BAMF ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs)

ምውህሃድ ትምህርቲታት (Integrationskurse) ብፍላይ ፍልሰት ንዝገበሩ ሰባት ዝተነድፈ እዩ።

ኣብዚ መዓልታዊ ትጥቀመሉ ቛንቛ ጀርመን ክትመሃር ትኽእል። ኣገዳሲ ዝኾኑውን ሓበሬታታት ብዛዕባ ጀርመን ትምሃር። እቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክልተ ክፋላት እዩ ዠጠቓልል፦ ናይ ቛንቛን ትምህርቲን ናይ ምእዘና ትምህርቲ (Orientierungskurs)። ኣብዚ ህጂ ጌዜ እቲ ትምህርቲ ብኦንላይን እዩ ዝካየድ።

ክማልኡ ዝግብኦምን ምኸሪ ን ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs)

ኣብ ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ፣ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) እንተሃልዩካን ወይ ድማ ንኽትጸንሕ ተስፋ ዘለዎ ወሳነ እንዳተጸበኻ (Aufenthaltsgestattung mit guter Bleibeperspektive) መጽንሒ ፍቓድ ሃልዩካ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ናይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እንተሃሊውካ ሃደሃደ ግዜውን ኣብ ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

Iዝኾነ ዓይነት ሕቶ እንድሕር ሃልዩኩም ንBAMF (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge, ናይ ዝፈልሱን ስደተኝታትን ፌደራላዊ ቢሮ) ክትሓቱ ትኽእሉ። እቲ BAMF ናይ ምወህሃድ ትምህርቲታት የዋሃህድ (Integrationskurse). +49 40 9119430 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 9 ቅ.ቐ. ክሳብ 3 ድ.ቐ ፣ ናይ ርክብ ኣገባብ፦ https://www.bamf.de/DE/Service/Kontakt/kontakt-formular-node.html

ኣብ ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ምስታፍ እንተ ተኸልኢኹም ኣብ ገለ ኩነታት ኣብ ናይ ጀርመን ቛንቛ ትምህርቲ ክትሳተፉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ክኸውን ዝኽእል፣ እቲ ዑቕባ ንውሳነ ይጽበ ኣብ ዝሃልወሉ ፍቓድ ናይ ምጽናሕ እንተሃልዩካን (Aufenthaltsgestattung) ወይ ድማ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)ን መንግስቲ ጀርመን “ውሕሳት መበቆል ሃገራት” (sicherer Herkunftsstaat) ኢሉ ዝሰመየን ሃገራት ዝመጻኻ እንተዘይኾንካ እዩ። ሃገረ ኣልባኒያ፣ ቦዝኒያ-ሔርዞጎቪና፣ ጋና፣ ኮሶቮ፣ ማሴዶኒያ፣ ሞንቴኔግሮ፣ ሴኔጋልን፣ ሰርቢያን ውሑሳት መበቆላዊ ዓዲታት (sichere Herkunftsstaaten) እየን ዝሕሰባ ኣብ ትሕቲ ናይ ጀርመን ናይ ዑቕባ ሕጊ። እቲ Flüchtlingszentrum ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጀርመን ትምህርትታት ምኽሪ ክህብ ይኽእል፦ Adenauerallee 10, በጃኹም ቆጸራ ሓዙ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፦ ሰዓት 10 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 4 ናይ ድ.ቐ፦ https://www.fz-hh.de/de/projekte/deutschkurse.php.

ዝተፈላለዩ ናይ ምወህሃድ ትምህርቲታት
(Integrationskurse; ሓፈሻዊን ፍሉይ ትምህርትታትን)

እቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ 600 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ሃልይዎ ተወሰኽቲ 100 ናይ ምእዘና ትምህርቲታት (Orientierungskurs) (ስለዚ ብኣጠቓላሊ 700 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት) ዘጠቓላለ እዩ። ንቡር ናይ ሙሉእ መዓልቲ ትምህርቲ 25 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ኣልዎ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት።

ተወሰኽቲ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ዘለዎም ትምህርትታት ኣለዉ ብዝሕ ዝበለ ሰዓታት እንተድልዩካ፣ ብፍላይ ድማ ብቐሊሉ ትምህርቲ ትሕዝ እንተኾይንካ ሓጸርቲ ትምህርትታትውን ኣለው። ፍሉይ ትምህርትታት ንደኪኣንስትዮ፣ ጎርዞታት፣ ወለድታት፣ ዘይተማህሩ ሰባት፣ ናይ ላቲን ፊደላት ተጠቂሞም ዘይፈልጡ ሰባት፣ ኣሎ።

ቅድሚቲ ትምህርቲ ምጅማሩ ናጻ ናይ ምደባ ፈተና ኣለካ። ውጽኢት ብዘየገድስ ኣየኖት ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክትወስድ ከምትደሊ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል ኢኻ።

ብኸመይ ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክረክብ ይኽእል ?

ብዙሓት ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurse) ኣቐርብቲ ኣልዉ። ኣየናይ ትምህርቲ ክትወስድ ከምትደሊ ምረጽ።

ናብ Ausländerbehörde (ሰበስልጣን ናይ ወጻኢ ዜጋታት) ወይ ድማ ናብ “Migrationsdienst” (ናይ ፍልሰት ኣገልግሎት) ክትኸይድ ትኽእል ኢኻ። እቲ Migrationsdienst ማእከል ምኽሪ ናይ ፍልሰት ዝገበሩ ሰባት እዩ። ኣብኡ ዘለዉ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ ቛንቛ ይዛረቡ እዮም። ትደልዮ ትምህርትን ናይ ገንዘብ ደገፍ ነቲ ትምህርቲ መኸፈሊ ክትረክብ ይሕግዙኻ። ኣብዚ ዝርዝር ናይ ኩሎም Migrationsdienst ማእከላት ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/migrationsberatung/.

ነቲ ኣብ Weiterbildungs-Telefon (ንዝበለጸ ትምህርቲ ናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት) ዘሎ ኣባል ክትድውል እውን ትኸእል ኢኻ፦ +49 40 28084666 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ፦ ካብ ሰዓት 10 ቅ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ ሰዓት 10 ቅ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ

ኣብዚ ሕጂ ግዜ እዚ ዝውሃቡ ትምህርቲታት ኣብዚ ትረኽቦም፦ deutsch.kursportal.info/g193.

ናይ ብቅዓት ምስክር ወረቐት (Berechtigungsschein)

ናይ ብቅዓት ምስክር ወረቐት (Berechtigungsschein) የድልየካ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ናይ ይነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis)ካ ብሓንሳብ ትረኸቦ።. እንተ ዘይኮይኑ ግን ናብ እቲ BAMF ኣብ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክትሳተፍ መመልከቲ ክተእቱ ኣለካ። ኣቕረብቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲታት (Integrationskurse) ብዛዕባዚ ከምልሙድ ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም።

ናይቲ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብዚ ትረኽብዎ፦ https://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/DE/Integration/Integrationskurse/Kursteilnehmer/AntraegeAlle/630-120_antrag-zulassung-integrationskurs-ausl_pdf.html.

ናይ ብቅዓት ምስክር ወረቐት (Berechtigungsschein) ድሕሪ ሓደ ዓመት ይወድቕ። ከምኡ እንተኾይኑ፣ እንድሕር ኣብ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲታት (Integrationskurse) ክትሳተፍ ደሊኻ ነዚ ቅጥዒ ብምምላእ መመልከቲ ክትተእቱ ኣለካ፦

https://www.bamf.de/AntraegeAlle/630-007_antrag-zulassung-integrationskurs-ausl_docx.html

ዋጋታት–ተኽእሎታት ናይ ሕድገት

ከምልሙድ እቲ ትምህርቲ €2.20 ንስዓት እዩ ዋጉኡ። ብሙሉእ ውይ ብክፋል ሕድገት ናይ ዋጋታት ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ዝከውን ንኣብነት ናይ መንግስቲ ደገፍ እንተተቐቢልካ ከም ዑቕባ ሓታቲ መጠን (Leistungen als Asylbewerber:in) ወይ ድማ ደገፍ ሽቕለት-ኣልቦነት II (Arbeitslosengeld II) ካብ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, ማእከል ስራሕ) ትረክብ እንተኾይንካ ወይ ድማ ሕድገት ዝግበረልካ ውልቃዊ ወይ ቁጠባዊ ምኽኒያት እንተሃልዩ እዩ።

ነዚ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ መሊእካ ናብ ሓምበርግ ቅርንጫፍ(Außenstelle) ናይ BAMF ክትሰዶ ኣለካ፦ BAMF 630-027_antrag-kostenbefreiung.
ኣድራሽኡ “Concordiahaus B, Sachsenstraße 12+14, 20097 Hamburg” እዩ።

ምውዳእ

ነቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ብክልተ ፈተናታት ኢኻ ትውድኦ፦ እቲ “Leben in Deutschland” (ሂወት ኣብ ጀርመን) ፈተና ኣብ መወዳእታ ናይ ምእዘና ትምህርቲን (Orientierungskurs) ናይ “Deutsch-Test für Zuwanderer” (ጀርመን ፈተና ንፈላሶት)ን ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምስተወድአ ትፍተኖም እዮም። እቲ ፈተና ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ።

ነቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ትሓልፎ ነቲ ናይ ምእዘና ትምህርቲ (Orientierungskurs) ምስ ሓለፍካን ናይ B1 ደረጃ ኣብቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምስበጻሕካን እዩ።

ኣብ B1 ቋንቋ ደረጃ እንተዘይበጺሕካ ትሕቲ ፍሉይ ኩነታት 300 ናት ትምህርቲ ሰዓታት ትደግም ወይ ድማ ምስስራሕ ዝዛመድ ናይ ጀርመን ትምህርቲ (berufsbezogener Deutschkurs) ትወስድ።

ምስ ስራሕ ዝዛመድ ናይ ጀርመን ትምህርቲታት
(§ 45a Aufenthaltsgesetz, berufsbezogene Deutschkurse)

ኣብ ናይ ሞያዊ ዓለም መብዛሕትኡ ጊዜ ካብ መዓልታዊ ንምርድዳዕ ትጥቀመሉ ቋንቋ ጀርመን ዝበልጸ ፍልጠት እቲ ቋንቋ የድልየካ። ነዚ ክትረክብ ምስስራሕ ዝዛመድ ናይ ጀርመን ትምህርቲ (berufsbezogener Deutschkurs) ክትወስድ ኣለካ።

ንምስታፍ ዘድልዩ ነገራት፦

ክትሳተፍ ትኽእል ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) እንተ ወሲድካን ወይ ድማ ኣብ B1, B2 ወይ C1 ናይ ጀርመን ቋንቋ ደረጃ ከምዝኾንካ መርትዖ እንተቕሪብካ እዩ።

ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እንተሃልዩካ ወይድማ እቲ ዑቕባ ንውሳነ ይጽበ ኣብ ዝሃልወሉ ፍቓድ ናይ ምጽናሕ እንተሃልዩካ (Aufenthaltsgestattung)፣ ክትሳተፍውን ይፍቀደልካ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባዚ ን ማእከል ምኽሪ፣ Jobcenter ወይድማ ን BAMF ሕተት። ብተወሳኺ, ንሞያዊ ምኽኒያት ትምህርቲ ምውሳድ ንዓኻ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ምኽኒያታት ን ኣብነት ዝሓዝካዩ ስራሕ፣ ኣብ ምድላይ ስራሕ ወይ ጀማራይነት (Ausbildung) ወይድማ ዲግሪ ክምዘለካ ኣፍልጦ ክትረክብ።

ናይ ትምህርቲ ዓይነታት፦

መሰረታውያን ትምህርትታት ኣብ ዝተፈላልይ ናይ ክብደት ደረጃታት ኣለዉ፦ B2, C1 ን (ኣብ መጻኢ) C2. ናይ ቋንቋ ደረጃኻ ክተእምነሉ ኣለካ (ን ኣብነት ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ዝሓለፍካሉ ብምቕራብ።). ናይ ቋንቋ ደረጃኻ B1 ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ኣለዎ።

 ንዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ዓውዲን ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ዝወሰዱ ሰባት ግን ናይ ቋንቋ ፈተና ዘይሓለፉ ፍሉያት ትምህርቲታት ኣለዉ።

ምዝገባ፦:

ኣብ ዝኮነ ትምህርቲ ክትምዝገብ እንተደሊኻ ምስ Jobcenter ተራኸብ። ትሰረሕ እንተሃሊኻ፣ ኣብ ጀማራይነት (Ausbildung) እንትሃሊኻ ወይ ዲግሪኻ ተፈላጥነት ንኽረክብ ምስ BAMF ተራኸብ፦ deufoe.hamburg@bamf.bund.de. ኣባኡ ናይ ብቅዓት ምስክር ወረቐት (Berechtigungsschein) ናይቲ ትምህርቲ ትውሃብ። ንዘስርሓካ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባኻ ካብ BAMF ስለ ዝቕበል ንእኡ ተወከስ።

ዋጋታት፦

ዝበዝሐ ግዜ እቶም ትምህርቲታት ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም። ብነብስኻ ልእሊ €20,000 ተእትው እንተኾይንካ ወይ ድማ ንስኻን ሰበይትኻን ብሓባር ልዕሊ €40,000 ኣብ ዓመት ኣታዊ ሃልይኩም፣ €2.07 ንንፍስወከፍ ናይ ትምህርቲ ሰዓት ክትከፍል ትኽእል።

ምኸሪ፦

ሃምበርግ ዝሕብሮ ሓጺር ንባብ ብዛዕባ ምስ ስራሕ ዝዛመድ ናይ ጀርመን ትምህርቲታት (berufsbezogene Deutschkurse) ን ባዕላቶምውን ትምህርትታት ይህቡ እዮም።elena.usinski@passage-hamburg.de, +49 40 24874815 (Monday, Tuesday, Thursday and Friday, 8 am – 1 pm), http://www.wege-in-den-beruf.de/deufoev.html. 

Netzwerk FLUCHTort ኣብ ዘይተፈልጠ ናይ ነባርነት ኩነታት ዘለዉ ስደተኛታት (ን ኣብነት፣ መስርሕ ውሳነ ዑቕባ መልሲ ኣብ ምጽባይ እንከሎ ፍቓድ ናይ ምጽናሕ እንተሃልዩካ (Aufenthaltsgestattung) ወይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)) ን ጀማራይነትን (Ausbildung) ንስራሕ ክትዳልው ይሕግዙኻ። ዝተፈላልዩ ዝውሃቡ ታዕሊምን ስልጠናታትን ኣለዉ። ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://www.fluchtort-hamburg.de/fluchtort-hamburg-50/traeger-und-teilprojekte.

ኦንላይን ንናይ ጀርመን ትምህርቲ፣ ደረጃ A1-B1

ነጻ ናይ ጀርመን ትምህርቲ ኣብ Deutsche Welle website (dw.com) ብዝተፈላልየ ቋንቋ ይርከብ እዩ። እቲ ዌብ ሳይት ብዝተፈላልየ ቋንቋታት ይርከብ እዩ።  ኣብ ልዕሊ እቲ ሳይት ካብዘሎ ቋንቋኻ ንምምራጽ “DW.COM in 30 languages” ምረጽ።

ዝውሃብ ትምህርቲ ንምርካብ ነቲ ዌብስይት ክፈት www.dw.com → “Learn German” ትብል ጽቐጥ → “German courses” ትብል ጽቐጥ. ክትመርጾም ትኽእል ዝተፈላልዩ ትምህርቲታት ኣልዉ። ንዓኻ ዝኸውን ትምህርቲ ኣየናይ ምዃኑ እርግጸኛ እንተ ዘይኮይንካ ናይ ምደባ ፈተና ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ከም ኣማራጺ ናጻ ናይ ጀርመን ትምህርቲ ብ ገተ ኢንስትቲዩት ዝውሃብ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፦ https://www.goethe.de/de/spr/ueb.html.

ብባዕልኻ ጀርመን ምምሃር

ክም መወሰኽታ ዝወሃብ ትምህርቲ ምውሳድ ቋንቋ ጀርመን ብብዕልኻ ናይ ምልምማድ ኣማራጺ ኣሎ። እዞም ናይ ሞብይል ኣፕሊኬሽናት ክሕግዙኩም ዝኽእሉ እዮም፦ ን ኣብነት “fun easy learn Deutsch”, “halloDeutsch” ን “Einstieg Deutsch”.

 ጀርመን ንክትመሃሩ ዝሕግዝኹም እዞምዉ ባእታታትውን፦

እዞም ምጽሓፍቲን ዲጂታላዊ ባእታታት ካብ Klett እንዳ መሕተሚ እዮም (ን ኣብነት https://www.klett-sprachen.de/kostenlose-materialien/c-1161) ን Hueber (ን ኣብነት https://www.hueber.de/schritte-plus-neu/lernen/uebungen).

ኩሉ ቦታ ኣብ ጀርመን መጽሓፍ ተምብበሉን ትልቅሓሉን ቤት ንባብ ክትረክብ ትኽእል ኣኢኻ። ኣብ ሃምበርግ Bücherhallen ይብሃሉ። ብዛዕባ ዝርከቡኡ ቦታ፣ ዝህብዎ ኣገልግሎትን ዋጋታት ኣብዚ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል፦ https://we-inform.de/portal/ti/freizeit-ti.

ጅርመን ንክትመሃር ዝሕግዙኻ ፖድካስት ኣልዉ፦

ቋንቋ ንክትመሃር ደቅባት ክዛረቡ ከለዉ ምስማዕ ሓጋዚ እዩ። ፖድካስትታት ነዚ ክትጥቀመሎምውን ትኽእል፦

ናይ ምይይጥ ጉጅለታት

Dialog in Deutsch (ዝርርብ ብጀርመን ቋንቋ)

ኣብ ጀርማን ሰሙናዊ ዝኮነ  ናይ ምይይጥ ጉጅለታት  ኣብ ኩሉ Bücherhallenን ማእከላይ ቤት ንባብ ንፈለስቲ ኣልዉ። 

ዋጋ፦ ብነጻ
መደብ፦  https://www.buecherhallen.de/ehrenamt-dialog-in-deutsch-termine.html ምዝገባ፦ ኢ-ሜይል ስደድ ናብ DialoginDeutsch@buecherhallen.de.
ንዝበለጸ ሓበሬታ፦ https://www.buecherhallen.de/ehrenamt-dialog-in-deutsch.html.

Sprachbrücke-Hamburg e.V. (ቋንቋ ድልድል ሕብረተሰብ ሃምበርግ)

Sprachbrücke-Hamburg e.V. ኣብ ዝተፈላልዩ ቦታታት ሰሙናዊ ናይ ምይይጥ ጉጅለታት የቕርብ እዩ። ተሳተፍቲ ብዛዕባ ሰሙናዊ ዝቀያየር ኣርእስትታት ብቋንቋ ጀርመን ይዛረቡ። ናይ ጉጅለ ዙረት ምስታፍውን ይክኣል እዩ።

ዋጋ፦ ካብ ክፍሊት ነጻ

ንዝበለጸ ሓበሬታ፣ ምዝገባን መደብን፦ https://www.sprachbruecke-hamburg.de/online-angebote/.

ተወሰኽቲ ኣማራጽታት

ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፦ https://www.uni-hamburg.de/internationales/studieren-an-der-uhh/deutschkurse.html.

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022