እዚ ሓጺር መግለጺ ብኸመይ ዜና ካብ ጽሕፈት፣ ተንቅሳቓሲ ስእሊን ናይ ሬድዮ ቅጥዓ ዝሓዙ ትፈልጥ ይነግረካ።
ዝበዝሑ ዝተጠቕሱ ናይ መራኸቢ ብዙሃናት ብ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ ወይ ዓረብኛ ይርከቡ እዮም።
ኣየኖት ዜናታት ብፅሑፍ ይቐርቡ?
Spiegel Online
Spiegel Online ኦንላይን ናይ ዜና በሪ ን መጽሔት “Der Spiegel” እዩ። ብዛዕባ ፖለቲካን ማሕበረሰባዊ ኣርእስቲታት ኣቕርቦት ይህብ። Spiegel Online ብ ጀርመንኛ እዩ ዚርከብ (www.spiegel.de) ብእንግሊዝኛ’ውን (www.spiegel.de/international).
Zeit Online
Zeit Online ናይ ጀርመን ሰሙናዊ ጋዜጣ “Die Zeit” መርበብ ሓበሬታ እዩ። ብቐንዱ ምስ ማሕበረሰባዊን ፖለቲካን ዝዛመድ ናይ ሓጸርቲ ጽሑፋት ኣቕርቦት ይህብ። Zeit Online ብ ጀርመንኛ እዩ ዚርከብ (www.zeit.de) ብእንግሊዝኛ’ውን (www.zeit.de/english).
Nachrichtenleicht
Nachrichtenleicht (www.nachrichtenleicht.de) ብቕልል ዝበለ ጀርመንኛ ዝተጻሕፈ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ እዩ። ሓጸርቲ ጽሑፋት ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ዜናታት፣ ሓጸርቲ ቪድዮታት፣ ፖድካስት እውን ትረክብ ኢኻ።t (www.nachrichtenleicht.de/podcast-nachrichtenleicht.2134.de.html).
WDR for you
WDR for you ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ኮይኑ ሓበሬታታትን ስነዳታት ከምኡ’ውን ምዝንጋዕን ኣገልግሎታት ንቈልዑ ይህብ። ብጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ዓረብን ፐርሺያንኛ ይርከብ። ምሕሪ ሓዘል ቪድዮታት ብዛዕባ ናብራ ኣብ ጀርመን’ወን ኣሎ። (http://www1.wdr.de/nachrichten/wdrforyou).
ብተወሳኺ እቶም መብዛሕቲኦም መርበብ ሓበሬታታት ናይ ዓበይቲ ጀርመናዊ ናይ መዓልታዊ ዜናታት፣ ከም “Süddeutsche” (https://www.sueddeutsche.de/ ወይ international.sueddeutsche.de) ወይ “Welt” (https://www.welt.de/ or https://www.welt.de/english-news) ብጀርመንኛን እንግሊዝኛን ዜናታት ይህቡ እዮም።
ኣየኖት ናይ ቪድዮ ዜናታት ይርከቡ?
Tagesschau
“Tagesschau” እቲ ብጣዕሚ ፍሎጥ ናይ ጀርመን ዜና መደብ ኣብ ቴሌቪዥን እዩ። መዓልታዊ ሰዓት 8 ድቐ (ኣብ ካልእ ሰዓታት’ወን) ብ ቴሌቪዥን ፈናዋይ ARD ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክትከታተሎ ትኽእል። (www.tagesschau.de/). ናይቲ ጀርመንኛ ዜና ብሓጺር ዓይነቱ ናይ 100 ካልኢት ቪድዮ’ወን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (https://www.tagesschau.de/100sekunden/).
Tagesschau in Einfacher Sprache
ናይ “Tagesschau in Einfacher Sprache” ዕላማ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዜናታት ንኩሉ ሰብ ተበፃሒ ንምግባር እዩ፡፡ እቲ ፅሑፍ ብግልፅን ብስፍሓትን ቀለልቲ ቃላትን ሓፀርቲ ዝተፅሓፈ እዩ፡፡ ኩሉ ግዘ ዓርቢ እቶ ኣገድስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ብግልፂ ቋንቋ ይፀሓፉ እዮም፡፡
ጀርመንኛ ትመሃር እንተድኣ ኣለኻ ኮይንካ ብፍላይ አገልግሎት ሓጋዚ እዩ፡፡ ናይ ቋንቋ ርድኢት የመሓይሽ ጥራሕ እንተየኮነስ ኣብ ጀርመንን ዓለምን ብዛዕባ ዘለው መደባት እውን ተወሳኺ መረዳእታ ትረክብ ኢኻ፡፡
ZDF ብዓረብን እንግሊዝኛን
ZDF እቲ ዝዓበየ ናይ ጀርመን ፈናዋይ ኮይኑ ናይ ዜናን ካልኦት ምርኢታትን እቕርቦት ይህብ። ምርጫታት ናይ ምርኢታት ብእንግሊዝኛ ኣብ ኦንላይን ይርከብ እዩ። (www.zdf.de/international/zdfenglish) ወይ ዓረብ (www.zdf.de/international/zdfarabic) ንኡስ ኣርእስቲታት።
ARD Guide for Refugees
ARD Guide for Refugees ንዜና ብዛዕባ ህልው ኣርእስትታት ካብ ARD ብዓረብን እንግሊዝኛን (ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ብ ዳሪ፣ ፓሽቶን እኡርዱ ወይ ድማ ብፈዂስ ጀርመንኛ’ወን) የቕርብ።
ነቲ ንኡስ ኣራእስቲ ክተስርሖ ይከኣል እዩ፦ https://www.daserste.de/specials/service/barrierefreiheit-im-ersten-untertitel-deutsch100.html.
ኣየኖር ናይ ሬድዮ ዜናታት ኣለው?
WDR Refugee Radio
WDR Refugee Radio ብ ፍሉይ ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝቖመ ናይ ራድዮ መደብ እዩ። ብዓረብን ጀርመንኛን ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ዝፍነው መደብ እዩ (http://www1.wdr.de/radio/cosmo/programm/refugee-radio/).
መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 01.08.2024