መሰረታዊ ነገር፦ ናይ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ውዕል

ኣብ ጻውዒትን ኢንተርኔት ምጥቃምን ከቢድ ክፍሊት ንምውጋድ ናይ ጀርመን SIM ካርድ ክትጥቀሙ’ለኩም። ካብ ሞባይል ውዕልን ናይ ቅድመ-ክፍሊትን ክትመርጽ ትኽእል።

እንድሕር ናይ ሞባይል ውዕል ኣቲኻ ወርሓዊ ክፍሊት ይመጸካን ከም ልሙድ ድማ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ይንከይ. ምስ ሓደ ኣገልግሎት ኣቕራቢ ዝበዝሐ ግዜ ንክልተ ዓመት ክትጥመር ስለ ትኽእልን፣ ናይ ኣከፋፍላ ለውጢ ምግባር ስለ ዝኸብድን ካብ ናይ ነዊሕ እዋን ውዕል ተቖጠብ።

ጽቡቕ ጌሩ ዝተረደኣካ ውዕል ጥራሕ ፈርም። ጽቡቕ ጌሩ ጀርመንኛ ዝዛረብ ሰብ የካይደካ ውይ ነቲ ውዕል ነቲ ሰብ ኣርእዮም ቅድሚ ምፍራምካ። እዚ’ዩ ዘጋጥም ናይ ሞባይል ኦፐረይተር ሰራሕተኛታት ውዕላት ሒዞም ናብ መንበሪኻ ክምጹ እንከለዉ ብፍላይ ። ኩሉ ምስ ውዕልካ ዝተሃሃዝ ሰነዳት ኣቐምጥ።

ውሱን ናይ ኮንትራት ግዜ ዘለዎም ናይ ቅድመ-ክፍሊት ኣከፋፍላ ዝበለጸ ይጥዕሙ። ኣብ ናይ ቅድመ-ክፍሊት ውዕል፣ መጀመርታ ሕሳብ ትረክብ (መብዛሕትኡ ግዜ €10)፣ ነዚ ተጠቒምካ ክትድውልን ን መርበብ ክትድህስስ ትኽእል። እቲ ሕሳብ ምስተወአ ክትውስኸሉ ትኽእል። ናይ ቅድመ-ክፍሊት ውዕላት ኣብ ቤት መድሃኒት፣ ሱፐርማርኬትን መዐደሊ ነዳዲ ይርከብ እዩ። ነቲ SIM ካርድ ካብ ድዃን ምስ ረኸብካዮ ድሒሩ ሕሳብ ክትወስኸሉ ትኽእል።

ብ ቅድመ-ክፍሊት፣ ወርሓዊ ጥማራት ናይ መደወሊን ኢንተርኔት ብሕደ ዋጋ ክትሕዝ ትኽእል። እቲ ጥማር ዝንቐሳቐስ እኹል ሕሳብ ኣብ ቴሌፎንካ ምስ ዝህልወካ እዩ። እዚ ዝሓሸ ቁጽጽር ኣብ ወጻኢታትካ ይህበካ።

ሞኦባይል ውዕል ወይ ድማ ቅድመ-ክፍሊት ንኽትጥቀም፣ ናይ ምአንነትካ መረጋገጺ ክተኽርብ ኣለካ (ን ኣብነት ናይ መምጽኢ መረጋገጺ (Ankunftsnachweis)፣ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነኻ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)፣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ወይ ድማ ፓስፖርት) ብድሕሪኡ ኣድራሻኻ ሃብ። ቅድም ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ኣድራሻኻ ኣብዚ ክትጥቀም ትኽእል። ናብ ሓድሽ መንበሪ እንድሕር ግዒዝካ ነቲ ናይ ሞባይል ኣገልግሎት ኣቕራቢኻ ሓድሽ ኣድራሻኻ ክትሕብሮ’ለካ።

ዝርዝር ዋጋ ምረጽ፦ ናይ ወጻኢ ጻውዒት፣ ናይ ዳታ ብዝሒን ጻውዒት ኣብ ውሽጢ ጀርመን

ዝርዝር ዋጋ ክትመርጽ ከለኻ ንዝተፈላለዩ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ምውድዳር ኣገዳሲ እዩ። ናብ ኣየናይ ሃገር ክትድውል ከም ትደልይ ብምሙርካስ እቲ ዘኽፍልዎ ሓደ ካብ ሓደ ብገፊሕ ይፈላለ እዩ። ንሓደ ጻውዒት ተወሳኺ 15 ሳንቲም ኣብ ልዕሊ’ቲ በብደቒቐ ዘኽፍሉኻ ከኽፍሉኻ ክትጽበይ ኣለካ። ስለዚ ነዊሕ ጻውዒታት ብተመጣጣኒ ሕሱር እዩ። ከም ስርዓት ንደቒቕ ልዕሊ 25 ሰናቲም ከም ኩቡር እዩ ዝውሰድ።

ፍሉጣት ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ንናይ ወጻኢ ዝርዝር ዋጋ Lebara (ቦስኒያን ሄርዞጎቪና፣ ኤርትራ፣ ኢራቕ፣ ናይጀሪያ፣ ፓኪስታን)፣ Lycamobile (ኤርትራ፣ ጆርዳን፣ ሊባኖስ፣ ናይጀሪያ፣ ፓኪስታን፣ ሶሪያ፣ ቱርክ)፣ Mobilka (ሩሲያ፣ ዩክሬን፣ ካዛክስታን)፣ NettoKom (ኢራቅ)፣ Ortel Mobile (ኣፍጋኒስታን፣ ኢራቅ)፣ Simquadrat (ሶሪያ) ን Vodafone (ኢራን፣ ቱርክ)። ኦንላይን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብቐጥታ ካብቲ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል። ኩሎም ትካላት ተወሳኺ ናይ ዳታ ኣማራጺታት፣ ን መዳህሰሲ መርበብ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኣቕርቦታል ኣልዎም።. ኣብዚ’ውን ዋጋታት ኣነጻጽር!

ብዙሕ ጻውዒታት ኣብ ውሽጢ ጀርመን ክትገብር ደሊኻ ተወሳኺ ናይ ሞቢለ ውዕል ኣይጣዕሰካን እዩ። ኣቕረብቲ ናይ ሕሱር ወጻኢ ጻውዒት ብፍላይ፣ ኽቡራት እዮም ኣብ ናይ ወሽጢ ጀርመን ንዝግበር ጻውዒት። እዚ ኣብ ናይ ዳታ ዝርዝር ዋጋ’ውን ይሰርሕ እዩ። ን ኣብነት እንድሕር ናይ ቻት ኣገልግሎታት ከም Viber፣ WhatsApp ወይ Skype ትጥቀም ኮይንካ፣ ናይ ጀርመን ዳታ ዝርዝር ዋጋ እኹል እዩ። ምስ ወጻኢ ሃገራት ብ ኢንተርኔት እምበር ብ ቴሌፎን መስመር ኣይኮንካን ተራኺብካ ዘላኻ።

ቀንዲ ናይ ጀርመን እቕረብቲ ናይ ቅድመ-ክፍሊት ውዕል Congstar፣ Aldi Talk፣ Telekom፣ O2 እን Vodafone የጠቓልል። ሓበሬታ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ኢንተርኔት ምስቲ ኣገልግሎት ኣቕራቢ ወይ ድማ ብ ኣካል ኣብ ቤት-ዕዮኦም ክትረክብ ትኽእል።

ነጻ Wi-Fi

ናይ Freifunk.Hamburg ተበግሶ ንሙሉእ ከተማ ብናጻ ናይ Wi-Fi ኣገልግሎት ኣቕርቦት ይህብ። ነዚ፣ እቲ “Hamburg.freifunk.net” (SSID/WLAN name) መርበን ምረጽ። መእተዊ ክትረኽበሉ ትኽእል ብ knotenkarte.de ወይ ብሓገዝ “Freifunk” app for iOS and “freifunk-karte” ን Android.

ኣብ ልዕልዚ ዞባዊ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ነጻ ናይ MobyKlick Wi-Fi መርበብ ፈጢሮም እዮም። ነቲ Wi-F ንኽትጥቀመሉ ኣብቲ መእተዊ ን “MobyKlick” (SSID/WLAN name) መርበብ ምረጽ፣ ሽዑ ን “Verbinden” (“ተራኸብ”) ጽቐጥ ኣብቲ መዳህሰሲኻ። ብድሕሪኡ ብነጻ ናርባዕተ ስዓት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነቲ መእተዊታት ክትረኽቦም ትኽእል ኣብ፦ www.mobyklick.de/karte/. መብዛሕትኡ እዋን ን MobyKlick ኣብ ኣውቶቡሳትን ኣብ ናይ ትሕቲ መሬት ባቡርን’ወን ትረኽቦ ኢኻ።

ናይ wifi hotspots ኣብ ሃምበርግ Bücherhallen ን ኣብ ብዙሓት እንዳ ሻሂ ከምኡ’ውን ኣብ ድዃናት ኣሎ። ኢንተርኔት ብነጻ ክትጥቀመሎም ትኽእል፣ ኣብ ሃምበርግ Hauptbahnhof፣ ኣልቶናን ሃምበርግ ናይ ባቡር ጣቢያታት (“WIFI@DB” (ብዘይገደብ) and SSID/Wi-Fi ሽም፦ Telekom (ን 30 ደቒቕ).

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022