምኽሪ ክህበካ ይኽእል። Dammtorstraße 14, ቆጸራ ክትገብር ኣለካ፦ +49 40 428433072 ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፦ 8 ቅ.ቐ – 2 ድ.ቐ), www.hamburg.de/oera/.

ናይ ባዕለይ ዝካረዮ ገዛ ኣበይ ክደልይ ይኽእል?

ዋላ ድሕሪ ምቕባል ናይ ነባርነት ደረጃ ኩነተት፣ ንናይ ዑቕባ መስርሕካ ሓላፍነት ኣብቲ ዝወሰደ ክፍል ሃገር (ን ኣብነት ኣብ ሃምበርግ) ንሰለስተ ዓመት ብቐጻሊ ክትቅመጥ ኣለካ። ንምንቕማጥ ክተማልኦ ዝግባካ (Wohnsitzauflage) ኣብ ፍሉይ ኩነታት ክግደፍ ይኸኣል እዩ። ከምዚ ክኸውን ዝኽእል ንስኻ ወይ ስድራኻ ስራሕ፣ ጀማራይነት (Ausbildung) ፣ ወይ ድማ ዩኒቨርስቲ እንተ ኣቲኹም እዩ።

ንነባርነት ዘድሊ ነገር (Wohnsitzauflage) ክግደፍ እንተ ደሊኻ ናብ Amt für Migration (ናይ ፍልሰት ቢሮ, Hammer Str. 30-34, Referat M 32) ወይ ድማ ናብቲ ዝበቕዓካ Ausländerbehörde (ሰበ ስልጣን ወጻኢ ዜጋታት) ክተመልክት ኣለካ፦ https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253817/ ኣድራሻኻ ኣብዚ ትይፕ ግበር (ንቓል ድልይ፦ „Ausländerangelegenheiten, Bezirke“).

እቲ ÖRA ብዛዕባዚውን ምኽሪ ክህበካ ይኽእል እዩ። 

ንናተይ ገዛ ብኸመይ ክኸፍለሉ ይኽእል?

እኹል ገንዘብ እንድሕር ኣእቲኻ – ናትካ ገዛ ኣብ ዝህልወካ ግዜ – ነቲ ክፍሊ ወይ ኣፓርታማ ክትከፍለሉ ሓላፍነት ኣለካ።

ኣታዊ እንተ ዘብልካ ንገዛ ክራይካን መነባብሮኻን ዝኸውን ኣብ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, ማእከል ስራሕ) ወይ ድማ ኣብ Grundsicherungsamt መመልከቲ ኣእትው። ነዚ ክትበቅዕ እቲ ኣፓርታማ ዕቢ ወይ ኹቡር ክኽውን የብሉን። ደሕሪ ናይ ጉዳይካ ምቕባል በቲ ዘሎ ናይ ክራይ ገደብ ክትምእዘዝ ኣለካ። ንኦም ኣብዚ ክትረኽቦም ትኽእል፦ https://www.hamburg.de/leistungen-hilfen/1016372/kosten-der-unterkunft/.

ሓደ ሓደ ግዜ ስደተኛታት ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)ን፣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ዘሎዎም ክራይ ይኽፈለሎም እዩ። ነዚ ናቱ ዝኾነ ምቁጽጻራት ኣልዎ። ነዚ ሓላፍነት ዝወሰደ ሰብ ኣብ Jobcenter ወይ ኣብ Grundsicherungsamt (ጉዳይካ ዝሓዞ ሰብ (Sachbearbeiter) ኩሉ ነገር ከረድኣካ እዩ)።

እንድሕር መመልከቲኻ ተነጺጉ ነቲ ምኽኒያት ብጽሑፍ ክውሃበካ ምሕታት ዘበለጸ እዩ።

ኣብዚ ነቲ ናትካ ሓላፍነት ዝወሰድ Jobcenter ክትረክብ ትኽእል። (www.hamburg.de/behoerdenfinder/, ኣድራሻኻ ትይፕ ግበር (ቃል ድለይ፦ “Arbeitslosengeld II, für Personen über 25 Jahre”, https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253252/]))

ኣብዚ ነቲ ናትካ ሓላፍነት ዝወሰደ Grundsicherungsamt ክትረክብ ኢኻ፦

https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253346/, ሽምካ ብድሕሪኡ ሽም እንዳኻ ታይፕ ግበር (ቃል ድላይ፦ “Sozialhilfe, Leistungen für Asylbewerber” ወይ “Sozialhilfe, Grundsicherung im Alter und bei dauerhafter Erwerbsminderung”).

ትነብረሉ ቦታ ምርካብ 

መጀመርታ ክትረኽቦ ዘለካ ኣብ ምርካብ ኣፓርታማ ነቲ Sozialmanagement ኣብቲ መንበሪ ዘሎ እዩ። ንናይ ትረኽቦም ሰባት ኣድራሻ፣ ንእሽቶ ምኽሪን መምርሒን ኣብ ምሃብን፣ ኣብ ተሓተቱሉ ድማ ኣብቲ ዘድልይ ስጉምትታት ክመርሑኻ ዝኽእሉ ዓቢ መርበብ ናይ ፍቓደኛታት ኣሎ። 

ብሓፈሽኡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ናብቲ Fachstellen für Wohnungsnotfälle (ናይ ህጹጽ መንበሪ ቢሮ) ምኻድ እዩ። እዚ ቢሮ ካብቲ ዝገብሮ ነገራት ገዛ ንዘይበሎም ሰባት ብህዝቢ ዝተመወለ መንበሪ ኣብ ናይ ውልቂ መዕቆቢ ይቕርብ እዮ። ኣብ ናይ ወልቂ ምምኽኻር፣ እቲ ቢሮ ሓጋዚ መደብ ምሳኻ ከማዕብልን ኣብ ምድላይ ገዛ እንኮላይ ኣፍልጦ ናይ ህጹጽነት (Dringlichkeitsbestätigung) ሂቡ ብዘይ ክፍሊት ደገፍ ይቕርበልካ። ትነብረሉ ገዛ ኣብ ትደልየሉ እዋን ናዚ ብልጫ ውሕስነት ይህበካ።

ይኹን እምበር ኣብ ሃምበርግ ገዛ ምርካብ ከቢድ እዩ። ውሑዳት ዝኾኑ ጥርሖም ኣፓርትመንትታትን ብዙሕ ክኣትውዎም ዝደልዩ ሰባት ኣልዉ።  

መሕደሪ ገዛ

ብርግጽ ባዕልኻውን ኣፓርታማ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ክትገብር ዝኾነ ካብ ክልቲኡ ናይ ኦን-ላይን በሪን ወይ ድማ ናይ ሃምበርግ ትቕዋማት መንጎኝነት ኣገልግሎታት ብምጥቃም መንበሪ ምርካብ ትኽእል።

ንሳይ ኦን-ላይን በሪ ኣብ ትጥቀመሉ ነቲ ዋና ገዛ ብቐጥታ ኢኻ ትረኽቦ። ሓጺር ጠለብ እኹል እዩ መጀምርታ ክትራከብ ከለኻ። ሓደ ኣብነት እንሄለ፦

ክቡር ወይ ክብርቲ እገለ

ነቲ ኣፓርታማ ደልዬዮ ኣለኹ። መጽዬ ኽርእዮ ይኸእል ድዬ? ክትምልሰልይ ተስፋ ይገብር።

ምስ ኣኽብሮት፣

ሽምን ሽም እንዳኻን

ቅድሚ ምኻድካ ናብኡ ክተምጽኦ ዘድልየካ ዝርዝር ሰዳት ሕተት። ንበይንኻ ኣፓርታማ ክትደሊ ከለኻ ብናይ ክራይ ዋጋ ገደብ ከም ተማእዘዝካ ኣረጋግጽ። ምስ ዋና ገዛ ምስ ተሰማማዕካ ከረጋግጹልካ ሕተቶም። ነዚ ናብ ማእከል ስራሕ ምስ ወሰድካ ንሶም ተመሊሶም እቲ ኩነታት ልክዕ ከምዝኾነ ኣረጋጊጾም መሊሶን ናብቲ ዋና ገዛ ናቶም መረጋገጺ ይቕርቡልካ። እዚ ኣብ ሞንጎኻን ዋና ገዛን ዘሎ ናይ ገዛ ክራይ ስምምዕ መፈጸምታ ይበጽሕን እቲ ዋና ገዛ መፍትሕ የረክበካ ይኽእል።

ሓፈሻዊ መግለጺን መቈጻጸሪ ዝርዝርን ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል፦ https://die-insel-hilft.de/wp-content/uploads/Wohnbrosch%c3%bcreTigrinya.pdf. 

ኦን-ላይን በሪታትን ናይ ሃምበርግ መንጎኝነትን 

ሃምበርግ ናይ መንጎኝነት ኣገልግሎትታት፥_

 

Wohnbrücke Hamburg: http://www.wohnbrücke.de

Zusammenleben Willkommen: http://www.fluechtlinge-willkommen.de

 

ናይ ኦን-ላይን በሪታት፦

Immonet: https://www.immonet.de/

Immowelt: https://immowelt.de/

wg-gesucht: https://www.wg-gesucht.de/ 

Ebay Kleinanzeigen: https://www.ebay-kleinanzeigen.de/

ተወሳኺ ሓበሬታ፦ ”Ankommen” app: http://ankommenapp.de/APP/DE/Startseite/startseite-node.html.

The Dialogforum Wohnen: https://www.hamburg.de/dialogforen/7686866/dialogforum-wohnen/.

ኣብ ኣፓርታማ ትደልየሉ እዋን ክትዝክሮም ዘለካ ዝርዝር ነገራት ኣብዚ ትረኽቦም፦https://www.verbraucherzentrale.de/sites/default/files/migration_files/media248957A.pdf 

ኩሉ ክፍልጥ ዘለዎ ብዛዕባ ክራይ ኣብ ጀርመን 

1. ክራይ እንታይ እዩ?

እንድሕር ንውሱን ግዜ ኣብ ኣፓርታማ ተቐሚጥካ ናይቲ ገዛ ትኻራዪ ኢኻ። እቲ ናብ ክራይ ስምምዕ ምሳኻ ዝኣትው ሰብ ኣካራዪ እዩ። ኣብ ናይ ሓባር ኣፓርታማወን ክፍሊ ክትካረ ትኽእል።

ኣፓርታማ ምክራይ ማለት ክሳብቲ ዝተሰማማዕካሉ ግዜ ነቲ መንበሪ ክትጥቀመሉ መሰል ኣለካ። እቲ ክፍሊ ወይ ኣፓርታማ ናትካ ትውንኖ ኣይኮነን። ቅድሚ ምግዓዝካ ናይቲ ግዛ ሕግታትን ከም ትኻራዪ ክህልወካ ዝኽእል ሓላፍነታትን ክትፈልጥ ኣልካ። እዚ ገዛ ክሳብ ክንደይ ክመውቕ ኣልዎ ዝብል የጠቓልል። ከትዝተለምደ ምስ ዋና ገዛኻ ክትዛረብ ኣለካ ቅድሚ ምቅይያራት ምግባር ወይ ምሕዳስካ ነቲ ኣፓርታማ።

እንተ ኾዕነ ንስኻውን መሰል ኣለካ ከም ተኻራዪ። ኣብቲ ግዜ ክራይ እቲ ዋና ን ኣብነት ብፍቓድካ ጥራሕ እዩ ክኣቱ ዝኽእል ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት እንተ ዘይኮይኑ።ብተወሳኺ እቲ ኣከራዪ ኣብቲ ገዛ ክትነብር ከምትኽእል ከረጋግጽ ኣልዎ። ስለዚ ኣብቲ ኣፓርታማ ከጋጥም ዝኽእል ገለ ጸገማት ክፈትሕዎ ኣልዎም።

2. ንምንታይ ነገራት እዬ ዝኸፍል?

ኣብ ናይ ገዛ ስምምዕ ክትኣቱ ከለኻ ግዜያዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ፈትሽ፣ ማለት ውሱን መዓልቲ እቲ ክራይ ዘብቃዓሉ ይጠቅስ ድዩ። ብተወሳኺ ነቲ ገዛ ዝኾነ ኣበር ከይህልዎ ምስ ዘካርየካ ኮይንካ ፈቲሽካ ሰንዶ ዳሕራይ ከትሕተተሉ ምእንታን።

ነቲ ክራይ ናይ ኣፓርታማ ክተቋረጾ እንተ ደሊኻ ብጽሑፍ ነቲ ኣካራዪ ክተቕርበሉ ኣለካ።

ንኣካራዪኻ ገንዘብ ትኸፍሎ ምእንታን ኣብቲ ኣፓርታማ ንክትቅመጥ ከፍቅደልካ እዩ። እቲ ገንዘብ ክራይ ይበሃል።

ቅድሚ ምግዓዝካ ተወሳኺ ገንዘብ ነቲ ኣካርዪ ክትኸፍሎ ኣለካ እዚ ድማ ድሓር ናይ ክራይ ግዜ ምስ ኣብቀዐ ክምለሰልካ እዩ (ትሕጃ (Kaution))። እንድሕር ዝኾነ ጉዳት ኣውሪድካ ኣብቲ ኣፓርታማ እቲ ዋና ገዛ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ክወስድ ይፍቀደሉ እዩ። ካብቲ Jobcenter ወይ Grundsicherungsamt ገንዘብ ትቐበል ኮይንካ ትሕጃ ክኽፍሉልካ መመልከቲ ክተእቱ ትኽእል ኢኻ።

ከም ተወሳኺ ኣብ ክራይ ናይ ኤልትሪክን ኢንተርኔት ርክብ ፍቓድ ክፍሊት(Rundfunkbeitrag) ክትከፍል ትኸእል ኢኻ። እቲ Rundfunkbeitrag (Rundfunkbeitrag) ዝተወሰኑ ናይ ራዲዮን ቴሌቭዥን መደባት ይምውል እዩ።

ናይ ፍቓድ ክፍሊት (Rundfunkbeitrag) 17.50 € ኣብ ወርሒ ይበጽሕ ንነፍስ ወከፍ ኣፓርታማ። ካብቲ ክፍሊት ናጻ ናይ ምዃን ተኽእሎታት ኣሎ፦ ን ኣብነት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ጥቕሚታት ትቕበል ኮይንካ፣ ከም ናይ ስራሕ ምቑጻር ጥቕሚታት II (Arbeitslosengeld II) ካብ Jobcenter ወይ ካብቲ Grundsicherungsamt.

ኣብዚ ክትምዝገብን ንሕድገት ክተመልክት ትኽእል፦ https://www.rundfunkbeitrag.de/.

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://www.rundfunkbeitrag.de/welcome/englisch/index_ger.html#exemption_and_reduction.

3. ኣገደስቲ ቃላት

ክራይ (Miete):

  • ብስምምዕ ትቆጻጸሮ ኣጠቓቕማ ናይ መንበሪ ገዛ ኣብ ውሱን ግዜ።
  • ክራይ ማለት እቲ ተካራያይ ንኣካራዪ ዝኸፍሎ ገንዘብ እዩ።

ተኻራዪ (Mieter)፦ ብ ስምምዕ መሰረት መንበሪ ገዛ ክጥቀም መሰል ዘለዎ ውልቀሰብ። ተኻራዪ ኣብቲ ናይ ክራይ ግዜ ኣብቲ መንበሪ ክቕመጥ ይኻል እምበር ነቲ ገዛ ኣይውንኖን። ተኻራዪ ዝኾነ ሰብን ጾታን ክኸውን ይኽእል።

ኣካራዪ (Vermieter)፦ ብሓፈሽኡ ወናኒ እቲ ንብረት። ናብ ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ምስቲ ኣካርዪ ብምእታው ኣብቲ ኣፓርታማ ክትቕመጥ የፍቅዱልካ። ጸገም ወይ ጉድለት ኣብቲ ኣፓርታማ ዘጋጥመሉ እዋን ትረኽቦ ሰብ ኣካራዪ እዩ። ተኻራዪ ዝኾነ ሰብን ጾታን ክኸውን ይኽእል።

ውዕል (Vertrag)፦ ናይ ገዛ ክራይ ስምምዕ ነቲ ኣፓርታማ ንኽትጥቀም ስልጣን ዝህብ ውዕል እዩ። እቲ ውዕል ንስኻ ከም ተካራዪ ክራይ ትኸፍልን እቲ ኣካራዪ ድማ ነቲ ኣፓርታማ ንዓኻ ቅሩብ ዝገብረልካ ስምምዕ ዝውክል እዩ።

ናይ ውሱን ግዜ ስምምዕ (Befristeter Vertrag)፦ ውሱን መብቅዒ መዓልቲ ኣብቲ ውዕል ብልክዕ ዝተጠቕሰ ክራይ።

ምቁራጽ (Kündigung)፦ ናይ ውሱን ግዜ ስምምዕ እንተ ዘይብልካ ግን ከኣ ክትግዕዝ ደሊኻ ነቲ ውዕል ብጽሑፍ ክተቛርጾ ትኽእል። ነዚ ምልክታ ን ኣካራዪ ክትህብ ወይ ድማ ክትሰድድ ኣለካ። ከምልሙድ እቲ ውዕል ካብታ ውዕል ዘቛረጽካላ ምወዳእታ ወርሒ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እዩ ዝወድቕ።

ትሕጃ (Kaution): ተወሳኺ ገንዘብ ትኸፍሎ ን ከራዪኻ። ነቲ ኣፓርታማ እንድሕር ዘይ ኣበላሺኻ ብሙልኡ ገንዘብ ንዓኻ ተመላሲ እዩ።  

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022