መዘኻከሪ፦ በጃኻ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገር፣ በሰንኪ ለበዳ ኮሮና እዞም ንጥፈታትን መደባትን ኣብዚ ግዜዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣየጋጥሙን የጋጥሙ ኣልዉ። ስለዚ እንታይ ዕድላት ካብ ሃምበርግ ንዝመጹ ሰባት ኣብዚ ሕጂ ግዜ ንምርካብ ከምዘሎ ንምፍላጥ ኩልግዜ ምስቲ መደብ ክትራኸቡ’ለኩምን።

ካብ ሃምበርግ ንዝኾኑ ሰባት ንምልላይ ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ን ኣብነት፦

ናይ ኾስዃሳይነት መደባት

ኾስዃሳይ ክህልወካ ተደሊዶ? ዝኾነ ሰብ ብ ጀርመን ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጠ ክሕግዘካ ይኽእል? ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሃምበርግ ምሳኻ ክዘውር ዝኽእል ሰብ? ዝኾነ ጀርመንኛ ክሕግዘካ ዝኽእል፣ ገዛ ወይ ድማ ስራሕ ዘዳልየካ ሰብ?

ብዙሓት ናይ ኾስዃሳይነት መደባት ኣብ ሃምበርግ ኣሎ፣ ከም፦

  • ሃምበርግ፦ Human@Human, Harburger Schloßstraße 14, http://human.hamburg/ .
    ኰስዃሲ ብኸመይ ትረክብ፦ ነቲ መደብ ብ ኢ-መይል ርኸብ (human@human.hamburg) ወይ ቴሌፎን (+49 40 68911931)
  • Hamburger mit Herz: Gemeindezentrum St. Markus, Heider Straße 1, https://www.hamburger-mit-herz.de/projekte/mentoring/
    ኰስዃሲ ብኸመይ ትረክብ: ን Claudia Westhaus ርኽባ (westhaus@hamburger-mit-herz.de , +49 151 64866809) ወይ ብ ኢ-መይል እንተ ዘይኮይኑ ብ WhatsApp. ብድሕሪኡ ንዓኻ ክፈልጡኻን ኰስዃሲ ክረኽቡልካን ኣብቲ ቤት ጽሕፈቶም ወይ ኸኣ ብ ናይ ቪድዮ ጻውዒት ኣኼባ ይግበር።
  • Flüchtlingshilfe Harvestehude, Heinrich-Barth-Straße 19, https://www.fluechtlingshilfe-harvestehude.de/
    ኰስዃሲ ብኸመይ ትረክብ፦ ምስቲ መደብ ብ ቴሌፎን፣ WhatsApp፣ Telegram፣ ወይ ብ ኢ-መይል ተራኸብ (paten@fhh-portal.de, + 49 177 1989061). ብዛዕባ ነብስኻ ገለ ዝርዝራት ንገሮም (ን ኣብነት ዕድመኻ ክንደይ ከምዝኾነ፣ ካበይ ከምዝመጻኻ፣ ንምንታይ ኽዕስዃሲ ትድሊ ከምዘለኻ፣ ናይ ቋንቋ ጀርመን ደረጃኻ ወይ ድማ ብትርፊ ግዜኻ እንታይ ክትገብር ከምትፈትው)። ቁሩብ ጀርመንኛ ክሳብ ሕጂ ትዛረብ ትኸውን ኢኻ (ከባቢ ደረጃ A2)። ኰስዃሲ ምስ ተረኸበልካ ምስቲ ኰስዃሲ ቆጸራ ብምግባር ነንሕድ ሕድኩም ተፋለጡ።
  • Bergedorf: Flüchtlingshilfe Bergedorf, Serrahnstraße 1, https://www.fluechtlingshilfe-bergedorf.de/
    ኰስዃሲ ብኸመይ ትረክብ፦ ምስቲ መደብ ብ ኢ-መይል ተራክኸብ (info@fluechtlingshilfe-bergedorf.de or paten@fluechtlingshilfe-bergedorf.de). ምእንታን ክፋለጠካ ንክትራኸቡ ክትዕደም ኢኻ። ብድሕሪኡ ኾስዃሳይ ክደልዩልካ እዮ ንዓኻ።
  • Lokstedt: Herzliches Lokstedt, https://www.herzlicheslokstedt.hamburg/
    ኰስዃሲ ብኸመይ ትረክብ፦ ምስቲ መደብ ብ ኢ-መይል፣ ብ ቴሌፎን፣ WhatsApp፣ oder Facebook ተራኸብ (info@herzlicheslokstedt.de, + 49 151 44569336). ንምንታይ (እንታይ ዓይነት ነገራት ንኽትገብር ወይ ንኽትድግፍ) ኰስዃሲ ከም ትደሊ ንገሮም። ምእንታን ክፋለጠካ ንክትራኸቡ ክትዕደም ኢኻ። ብድሕሪኡ ኾስዃሳይ ክደልዩልካ እዮ ንዓኻ።
  • Wilhelmsburg: Tandem project Die Insel hilft, Erlerring 1, https://die-insel-hilft.de/ ፣ በኸመይ ተጎራባታይ ትረክብ፦ ነቲ መደብ ብ ኢ-መይል ርኸብ (tandem@die-insel-hilft.de ) ወይ ቴሌፎን (+49 176 432305054). ምእንታን ክፋለጠካ ንክትራኸቡ ክትዕደም ኢኻ (ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና እቲ ርክብ ብ Zoom ክኸውን እዩ)። ብድሕሪኡ ሽርካ ተጎራባታይ ክደልዩልካ እዮ ንዓኻ።
ቐረባት ን LGBTIQ* ስደተኛታት

ናይ ደገፍ ኣቕርቦት ን LGBTIQ* ስደተኛታት ዝህቡ መደባት ኣልዉ፣ ከም፦

  • Queeramnesty;- ሕጂ እቲ ርክባት ብኦንላይን ኣብ ካላይ ሓሙስ ናይ ሓዲሽ ወርሒ ስዓት 7 ድቐ ፣ በጃኻ ነቲ ናይ ምርኻብ ቅጥዒ ብምጥቃም ተመዝገብ፦ https://www.queeramnesty.hamburg/kontakt/
ናይ እንቛ ብድሓን መጻእካ ድራር፦ ነበርቲ ሃምበርግ ን ናይ እንቛ ብድሓን መጻእካ ድራር ይዕድሙካ እዮም!

ብዙሓት ኣብ ሃምበርግ ዝነብሩ ሰባት ን ፈለስቲን ስደተኛታትን ን ናይ እንቛ ብድሓን መጻእካ ድራር ኣብ ገዝኦም ይዕድምዎም እዮም እዚ ካብ ሃምበርስ ዝኾኑ ሰባት ትራኸበሉ መንገዲ ኮይኑ ቁሩብ ጀርመንኛ ትዛረብን ዘክፈለሉ መግቢ ምስኦም ኮይንካ ተስተማቕረሉን እዩ።

ብኸመይ ናብ ናይ እንቛዕ ብድሓን መጻእካ ድራር ይዕደም?

  1. ኣብዚ ዝቕጽል መርበብ ሓበሬታ ተመዝገብ፦ https://welcome-dinner.de/guest/?lang=en
  2. እቲ “ናይ እንቛ ብድሓን መጻእካ ድራርr” ጋንታ ድአዊሎም ዝእንግዱኻ መን ምዃኖም ይነግሩኻ። ናይ ዓዳሚኻ ቴሌፎን ቁጽሪ ትውሃብ።
  3. ብድሕሪኡ ምስ ዓዳሚኻ ኮይንካ ናይ እንቛ ብድሓን መጻእካ ድራርካ ምዓልቲ ትፈሊ።

 ምእንታን ንዓዳሚኻ ክትርድኦ ቁሩብ ጀርመንኛ ወይ እንግሊዝኛ ክትዛረብ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ።  ኢንተርኔት፦www.welcome-dinner.de

ደገፍ ንስንክልና ዘለዎም ስደተኛታት

ን ስንክልና ዘለዎም ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ንባዕሎም ዝረድኡ ጉጅለታት ኣልዉ። ኣብኡ ምስ ካልኦት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ትራኸብ፦

  • Lebenshilfe Hamburg, Stresemannstraße 163, info@lhhh.de, + 49 40 68943311, lhhh.deብዙሓት ናይ ነብሰ ምሕታል ጉጅለታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣይ እከቡን ኣልዎ። እዚ ክቕየር ከሎ ኣብቲ መርበብ ግጽ ን ቖጸራታት ክግለጽ እዩ (ብጀርመንኛ ጥራሕ ዝርከብ)፦ https://termine.lhhh.de/ምስ ቤተሰብካ ወይ ደገፍትኻ እንኮላይ ሰራሕተኛታት Lebenshilfe ትራኸበሉን ንመጻኢ ንድፊ ትውጻሉን መደብ ብኦን ላይን ኣሎ፦https://lhhh.de/2021/03/03/getestet-digitale-zukunfts-planung/ , ኣድራሻ፦ zukunft@lhhh.de, +49 40 68943314
  • Leben mit Behinderung in Hamburg, Südring 36, መደብ We are family (ኰስኾሳ ን ስደተኛታት ቤተሰብ ስንክልና ዛለዎ ኣባል ስድራ )፣ በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ wearefamily@lmbhh.de, https://www.lmbhh.de/angebote/projekte/we-are-family/
  • ተወሰኽቲ ናይ ነብሰ ምሕያል ጉጅለታት ኣብዚ ትረኽቦም፦ https://www.kiss-hh.de/

ብናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝተመስረተን ብፍላይ ን ኣእምሮኣዊ ስንክልና ወይ’ኻ ዝተፈላለየ ስንክልናታት ዘለዎም ዝሓቑፍ ናይ ስፖርት ክበብውን ኣሎ፦ Phoenix Sport e.V., info@phoenix-sport-hamburg.de, + 49 40 28052822, phoenix-sport-hamburg.de

ናብ ሓደ መደብ ተሓወስ ወይ ባዕልኻ ሓደ ጀምር!

ናብ ሓደ መደብ ተሓዊስካ ንማሕበረሰብ ክትድግፍን ብሓንሳብ ንኻልኦት ሰባት ክትሕግዝ ትደሊ ዶ?

ኣብዚ ብዙሕ ናይ ፍቓደኛ መደባት ክትረክብ ትኽእል፦

ዝጥዕም መደብ ን ሓደ ኣርእስቲ ወይ ጉዳይ እንድሕር ዘይለ፣ ናይ ባዕልኻ መደብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።I ምናልባት ኣብ ህውትካ ዘፈታሕካዮ ሽግር ይህሉ፣ ስለዚ ን ኻልኦት ሰባት ኣብ ምፍታሕ እቲ ሽግር ክትተሓባበሮም ትኽእል። ውጥን መደብ We.Inform ን ስደተኛታት ብ ሓደ ስደተኛ፣ ናቱን ናይ ስድራ ቤቱን ሓበሬታ ብ ምእካብ፣ ዝቆመ እዩ።

መደብ ምጅማር እንድሕር ደሊኻ፣ IParitätische Wohlfahrtsverband ኣብ Kompetenzzentrum Migration (Adenauerallee 10) ክተሓባበር ይኽእል ይኾውን ኢዩ፦

  • ሓፈሻዊ ምኽሪ ብዛዕባ መደብን ምወላን፦ Tamara Al-Keilani, PARITÄTISCHES Kompetenzzentrum Migration, Adenauerallee 10, al-keilani@paritaet-hamburg.de, + 49 15751136472
  • ምኽሪ ምወላ ክበብ፦ Claudia Klein, PARITÄTISCHES Kompetenzzentrum Migration, Adenauerallee 10, klein@paritaet-hamburg.de, +49 15730618718

ብተወሳኺ፣ Bürgerstiftung Hamburg ንመደባት ብገንዘብ ንምድጋፍ ኣቕርቦት ይህብ፣ ከምኡውን ኣብ መመልከቲ ክሕግዘካ ይኽእል፦ yuliya.grechukhina@buergerstiftung-hamburg.de (ቴሌፎን ቁጽርኻ ምእንታን ክረኽቡኻ እንተ ትህቦም ጽቡቕ ነይሩ), + 49 40 848896960, https://www.buergerstiftung-hamburg.de/projektfoerderung/fonds_migrantisches_engagement.

ናይ መወዳእታ እዋናዊ: 12.01.2022