እዚ ሓጺር መግለጺ ብኸመይ ዜና ካብ ጽሕፈት፣ ተንቅሳቓሲ ስእሊን ናይ ሬድዮ ቅጥዓ ዝሓዙ ትፈልጥ ይነግረካ።

ዝበዝሑ ዝተጠቕሱ ናይ መራኸቢ ብዙሃናት ብ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ ወይ ዓረብኛ ይርከቡ እዮም።

ዜና ብ መልክዕ ጽሑፍ

Spiegel Online

Spiegel Online ኦንላይን ናይ ዜና በሪ ን መጽሔት “Der Spiegel” እዩ። ብዛዕባ ፖለቲካን ማሕበረሰባዊ ኣርእስቲታት ኣቕርቦት ይህብ። Spiegel Online ብ ጀርመንኛ እዩ ዚርከብ (www.spiegel.de) ብእንግሊዝኛ’ውን (www.spiegel.de/international).

Zeit Online

Zeit Online ናይ ጀርመን ሰሙናዊ ጋዜጣ “Die Zeit” መርበብ ሓበሬታ እዩ። ብቐንዱ ምስ ማሕበረሰባዊን ፖለቲካን ዝዛመድ ናይ ሓጸርቲ ጽሑፋት ኣቕርቦት ይህብ። Zeit Online ብ ጀርመንኛ እዩ ዚርከብ (www.zeit.de) ብእንግሊዝኛ’ውን (www.zeit.de/english).

Nachrichtenleicht

Nachrichtenleicht (www.nachrichtenleicht.de) ብቕልል ዝበለ ጀርመንኛ ዝተጻሕፈ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ እዩ። ሓጸርቲ ጽሑፋት ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ዜናታት፣ ሓጸርቲ ቪድዮታት፣ ፖድካስት እውን ትረክብ ኢኻ።t (www.nachrichtenleicht.de/podcast-nachrichtenleicht.2134.de.html).

WDR for you

WDR for you ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ኮይኑ ሓበሬታታትን ስነዳታት ከምኡ’ውን ምዝንጋዕን ኣገልግሎታት ንቈልዑ ይህብ። ብጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ዓረብን ፐርሺያንኛ ይርከብ። ምሕሪ ሓዘል ቪድዮታት ብዛዕባ ናብራ ኣብ ጀርመን’ወን ኣሎ። (http://www1.wdr.de/nachrichten/wdrforyou).

ብተወሳኺ እቶም መብዛሕቲኦም መርበብ ሓበሬታታት ናይ ዓበይቲ ጀርመናዊ ናይ መዓልታዊ ዜናታት፣ ከም “Süddeutsche” (https://www.sueddeutsche.de/ ወይ international.sueddeutsche.de) ወይ “Welt” (https://www.welt.de/ or https://www.welt.de/english-news) ብጀርመንኛን እንግሊዝኛን ዜናታት ይህቡ እዮም።

ናይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዜናታት

Tagesschau

“Tagesschau” እቲ ብጣዕሚ ፍሎጥ ናይ ጀርመን ዜና መደብ ኣብ ቴሌቪዥን እዩ። መዓልታዊ ሰዓት 8 ድቐ (ኣብ ካልእ ሰዓታት’ወን) ብ ቴሌቪዥን ፈናዋይ ARD ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክትከታተሎ ትኽእል። (www.tagesschau.de/). ናይቲ ጀርመንኛ ዜና ብሓጺር ዓይነቱ ናይ 100 ካልኢት ቪድዮ’ወን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (https://www.tagesschau.de/100sekunden/).

ZDF ብዓረብን እንግሊዝኛን

ZDF እቲ ዝዓበየ ናይ ጀርመን ፈናዋይ ኮይኑ ናይ ዜናን ካልኦት ምርኢታትን እቕርቦት ይህብ። ምርጫታት ናይ ምርኢታት ብእንግሊዝኛ ኣብ ኦንላይን ይርከብ እዩ። (www.zdf.de/international/zdfenglish) ወይ ዓረብ (www.zdf.de/international/zdfarabic) ንኡስ ኣርእስቲታት።

ARD Guide for Refugees

ARD Guide for Refugees ንዜና ብዛዕባ ህልው ኣርእስትታት ካብ ARD ብዓረብን እንግሊዝኛን (ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ብ ዳሪ፣ ፓሽቶን እኡርዱ ወይ ድማ ብፈዂስ ጀርመንኛ’ወን) የቕርብ።

ነቲ ንኡስ ኣራእስቲ ክተስርሖ ይከኣል እዩ፦ https://www.daserste.de/specials/service/barrierefreiheit-im-ersten-untertitel-deutsch100.html.

ናይ ራድዮ ዜና

WDR Refugee Radio

WDR Refugee Radio ብ ፍሉይ ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝቖመ ናይ ራድዮ መደብ እዩ። ብዓረብን ጀርመንኛን ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ዝፍነው መደብ እዩ (http://www1.wdr.de/radio/cosmo/programm/refugee-radio/).

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022