Sozialmanagement (ኣመሓዳሪት ማሕበራዊ ጉዳያት)

ዝዀነ ይኹን ሕቶ ምስዝህልወኩም፡ መጀመርታ ክትውከስዎ ዝግባእ ኣካል፡ እታ ኣብ ዘለኹሞ መዕቈቢ እትርከብ Sozialmanagement (ኣመሓዳሪት ማሕበራዊ ጉዳያት) እያ። በዛ ኣካል እዚኣ፡ ንዝዀነ ይኹን ሕቶኹም ዝምልከት ምኽሪ ከምዝወሃበኩም ክትገብር፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ከመይ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ቀጺሉ ኪወሃበኩም ምዃኑ ክትሕበረኩም እያ።