እዚ ገጽ መርበብ ስራሕን ምልመላ ኣብ ትደልየሉ እዋን ነብስኻ ንምምእዛን ክሕግዘካ እዩ። ግን ምኽሪውን ክትደሊ ኣለካ። ኣብዚ ኣድራሻታት ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ጀርመን ንክትሰርሕ ይፍቀደልካን ኣይፍቀደልካን ኣብ ናይ ተቐማጥነት መሰልካ እዩ ዝሙርከስ።

ንክሰርሕ መሰል ኣለኒ ድዩ? 

ኣብ ጀርመን ንክትሰርሕ ይፍቀደልካን ኣይፍቀደልካን ኣብ ናይ ተቐማጥነት መሰልካ (Aufenthaltstitel) እዩ ዝሙርከስ። እንታይ ዓይነት ናይ ነባርነት መሰል (Aufenthaltstitel) ከምዘለካ እርግጸኛ እንተ ዘይኮይንካ ናይ ገጽ መርበብና “Asyl” ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ፦ https://we-inform.de/portal/ti/asyl-ti/

ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis): እንድሕር ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) “ስራሕ ክሰርሕ ተፈቒዱሉ” (“Beschäftigung erlaubt”) ኢሉ ጠቒሱ ክትሰረሕን ጀማርነትን ይፍቀደልካ እዩ። (Ausbildung). ናይ ነባርነት ፍቓድካ “ዘርብሕ ንጥፈታት ተፈቒዱ እዩ” (“Erwerbstätigkeit gestattet”)ኢሉ ዝጠቅስ እንተ ኾይኑ ብናጽነት ክትሰርሕ፣ ከምናትካ ስራሕ ምኽፋት ትኽእል እኻ። 

ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)፣ መረጋግጺ ናይ እትወት (Ankunftsnachweis), ፍቓድ ናይ ምጽናሕ ክሳብ ውሳነ ናይ ዑቕባ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ጀርመን ምቕማጥ መመልከቲ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣብ ኢሚግሬሽን ክተእትው ትኽእል። 

እንድሕር ናይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ትዋሂቡካን ኣብ መጀመርታ ናይ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnameeinrichtung) ክትነብር ዘድልይ እንተነይሩ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ጀርመን ምቕማጥ መመልከቲ ስራሕ ንክፍቀደልካ ክተእትው ትኽእል።

እንድሐ ዝመጻኻሉ ሃገር መንግስቲ ጀርመን “ውሕሳት ናይ መበቆል ሃገራት” (sicherer Herkunftsstaat) ኢሉ ዝሰምየን ኮይኑን ዑቕባ ክትረክብ ድሕሪ 31 ነሓሰ 2015 ኣመልኪትካ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእሎ የብሉን። ሃገረ ኣልባኒያ፣ ቦዝኒያ-ሔርዞጎቪና፣ ጋና፣ ኮሶቮ፣ ማሴዶኒያ፣ ሞንቴኔግሮ፣ ሴኔጋልን፣ ሰርቢያን ውሑሳት መበቆላዊ ዓዲታት (sichere Herkunftsstaaten) እየን ዝሕሰባ ኣብ ትሕቲ ናይ ጀርመን ናይ ዑቕባ ሕጊ።

ናብዞም ውድባት ንምኽሪ ክትኽይድ ትኽእል ኢኻ፦

The Flüchtlingszentrum: Adenauerallee 10, በጃኹም ቆጸራ ሓዙ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790 (ሰኑይን ዓርቢን፦ ሰዓት 10 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ናይ ድ.ቐ፣ ረቡዕ፦ 2 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክሳብ 5 ናይ ድሕሪ ቐትሪ) www.fz-hh.de.

The ÖRA (“Öffentliche Rechtsauskunft” (ህዝባዊ ናይ ሕጊ ሓበሬታ)) ሕጋዊ ምኸሪ ይህቡ። Dammtorstraße 14, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ +49 40 428433072 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 7 ቅ.ቐ. ክሳብ 7 ድ.ቐ.)፦ www.hamburg.de/oera.

Welcome Center Hamburg, Süderstraße 32 b, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ info@welcome.hamburg.de, +49 40 428395555 (ክኣብ ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ 9 ቅ.ቐ – 3 ድ.ቐ፣ ሓሙስ ካብ ሰዓት 10 ቅ.ቐ ክሳብ 8 ድ.ቐ፣ ዓርቢ ካብ 9 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)), https://welcome.hamburg.de/newcomer/.

ብ ኣካል ምምኻር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፍካን ኣፍንጫኻን ዝሽፈን ማስክ እንተጌርካን ምልክት ኮቪድ-19 ዘይብልካን ምስትኸውን ጥራሕ እዩ ዝከኣል።

እንታይ የድልየኒን ስራሕ ክረክብ? 

ስራሕ ንምርካብ ከምልሙድ ኣብቲ ዓውዲ ብቁዕ ኮይንካ እቲ ዘድሊ ናይ ቋንቋ ክእለት ክህልወካ ኣልዎ።

ብቕዓት

ኣፍልጦ ንምርካብ ዝልዓለ ትምህርቲ ኣብ ጀርመን ከድልይ ይኽእል እዩ። ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://we-inform.de/portal/ti/bildung-ti/.

ኣብ ጀርመን ገለገለ ስራሓት ንክትሰርሕ እንታይ ዓይነት ናይ ምስክርነት ወረቐትን ብቕዓት ይድልየካ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦ https://www.anerkennung-in-deutschland.de/html/de/. መን ኣፍልጦ ንናይ ወረቐት ምስክርነትካ ይህብን እቲ መስርሕ ከመይ ከምዝኾነ ክትፈልጥ ትኽእል።

ምልመላን ትምህርትን፦

ብዙሕ ስራሓት ዝተፈጸመ ጀማራይነት ይሓቱ(Ausbildung) ወይ ድማ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ።

ጾታኻ ይኹን ዕድመኻ ብዘየገድስ ኣብ ምልመላ ኮነ ትምህርቲ ክተጽንዕ መሰል ኣለካ።

ዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ምምሃር ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/bildung-ti/.

ጀማርነት (Ausbildung) ኣማራጺ ካብ ናይ ዩኒቭርሲቲ ምምሃር እዩ። ኣብዚ ኩነት ሓደ ሞያ ወይ ክእለት ትመሃር። A-ደረጃ (Abitur) ዘድሊ ኣይኮነን። ጀማርነት (Ausbildung) ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ይወስድ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ሓደ ትካል እንዳሰራሕካ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንሞያዊ ትምህርቲ ዝጠቕመካውን ትመሃር። ከምተልምደ ካብ € 500 ክሳብ € 1000 ወርሓዊ ትረክብ። ኣብ 2020 ዝተሓተ ደሞዝ ና ጀማርንት ተኣታትዩ።

ኣብ ጀማርነት (Ausbildung) ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) እንድሕር ሃልዩካ። ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እንተሃልዩካ ወይ ድማ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቕባ ውሳነ ትጽበ(Aufenhaltsgestattung)ፍቓድ ካብ Ausländerbehörde (ሰብ ምአዚ ናይ ወጻኢ ዜጋታት) (Hammer Str. የድልየካ እዩ። 30-34, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ +49 40 428992288 (ሰኑይ፣ ሶሉስ፣ ሓሙስ፣ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8 ቅ.ቐ. ክሳብ 1 ድ.ቐ.))። ሰለስተ ወርሒን ልዕሊኡን ኣብ ጀርመን እንተ ተቐሚጥካ ፍቓድ ክትሃትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ጀማርነት (Ausbildung) ከለኻ ናይ ዑቕባ መመልከቻኻ ተነጺጉ፣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ ብሰንኪ ጀማርነት (Ausbildungsduldung) ምእንታን ጀማርንርትካ (Ausbildung) ክትውድእ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ብዓወት ን ጀመርነትካ (Ausbildung) ምስትውድእ እቲ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ብ 6 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

ከይወዳእካ ምልመላኻ እንድሕር ኣቋሪጽካ እቲ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ክናወሐልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ምእንታን ሓዲሽ መመልመሊ ቦታ ክትረክብ። ነዚ ሓንሳብ ጥራሕ ኢኻ ክትገብሮ ትኽእል።

ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ ብሰንኪ ጀማርነት (Ausbildungsduldung) ክትኽላእ ዝኽእል፣ እቲ ናይ ምስጓግካ ትእዛዝ ኣቐዲሙ እንድሕር ተመሓላሊፉ ወይ ድማ ናትካ ጽንሖ ክቋረጽ ንስጉምቲ ዝተጋለጽካ ምስ ኾንካ እዩ።

ብዓወት ንጀማርነትካ (Ausbildung) ድሕሪ ምውድእካ ከምልሙድ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ንክልተ ዓመት ክትጸንሕ ዘኽእል ክውሃበካ ክተመልክት ይክኣል እዩ። ካብ Flüchtlingszentrum ወይ ካብ Hamburg Welcome Center ምኽሪ ምድላይ።

ናይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ ብሰንኪ ጀማርነት(Ausbildungsduldung) ወይ ድማ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ሓበሬታን ቅጥዒ መመልከቻን ኣብዚ ትረክብ https://www.unternehmen-integrieren-fluechtlinge.de/die-ausbildungsduldung/.

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ጀማርነት (Ausbildungen) ኣብዚ ይርከብ እዩ፦ www.hamburg.de/yourchance

ብኸመይ ስራሕ ክረክብ ይኽእል? 

ብውሕዱ 25 ዓመት እንተ ጌይርካን ስራሕ ትደልይ እንተ ኾይንካ ካብ ጋንት Flucht und Asyl (Team Refuge and Asylum) ኣብ Agentur für Arbeit (ስራሕ ዘማጽእ ወኪል) ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል። ንዝበለጸ ሓበሬታ፦ https://www.arbeitsagentur.de/vor-ort/hamburg/startseite.

Kurt-Schumacher-Allee 15, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ፦ Hamburg.Mitte-625-Vermittlung@arbeitsagentur.de, +49 8004555500.

ጋንታ Flucht und Asyl ኣብ ስራሕን ምልመላን ኣብ ጀርመን ምኽሪ ብብዙሕ ቋንቋታት ይቕርቡልኩምን ካልእ ሓገዝ ክትረኽቡሉ ትኽእሉሉ መንገዲታት ይሕብሩኹም። ምስክር ብቕዓትኩምን ሓበሬታ ብዛዕባ ኣቐዲምኩም ዝወሰድኩሞ ምልመላን ናይ ስራሕ ተሞኩሮ ናብቲ ምይይጥ ምስ Team Flucht und Asyl ክተምጽእዎ ኣለኩም።  

ትሕቲ 25 ዓመት እንተ ኾይይንኩም ኪዱ ናብ Jugend-Berufsagentur. 

እቲ ዝርከቡሉ ዝተፈላለየ ቦታ ኣብ ህምበርግ ኣብዚ ትረኽብዎ፦ https://www.jba-hamburg.de/English-71. በጃኹም ቆጸራ ግበሩ

ናይ ወግዓዊ ቢሮ ደገፍ ኣብ ስራሕ ምድላይ እንተ ዘይብልኩም ብዕልኹም ናይ ስራሕ መመልከቻ ክተእትዉ ትኽእሉ።

ናይ ስራሕ ዕድል ኣብዞም ገጽ መርበባት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም ንኻሎት ወስኽካ፦ https://workeer.de/registrieren, www.jobbörse.de.

ኣብ ምድላይ ሰራሕን መመልከቻታት ዝሕግዘካ ኰስኳሲ ክህልወካ እንተ ደሊኻ ካብ ናይ ምኰስኳስ ፕሮጀችት ሓገዝ ሕተት፦ www.human.hamburg, www.welcome2work.de, or www.leethub.de. ዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምኰስኳስ ፕሮጀችት ኣብዚ ትረክቡ፦ https://we-inform.de/portal/ti/hamburger-kennenlernen-ti/.

ኣብ ጀርመን ሰራሕተኛታት መሰል ኣልዎም፣ ክም መሰል መካብ ክፍሊት ዘልዎ ዕረፍቲን ምርካብ ዝተሓተ ደሞዝን። እዞም መሰላት ንዓኻውን ይውክሉ እዮም። ብቕንዕና ኣይተትሓዝኩን ዝብል ስምዒት ኣለካ ናብ Deutschen Gewerkschaftsbund (DGB) ንምኽሪ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። Besenbinderhof 60, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ +49 40 2351960.

ኣቲ ፖጀክትt “Faire Integration“ ናይ Hamburg Welcome Center ኣብዚ ኣርአስቲ ምኽሪ ክህብ ይኽእል እዩ። Süderstraße 32b, በጃኩም ቅኦጸራ ግበሩ፦ info@welcome.hamburg.de, +49 40 428395555 (ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ ሰዓት 9 ቅ.ቐ -3 ድ.ቐ፣ ሓሙስ 10 ቅ.ቐ – 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ 9 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ፣ (ፋዱስ)), https://welcome.hamburg.de/newcomer/.

ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሕጊ ሰራሕተኛታት፣ ድሕነት፣ ናይ ጥዕና ቁጽጽር ኣብ ስራሕ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮና ኣብጊ ክትረኽቦ ትኽእል፦ https://www.bmas.de/SharedDocs/Downloads/DE/Arbeitsschutz/corona-faqs-en.pdf?__blob=publicationFile&v=2.

ኣከዋውና ናይ ትካል (Existenzgründung) 

ኣብ ኣከዋውና ናይ ትካልካ (Existenzgründung) ዝድግፉኻን ምኽሪ ዝህቡኻን ውድባት ክትረክብ ኣብዚ ትኽእል። ኣከዋውና ናይ ትካል (Existenzgründung) ማለት ኣብ ትሕቲ ነብስኻ ትሰርሕን ንኻልእ ሰብ ዘይትሰርሕ ማለት እዩ። 

  • LeetHub St. Pauli e.V., Bernstoffstraße 118: post@leethub.de, +49 40 20974622, leethub.de/kontakt.html. LeetHub ሰለስተ ዝተፈላልዩ መደባት ቀሪቡሎ። ናትካ ናይ ስራሕ ሓሳብ ይህልወካ እዩ።
  • MoveON ማለት፣ ካብ 4-6 ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ጉጅለ ትምህርቲ ኮይኑ ኣከዋውና ናይ ትካልካ (Existenzgründung) ዘዳልወካ እዩ፣https://www.leethub.de/existenz-gruendung/moveon.html. እቲ ትምህርቲ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ን ዓውደ ምጽናዕቲ ይራኸቡ፣ ኰስኳሲ ኸኣ ይድገፈካ።
  • Projektwerkstatt ን 3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ብቐጥታ ናይ ፕሮጀችት ምጅማር ተመኩሮታት ዝህበካ ናይ ጉጅለ ትምህርቲ እዩ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ይራኸብን ዝጎራበት ሽርካ ድማ ይድግፈካ። 
  • StartNoW ናይ ውልቂ መሰልጠኒ ፕሮግራም ኮይኑ ናይ ስራሕ ሓሳብካ ብዝተዓጻጸፍ መደብ ክትትግብር ዝሕግዘካ እዩ። schedule.
  • Arbeitsgemeinschaft selbstständiger Migranten e.V. (ASM), Schauenburgerstraße 49: info@asm-hh.de, +40 40 38038170, asm-hh.de/.
  • Unternehmer ohne Grenzen e.V., Neuer Kamp 30: info@uog-ev.de, +49 40 43183063, uog-ev.de/ueber-uns/.
ተልመዴንነት እንታይ እዩ?

ተልመዴንነት (Praktikum) ኣብ ሓደ ምያ ንዘሎ ዕለታዊ ስራሕ ንምፍላጥ ዕድል ዝህብ እዩ። ብዙሕ ዓይነታት ተመዴንነት (Praktika) ኣሎ ኣብ ጀርመን። ገሊኡ ክፍሊት ኣልዎ ገሊኡ ድማ የብሉን። ብዛዕባ ተልመዴንነት ምኽሪ ኣብዚ ትረክብ ኢካ፦

Flüchtlingszentrum Hamburg: Adenauerallee 10, ቆጸራ ክትገብር ይድልየካ እዩ፦ info@fz-hh.de, +49 40 28 40 790 (Monday and Friday: ሰዓት 10 ናይ ቅ.ቐ – 1 ናይ ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ – 5 ናይ ድ.ቐ፣ ረቡዕ፦ ስዓት 2 ድ.ቐ – 5 ድ.ቐ) www.fz-hh.de.

CJD, https://www.cjd-hamburg.de/angebote/, +49 40 21111810, cjd.hamburg@cjd.de.

መን ይፍቀደሉ ብተልመዴንነት (Praktikum) ክወፍር? 

ጾታ፣ ዕድመ፣ ወይ ድማ ብቕኣት ብዘየገድስ ኹሉ ሰብ ብ ተልመዴንነት ክወፍር ይፍቀደሉ እዩ።

ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) እንተ ሃልዩካ ብዘይ ፍቓድ ብተልመዴንነት ክትወፍር ትኽእል። ካብ Jobcenter (ናይ ስራሕ ምእከል) ገንዘብ እንተብተቐቢልካ፣ እቲ Jobcenter ብሓፈሽኡ ብተልመዴንነትካ (Praktikum) ተሰማሚዑ ኣሎ ማለት እዩ።

ግን ብተልመዴንነት (Praktikum) ክትወፍር ትኽእል።

  • ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)ን ናይ ስራሕ ምቑጻር እገዳ እንተ ዘይብልካ።
  • ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቕባ ውሳነ ትጽበ (Aufenthaltsgestattung) ሃልዩካ።

Iኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ተልመዴንነት (Praktikum) ዝከኣል ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣን ጀርመን ምቕማጥ እዩ። ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እንተሃልዩካ ወይ ድማ እቲ ዑቕባ ንውሳነ ኣብዝጽበየሉ መጽንሒ ፍቓድ እንተሃልዩካ (Aufenthaltsgestattung) ፍቓድ ናይ Ausländerbehörde የድልየካ እዩ ።

ኣየኖት ተልመዴንነት (Praktika) እዮም ዘልዉ?

ኣብ እዞም ተልመዴንነት (Praktika) ፣ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቕባ ውሳነ ትጽበ  (Aufenthaltsgestattung) ውይ ድማ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እንተ ሃልዩካ ክትሳተፍ ትኽእል፦

ንካልእ ሰራሕተኛ ብስራሕ ምክትታል (Hospitation): ከም ጋሻ ንሓደ ትካል ክትሪኦ ትኽይድ እሞ ናይ ስርሕ ኣማራጺታት ትርኢ። ባዕልኻ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ፍቓድ ካብ Ausländerbehörde ኣየድልይካን እዩ።

ናይ ቤት ትምህርቲ ተልመዴንነት (Schulpraktikum): ከምዚ ዓይነት ተልመዴንነት ትምህርቲ እዳተምሃርካ ትገብሪ እዩ። ምስቲ ትካል ስምምዕ ባዕልኻ ኣይትውድኦን ኢኻ (እቲ ቤት ትምህርትካ እዩ ክገብሮ ዝኽእል)። ገንዘብ ኣይትኽፈልን ኢኻን ካብ Ausländerbehörde ፍቓድ ኣይድልየካን እዩ።

ተልመዴንነት ን ሞያዊ ምእዘና (Praktikum zur Berufsorientierung or „Schnupperpraktikum“): እዚ ተልመዴንነት (Praktikum) ንሰለስተ ወርሒ ክጸንሕ ይኽእል። ገንዘብ ኣይትኽፈልን ኢኻ። ፍቓድ የድልየካ ካብ Ausländerbehörde.

መላለዪ ስልጠና (Einstiegsqualifizierung „EQ“): እዚ ተልመዴንነት (Praktikum) ን ጀማርነት (Ausbildung) ከዳልወካ እዩ ዝግብኦ። ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ወርሒ ክጸንሕ ይኽእል። ን ገንዘባዊ ደገፍ ን Arbeitsagentur መመልከቲ ኣእቱ። እዚ ተልመዴንንት (Praktikum) ካብ 25 ዓመት ንታሕቲ ኢዩ ተባሂሉ ግና ካብ ልሙድ ወጻኢውን ክግበር ይከኣል እዩ። ፍቓድ የድልየካ ካብ Ausländerbehörde.

ናይ ጀርመን ቋንቋኻ ብኸመይ ተመሓይሾ 

ቋንቋ ጀርመን ክትመሃር ወይ ክተመሓይሾ እነተ ደሊኻ ንገጽ መርበብና “Learning German” ረኣይ: https://we-inform.de/portal/ti/deutsch-lernen-ti/.

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12/01/2022