ጨንፈራት ምምካር ስደት

ጨንፈራት ምምካር ስደት ንደገፍ ስደተኛታት ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ይሕግዙዎም። እቲ ምምካር ኣብቶም ወግዓውያን ጨንፈራት ብነጻ እዩ ግን ብግዜ ወሳኒ እዩ። እቶም ትካላት ሕቶታት ንመዓልታውያን ሽግራት ይምልሹ ከምኡ’ውን ኣብ ሽግራት ብጀርመንኛ እዮም ዝሕግዙ።

ንፍሉያት ጉጅለታት ዕላማ ድማ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ምምካር ስደት ከምዘለው ኣስተውዕሉ፥

ምምካር ስደት ንብጹሓት ዝመጹ ሰባት (MBE)

https://www.hamburg.de/contentblob/13921578/3c2c3e03e804ea042a12c42be66157d4/data/angebote-mbe-netzwerk.pdf

እዚኦም ጨንፈራት’ዚኦም ንሓድሽ ዝመጹ መሰል ጽንሓት ዘለዎም ስደተኛታት ከምኡ’ውን ንዝተመዝገቡ እዮም ዝምልከቱ። ብዙሓት ጨንፈራት ኣብ ዳርጋ ኩሎም ቦታታት Hamburg ኣለው። ብዙሕ ግዜ ግላውያን ተሰከምቲ ኣብቶም ትካላት ከምዘለው ኣስተውዕሉ፣ ብኣካል ከኣ ቤተክርስትያን ኣለው። ኣብ ሕቶታት ምድላይ ኣፓርትመንት ወይ ጽንሓት ንኣብነት ይሕግዙ እዮም።

ኣገልግሎታት ስደት መንእሰያት (JMD)

http://www.jugendmigrationsdienste.de/

እቶም ኣገልግሎታት ስደት መንእሰያት ንመንእሰያት ብጹሓት እዮም ዝምልከቱ ክሳብ 27 ዕድመ። ፕሮግራማት ውህደት ይወፍዩ ከምኡ’ውን ንማዕርነት ዕድል እዮም ዝቓለሱ። ዝተፈላለዩ ጨንፈራት፣ ብኣካል ግላውያን ተሰከምቲ ኣለዎም፣ ውላ ውን ናይ ቤተክርስትያን መደባት ኣለዎም።

ምምካር ንስደተኛታት

www.fluechtlingszentrum-hamburg.de

ማእከል ስደተኛታት ኣብ Hamburg ንስደተኛታት፣ ሰባት ምስ ዘይርጉጽ ጽንሓት ወይ ብዘይ ወረቓቕቲ ጽንሓት፣ መሊሾም ድጓዓዙ ከምኡ’ውን ስደተኛታት ጽንሓት ይሕግዞም፣ ከምኡ’ውን ገሊኦም ካልኦት ጉጅለታት ዕላማ። ሓገዝ ኣብ ሕቶታት ዑቕባ የገልግል፣ ዋላ ሓበሬታ ንኣርእስትታት ከም ስራሕ ይህብ እዩ። ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ኣብ መርበብ ትረኽቡ (ዋላ ብ ዓረብኛፍራንስኛእንግሊዝኛዳሪ፣ ፋርሲ ከምኡ’ውን ሩስኛ

ኣድራሻ፥ Adenauerallee 10
ተል፥ +49 40 2840790

ማእኸል ምውህሃድ(Integrationszentren)

ማእኸል ምውህሃድ (Integrationszentren) ንስደተኛታት ማዕዳ ዝህብ እንትኸውን፡ ብፍላይ ድማ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሃምበርግ ይነብሩ ንዘለውን ንምፅናሕ ፈቓድ ዘለዎም፡፡ እቲ ምምኻር ከም ናይ መንበሪ መሰልን ናቹራላይዜሽን፡ ምስ ሰበ ስልጣን ምስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ስራሕን ፋይናንሳዊ ጥቕምታት ማዕዳን መረዳእታ ምርካ የካትት፡፡

ሓፈሻውያን ሓበሬታታት ንጨንፈራት ምምካር ትረኽቡ ኣብ www.hamburg.de/migrationsberatung/