እዋናዊ ሕሳብካ

ኣብ ጀርመን ናይ ባንክ ሒሳብ ክህልወካ ግድነታዊ እዩ! ልሙድ ሕሳብ “እዋናዊ ሕሳብ (Girokonto)”ይበሃል። በዚ መገዲ ሰባት ገንዘብ ከመሓላልፉልካ ይኽእሉ – ን ኣብነት ኣስራሒኻ – ን ኣብነት ንስኻውን ዕዳኻ ክትከፍልን ገንዘብ ን ኣእሩኽትኻን ስድራኻን ክትሰደሎም ትኽእል። ካብ ናይ ገንዘብ ማሺናት ክተውጽእ’ውን ትኽእል። ባንክኻ “debit card (EC-Karte)” ከውጻልካ እዩ ነዚ ንኽትገብር። ኣብ ብዙሕ ድኳናትን ቤት ምግቢን ብ debit card(EC-Karte) ክትከፍል ትኽእል።

መበገሲ ሕሳብ (Basiskonto) ብፍላይ ቀሊል ዓይነት ናይ እዋናዊ ሕሳብ (Girokonto) እዩ። ኩሉ ሰብ መበገሲ ሕሳብ ክህልዎ መሰል ኣልዎ። ኩሉ ዓይነት ልሙድ ዕማመ ናይ እዋናዊ ሕሳብ (Girokonto) ኣቕርቦት ይህበካን ብፍላይ ኸኣ ንስደተኛታት ይጥዕም እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰረታዊ ሕሳብ (Basiskonto) ብ7 ቋንቋታት ኣብዚ ይርከብ፦
http://www.hamburg.de/kundenschutz/7794042/recht-auf-ein-konto/

እዋናዊ ሕሳብ (Girokonto) ወይ መበገሲ ሕሳብ (Basiskonto) ኣብ Hamburger Sparkasse (Haspa), the Hamburger Volksbank or Commerzbank ክትኸፍት ትኽእል ኢኻ። ቈልዕ፣ ንኣሽቱ ተመሃሮ፣ ተመሃሮን ሰልጠንቲ /ጀማራይ ዝበዝሐ ግዜ ብቑዓት እዮም ን ናይ ነጻ ሕሳብ ክህልዎም። ኣብዝኾነ ጉዳይ ናይ ሕሳብ ምሕደራ ክፍሊት ኣሎ ዝኽፈል።

ገለ ባንክታት ን ኣብነት Consorsbank, the Deutsche Kreditbank (DKB) እን Oldenburgische Landesbank፣ ናይ ኦንላይን መበገሲ ሕሳብ ኣቕርቦት ይህቡ (Basiskonto) ንዝኾነ ሰብ።

ናይ ካልኦት ባንክታት ናይ ስምምዕ ኣቕርቦታት ኣብዚ ክተወዳድር ትኽእል፦ https://www.test.de/Basiskonten-im-Test-4936098-0/ (መበገሲ ሕሳብ (Basiskonto)) እን https://girokonto.focus.de/ (እዋናዊ ሕሳብ (Girokonto)).

ምኽፋት ሕሳብ

እዋናዊ ሕሳብ (Girokonto) ንምኽፋት መጀመሪያ ኣብቲ ዝመረጽካዮ ባንክ ቆጸራ ብቴሌፎን ወይ ብ ኣካል ብምኻድ ግበር። ሓድሽ ሕሳብ ንምኽፋት እንታይ ሰነዳት ክተምጽእ ከም ዘለካ ሕተት። ኣብቲ ቆጸራ ከምልምዲ መረጋገጺ መንነትካ ኣቕርብ ክትብሃል ኢኻ – ን ኣብነት መንነት ወይ ፓስፖርት።

መበገሲ ሕሳብ (Basiskonto) ክትኸፍት ደሊኻ ናይ ነባርነት ሰነድ (ን ኣብነት መረጋገጺ መምጽኢ (Ankunftsnachweis)፣ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነኻ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung) ወይ ድማ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)) መንነትካ ዘረጋግጽ እኹል እዩ። ጀርመንኛን እንግሊዝኛ ዘይትዛረብ እንተ ኾይንካ፣ በጃኻ ዘስተርጉመልካ ሰብ ሒዝካ ምጻእ

ዝበዝሐ ግዜ ሕሳብ ብኦንላይን ምኽፋት ይከኣል እዩ።

ገንዘብ ምውጻእ

እንድሕር ናይ እዋናዊ ሕሳብ (Girokonto) ከፊትካን እቲ ባንክ’ወን ደቢት ካርድ (EC-Karte) ምስ ናይ PIN ቁጽሪ ሰዲዱልካ፣ ገንዘብ ካብ ናይ ገንዘብ ማቺን ክተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከባቢኻ ናይ ገንዘብ ማቺን ከትረክብ ኣብዚ ትኽእል፦

www.dasoertliche.de/geldautomaten/

ኩልግዜ ገንዘብ ካብ ናትካ ባንክ ናይ ገንዘብ ማቺን ክተውጽእ ኩልግዜ ፈትን! እንተ ዘይኮይኑ ዝከበረ ክፍሊታት ክህልወካ እዩ። ኣብ ብዙሓት ናይ ገንዘብ ማቺናት ቋንቋ ምቕያር’ወን ይከኣል እዩ።

ካርድኻ ኣብቲ ናይ ካርድ መእተዊ ኣእትዎ፣ ብድሕሪኡ ናይ PIN ቁጽሪኻን እቲ ትደልዩ ዓቐን ገንዘብ ምረጽ። በጃኻ ኩልግዜ ናትካ PIN ዝኾነ ካልእ ሰብ ከም ዘይፈልጦ ኣረጋግጽ! ብሓፈሻ እቲ ካርድኻ መጀመሪያ ምስ ተመለሰልካ እቲ ገንዘብካ ድማ ድሒሩ ይወጽእ።

እንድሕር ተጋጊኻ ኣይትረበሽ። ዝኾነ ይኹን – እንድሕር እቲ ናይ ገንዘብ ማቺን ገንዘብ ዘይውጺኡ ወይ እቲ ገንዘብካ ኣብቲ ማቺን ገዲፍካዮ – በጃኻ ብቕልጡፍ እቲ ዘጋጠመ ነቲ ባንክ ኣመልክት። ኣብ ዝበዝሕ እዋናት ነቲ ጸገም ኣብቲ ባንክ ክፍታሕ ይከኣልን ጌና’ ገንዘብካ’ውን ትቕበል።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022