እቲ ምርኣይ ጉዳይ፦ እቲ ወሳኒ ክፋል ናይቲ መስርሕ ዑቕባ   

እዚ ተበታኒ ወረቐት ዝተነድፈ ምርኣይ ጉዳይ ናይ ምኽኒያት መህደሚ ንኽትዳለወሉ ክሕግዘካ እዩ።

ብዛዕባ ናይ ኣመጻጻኻ መንገዲ ክትዛረብ እንተድሊዩ፣ ናይ ዳብሊን-III-ምራይ ጉዳይክሕልወካ እዩ። ኣብ እዋን ናይ ዳብሊን ምርኣይ ጉዳይ፣ እቲ BAMF (ፌደራላዊ ናይ ፍልሰትን ስድተኛታት ቤት ጽሕፈት) ናይ ዑቕባ መስርሕካ ኣብ ጀርመን ዋላስ ኣብ ካልእ ኤሮፓዊ ሃገር ከምዝካየድ ይውስን።

ምርኣይ ጉዳይ ናይ ኣመጻጽኣ መንገድኻን ምኽኒያት መህደሚኻ፣ ብ ኣጠቓላሊ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዕለታት ይውዕል፣ ግን ድማ ብሓንሳብ ክውዕል ይኽእል።

እቲ ምርኣይ ጉዳይ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ቆጸራ እዩ. ኣብዚ ምርኣይ ጉዳይ ክትሳተፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ጽቡቕ ድማ ጌርካ ተዳለው። እንድሕር ሓሚምካን ክትሳተፍ ዘይኽኢልካ፣ ን BAMF ናይ ግድን ብቑልጡፍ ሓቢርካ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ተቕርብ።

እቲ ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት በቲ ዝሃብካዮ መግልጺ ተሞርኪሱ ናይ ጸግዒ ኩነታት ኣብ ጀርመን ክህበካ እንተኾይኑ ይውስን። ኣብቲ ምርኣይ ጉዳይ እንድሕር ዘይተሳቲፍካን ምኽኒያት ዝይመሳተፊኻ እንተ ዘይኣቕሪብካ ፣ እቲ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክቛረጽ ይኽእል።

እንድሕር እቲ BAMF ን ኣኻ ዝድግፍ ወሳነ ሂቡ፣ ዝቕጽሉ ናይ ጸግዒ ደረጃ ኩነታትክወሃብ ይኽእል እዩ።

Asyl (ዑቕባ): ብሰንኪ ናይ ውልቃዊ ባህሪኻ ምክትታል ይግበረልካ እንተ ነይሩሞ ብቐጥታ ናብ ጀርመን እንተ ተጓዒዝካ

GFK Flüchtlingseigenschaft (ናይ ስደተኛ ደረጃ)፦ ብሰንኪ ናይ ውልቃዊ ባህሪኻ ምክትታል ይግበረልካ እንተ ነይሩ

Subsidiären Schutz (ካልኣይ ጸግዒ)፦ ንከቢድ መጉዳእቲ እንድሕር ኣብ ስግኣት ሃሊኻ፣ ን ኣብነት ውግእ ሕድሕድ።

Abschiebungsverbot (እገዳ ካብ ሃገር ምስጓግ ): ንጹር ስግኣት ኣብ ሂወትካ፣ ኣካላዊ ኩነታትካን ናጽነትካን እንተሃልዩ።

ኩነታት ናይ ምራይ ጉዳይን ምድላዋቱን

መን ክህልው እዩ?

እቲ ምርኣይ ጉዳይ ኣብ ናይ BAMF ቤት ጽሕፈት ይካሄድ።

ናይ BAMF ሰራሕተኛ ነቲ ምራይ ጉዳይካ ከክናውኖ እዩ። ትሕቲ ዕድመ እንተ ኾይንካ ወይ ድማ ግዳይ ናይ መጉዳእቲ ኾይንካ፣ ን BAMF ኣቐዲምካ ክትሕብር ኣለካ። ብፍሉይ ንኸምዚ ናትካ ዓይነት ጉዳይ ክፈትሕ ዝኸእል ዝተዓለመ ሰራሕተኛ ክትሓትት መሰል ኣለካ። ብሰንኪ ጾታኻ ስቅያት እንተ በጺሑካ ፣ ከማኻ ጾታ ብዘለዎ ሰብ ምርኣይ ጉዳይካ ክካየድ ክትሓትት ትኽእል። (እዚ ነቲ ኣስተርጓሚውን ይምልከት)።

ክድግፈካ ዝኽእል ሰብ ምሳኻ ኣብ እዋን ምርኣይ ጉዳይካ ክተምጽእ ትኽእል። እቲ ሰብ ሓተትቲ ዑቕባ ክኽውን የብሉንን መለለዪ ወረቐት ድማ ሒዙ ኽመጸእ ኣለዎ። ን BAMF ኣቐዲምካ ትማልኦ ሰብ ከምዘለካ ክትሕብር ኣለካ። ናብቲ ምርኣይ ጉዳይጠበቓ ክተምጽእውን ትኽእል ኢኻ። ትሕቲ 18 ዓመት እንድሕር ኮይንካ፣ ክትዕጀብ ኣለክ ብ ናትካ ሞግዚት

ኣስተርጓሚ ኣብኡ ክህልው እይ። እቲ ኣስተርጓሚ ነቲትብሎ ብልክዕ ክስተርጉም እዩ። ጽቡቕ ጌርካ ነቲ ኣስተርጓሚ እንድሕር ዘይተረዲኻ ወይ ድማ ጽቡቕ ጌሮም ዘስተርጉሙ ኮይኑ እንድሕር ዝይተሰሚዑካ፣ ነዚ ሻቕሎትካ ክትዛረበሉ እለካ። እዚ ጸገም ኣብ ጸብጻብ ክጠቓለል ኣለዎ። እቲ ርክብ ድኹም እንተ ነይሩ ካልእ እስተርጓማይ ክቕየረልካ ክትጸቕጠሉ ኣለካ። እቲ ምርኣይ ጉዳይ ናብ ካልእ ጊዜ ከምዝሰጋገር ክገብሮ ይኽእል።

እቲ መስርሕ ምራይ ጉዳይ ብኸመይ ይስነድ?

ኩሉ ናትካ ሰነዳት ነቲ ዘጋጠመ ዘገድስ ኩነታት መርትዖ ( ን ኣብነት ከም ደብዳበታት፣ ውግዓዊ ምጽሕሓፋት፣ ውዕል-ሪም፣ ናይ ምስክርነት ወረቐትን፣ ስእልታትን) ዝኸውን ተማላእ። ኣቕደም ኣቢልካ ነቲ ምጽሕሓፋት ምትርጓምን ንስእልታት ምሕታማ ዝበለጸ እዩ። ቪድዮታትን ስእሊታትን ኣብ ሜሞሪ ካርድ ጌርካ ብምሃብ ብቴሌፎንካ ክተርኢ ትኽእል።

ቃልካ ኣብ ጊዜ ምርኣይ ጉዳይካ ክምዝገብ እዩ።

እዚ ወግዒ መሰረት ናይ ውሳነ ደረጃ ኩነታት ናይ ጸግዒ ንለዝምስርት ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ መዝገብ ብጀርመን እዩ ክኸውን። እቲ ምርኣይ ጉዳይካ ምስተወድአ ቅዳሕ ናይቲ መዝገብ ብቛንቛኻ ትደሊ እንተኾይንካ ክትሕተት ኢኻ። ብዘይ ይጥርጥር ነዚ ሕቶ ሕራይ ክትበል ኣለካ። ነዚ ዕድል ኩሉ ከምትደልዩ ከምተጻሕፈ ንምራይ ተጠቀመሉ። ካብ ምባል ዝረሳዕካዮ ዝርዝር ክእረመልካ ወስኸሉ። ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ዳሕራይ ጊዜ መአረምታ ክትጋብር። ኣብ መወዳእታ ነቲ መዝገብ ፈርመሉ ክትብሃል ኢኻ። ቅዳሕ ናይቲ መዝገብ ብ ፖስታ ቅድሚ ውሳነ ክስደድልካ ሕተት።

እቲ ዝርርብ

እቲ ምርኣይ ናይ ጉዳይ ብሓጸርቲ ሕቶታት፣ ከም ብዛዕባ ሃይማኖትካ፣ ትምህርትኻ፣ ስራሕካን፣ ናይ መወዳእታ ትቕመጠሉ ዝነበርካ ኣድራሻ ኣብ መቦቆል ዓድኻ፣ ከምኡውን ን ኣብነት ካብ መቦቆል ዓዲኻ ዝተልዓልካሉ መዓልቲን ናብ ጀርመን ዝኣተኻሉ መዓልቲ፣ እዩ ዝጅምር። ክትገብሮ ዘለካ ሕጽር ብዝበለ ነዞም ሕቶታት ምምላስ ጥራሕ እዩ።

ንምንታይ መቦቆል ዓድኻ ገዲፍካ ናብ ጀርመን መጺእኻ?

ንምንታይ መቦቆል ዓድኻ ገዲፍካ ናብ ጀርመን ከምዝመጻእኻ ክትሕተት ኢኻ። መልሲ ናዚ ሕቶ ንኣኻ ወሳኒ እዩ። ኩሉ ብዛዕባ, ስለምንታይ ሀግርካ ክምዝገደፍካን ናብ ካልእ ቦታ ኣብታ ሃገር ዘይተዓቖብካን ከምዝነገርካዮም ኣረጋግጽ።. እዚ ብዛዕባኻ እዩ ከም ሰብ፣ ናትካ ናይ ውልቂ ታሪኽ ን ናትካ ናይ ውልቂ ምኽኒያት
. እቲ ፍታሕ ንዓኻ ከመይ ክምዝነበረ ግለጽ። ኣብ ስግኣት እንተነይርካን ንምንታይ ኣብዚ ስግኣት ከምዝነበርካን፣ እንተትምለስ ናብ ስግኣት ትኣትው ኣይትኣትውን ግለጽ። ብጽቡቕ ክፍወስ ዘይከኣል ሕማም ዘእተወ ክኸውን ይኽእል።

ብዛዕባ ታሪኽካ ተርትኡ ብዝሓለወ ኣገባብኩሉ ኣገዳሲ ዘጋጠመ ኩነታት ብተርታ ከምኣፈጻጽምኦም ክትነግር ፈትን። ብዝርዝር ክትነግር ፈትን፦ ብልኽዕ እንታይ ኣጋጢሙካን መዓስ፣ ኣበይ፣ ብመንን ንምንታይ ከጋጥም ክኢሉ ተዛረብ። ብተኻእለካ መጠን ዝርዝር ኣቕርብ። ናይ BAMF ሰራሕተኛ ብዝሓሸ ነቲ ታሪኸካ ዝርድኦ ብዙሕ ዝርዝር እንተቐሪብካ እዩ። መዓልታዊ ኣጋጥእሚ እዩ ትብሎ ጠቒስካ እቲ ናይ BAMF ሰራሕተኛ ኣብ መቦቆል ዓድኻ ዘሎ ኹነታት ኣይተመኮረሉን። ኣብ ፍሉይ ኩነታት እንታይ ተሰሚዑካ ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ።

ክተረጋግጾ ዘለካ እቲ ትትንትኖ ዝኽዕነ ዓይነት ተገራጫዊ ነገራት ከይህልዎ እዩ።

ኩሉ ዝርዝራት ክትዝክር እንተ ኽኢልካ ኣፍልጦም። ኣብ ኸምዚ ዓይነት ጉዳይ ንኣብነት ብዝተኻእለካ መጠን ነቲ ዕለት ክተቀራርቦ ኣለካ። ዕለት ክትሕብር እንከለኻ ናይ ገዛእ ሃገርካ መቑጸሪ ዕለት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ገለ ኣሉታዊ ተሞኩሮታትካ ክትዛረብ ትሽገር ትኸውን ኢኻ ነገር ግን ብዝተኻእለካ መጠን ፈትን። እቲ ናይ BAMF ሰራሕተኛ ሕቶታት ክሓተካ ይኽእል እዩ ንስኻ ቃልካ እንዳሃብካ። ነዞም ከማን ብዝርዝር ክትምልስ ኣለካ። እንድሕር ሕቶ ዝርይተረዲኡካ ቅድሚምምላስካ ክርድኣካ ሕተት።

ነዚ ብድሆ ኣእምሮኣዊ ምድላዋት ገበር። ኣብ እዋን ምርኣይ ጉዳይ ዝኣኽለካ ጊዜ ወሰድ። ዕረፍቲ እንተኣድሊዩካ ሕተት።

ድሕሪ’ቲ ምርኣይ ጉዳይ

እቲ BAMF ብፖስታ ቤት ናቲ መመልከቲኻ ውሳነ ክሰደልካ እዩ። BAMF እቲ ቕኑዕ ኣድራሻኻ ከምዘለዎምን ኩልጊዜ ፖስታ መጽዩካን ኣይመጽካን ራኣይ።

እቲ BAMF እንድሕር መመልከቲኻ ተነጺጉ ወይድማ ናይ ጸግዒ ምሃብ ናይ ደረጃ ኩነታት እንዳተገባካ ዘይተዋሂቡካ፣ ነቲ ውሳነ ኣብ ቅድሚ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ይገባይ ክተቕርን ትኽእል። ኣብቲ ዝተውሃበካ ውሳነ ዝወድቀሉ ዕለት ኣስተውዕል (1 ወይ 2 ሰሙን_። በዘይ ምድንጓይ ሕጋዊ ምኽሪ ድለይ።Seek legal advice without delay.

ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት

Beratungsstelle in Rahlstedt (ማእከል ምኽሪ ኣብ Rahlstedt)
ሰኑይ 1 ድ.ቐ. – 5 ድ.ቐ, Saselerstraße 21, 22145 Hamburg (Bürgerhaus in Meiendorf), ብእግሪ ናይ10-ደቒቕ ካብ ZEA.

Refugee Law Clinic (ንስደተኛ ብናጻ ዝጣበቓ ትካላት፦)

ናጻ ናይ ሕጋዊ ምኽሪ ኣብ ናይ ዳብሊን መስርሕ፣ ምጥርናፍ ቤተሰብ፣ ምድላዋት ናይ ዑቕባ ምርኣይ ጉዳይ፣ ከምኡውን ንደቅንስትዮን ኣዋልድን፣ LGBTI ስደተኛታት።, www.rlc-hh.de

ምኽሪ ብቪድዮ ቻት፦ ዓርቢ 3 ድ.ቐ. ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ክሳብ ሓሙስ ስዓት 8 ድ.ቐ. ብኢ-መይል ተመዝገብ፦ rlc-beratung@uni-hamburg.de (እቲ ተርጓሚ እንተ ኣድሊዩ፣ ብኽብረትካ ከምኡ ኢልካ ጥቐስ)፦ ናይ ቪዲዪ ቻት ሊንክ ምቕባል ብ ኢ-መይል እዩ ክኸውን

ÖRA (ህዝባዊ ሕጋዊ ሓበሬታ)
Dammtorstraße 14, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ +49 40 428433072 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 8 ቅ.ቐ. ክሳብ 2 ድ.ቐ.)፦  www.hamburg.de/oera/

Café Exil
Hammer Straße 10, +49 40 2368216, ሰኑይን ሰሉስን፦ ሰዓት 8 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፣ ሓሙስ፦ ሰዓት 3:30 ድ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ (ን ደቂኣንስትዮ ጥራሕ)፦ ሰዓት 9 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድቐ፣ ሮቡዕ ዕጽው እዩ http://cafe-exil.antira.info/

Fluchtpunkt Luthergemeinde Bahrenfeld
Eifflerstraße 3, fluchtpunkt@diakonie-hhsh.de, ምምኻር ብ ቴሌፎን ፦ +49 40 43250080 (ሰኑይ 9:30 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ፣ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ)፣ ብ ኣካል ምኽሪ (ዝተመርመረ፣ ዝተኸተበ ወይ ደማ ዝሓወየን ናይ ሕክምና ማስክ ዝለበሰ)፦ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፦ www.fluchtpunkt-hamburg.de

Flüchtlingszentrum
Adenauerallee 10, ብኽብረትካ ቈጸራ ሓዝ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790 (ሰኑይን ዓርቢን፦ ስዓት 9 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 4 ድ.ቐ፣ ሰሉስን ሓሙስን፦ ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ ን፣ ስዓት 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ፣ ረቡዕ፦ ሰዓት 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ), www.fz-hh.de

Last updated: 12.01.2022