ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ብዙሓት ንጥፈታት ንግዜኡ ተኣልዩሎ

ፓርክታት

ብዙሓት ዝወቀቡ ፓርክታት ኣብ ሃምበርግ ኣልዉ፦

  • Stadtpark (U3 Saarlandstraße station or U3 Borgweg station): ኩልግዜ ክፉት፣ ባርቢክዩ ኣብ ናይ BBQ ዞናት ይፍቀድ። ኣብ Stadtparksee ክትሕምብስ ትኽእል።
  • Planten un Blomen (U1 Stephansplatz station, S Dammtor station): ካብ ጥቅምቲ ክሳብ መጋቢት ካብ 7 ቅ.ቐ – 8 ድ.ቐ፣ ኣብ ሚያዚያ 7 ቅ.ቐ – 10 ድ.ቐ ን ካብ ግምቦት ክሳብ መስከረም ካብ 7 ቅ.ቐ – 11 ድ.ቐ. ስነ-ዕጸዋት፣ ዚዘውር መዓዘቢያ፣ ናይ ቈልዑ መጻወቲን ናይ መንሻትሒ ፓርክ ናጻ እዮም። ናጻ ናይ ማይን ብርሃንን ምርኢት ስዓት 11 ድ.ቐ (መስከረም ካብ 9 ድ.ቐ) ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ንእሽተይ ሜዳ ናይ ጎልፍን ናይ ሜዳ በረድን ኣብ ክረምቲ ንምቅይያራት ዝተቓልዐ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://plantenunblomen.hamburg.de/service/3834054/oeffnungszeiten-artikel/.
  • Alsterwiesen (M15 or 109 bus, Alsterchaussee bus stop): ባርቢኪው ይፍቀድ እዩ፡ ኣብ ሓጋይ ተቐዛፊት ጀልባን ፔዳሎታት ክትካረ ትኽእል።
  • Elbstrand (112 ኣውቶቡሳት ወይ ኸኣ እቶም 62 መሰጋገሪ ጀላቡ ናብ Övelgönne ጣቢያ)፦ ዓመት ሙሉእ ክፉት ዝኾነ ንእሽቶ ገምገም ባሕሪ ጥቓ’ቲ ወደብ።
  • Wilhelmsburger Inselpark (S Bahn station Wilhelmsburg): ዓመት ሙሉእ ክፉት ዝኾነ። ብዙሓት ናይ መጻወቲ ሜዳታትን ራህያታትን፣ ናጻ ናይ መንሻትሒ ፓርክታትን ብዝተንጣለሉ ብእታታት ምስጋርን (ክፍሊት ዘድልዮ እዩ)
  • Altonaer Volkspark (M3 bus to Trabrennbahn Bahrenfeld or M2 bus to Rugenbarg Nord): ናይ ሃምበርግ ዝዓበይ ህዝባዊ ፓርክ ልክዕ ጎኒ Volksparkstadium ን Schnackenburgallee.
ሙዝየማት

ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ቤቴ መዘክር መእተዊ ቲኬት ዝኽፈሎም ኣለዉ፦

  • Archäologisches Museum Hamburg (S Bahn stop Harburg Rathaus)
  • Museum für Kunst und Gewerbe (U/S Bahn station Hauptbahnhof)
  • Miniaturwunderland Speicherstadt (U3 Baumwall station)
  • Museum für Arbeit (U/S Barmbek station)
  • Museum für Hamburgische Geschichte (112 bus Museum für Hamburgische Geschichte station)
  • Bucerius Kunst Forum (U/S Jungfernstieg station)
  • Deichtorhallen (U Steinstraße station).
ምሸት ወጺእካ ምዝንጋዕ

ቡዙሓት ባራት ኣብ Sternschanze (U/S Sternschanze station) ኣለዉ።  ብ ተወሳኺ ኣብ መንጎ S Reeperbahnን U3 St. Pauli stationsን Kiez ኣሎ።

ብዙሓት ናይ ጓይላ ከበብ ዝሓቆፈ ( ብ ገንዘብ) ባህላዊ ዞን ኣመንዝራታት ውን ኣሎ።

ጋብላ መሐንበሲ

ህዝባዊ ጋብላ መሐንበሲ ኣብ ሃምበርግ ኣሎ። ብሓፈሻ ደቂ-ኣንስትዮ ይኹን ደቂ-ተባዕትዮ ክትቀሙሉ ይኽእሉ። ይኹን እምበር ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራሕ ጋብላ መሐንበሲን ሳውናን ኣሎ።

  • Bäderland Inselpark (Kurt-Emmerich-Platz 12, Wilhelmsburg S Bahn station):
    ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ፣ 10 ቅ.ቐ – 8 ድ.ቐ፣ ዓርቢ 8፡30 ቅ.ቐ – 8 ድ.ቐ፣ ቀዳመ ሰንበትን፣ 10 ቅ.ቐ – 6 ድ.ቐ።
  • Bäderland St. Pauli (Budapester Straße 29, U3 St. Pauli stop):
    ካብ ሰሉስ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 2 ቅ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ ካብ 8፡30 Friday 8.30 ቅ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ ቀዳም ካብ ሰዓት 2 ቅ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ።
    ናይ ኣንስትን ኣዋልድን ጋብላ መሕንበሲ፦ ቀዳም ሰዓት 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ
  • Holthusenbad (Goernestraße 21, U Kellinghusenstraße station):
    ኣብ መንጉ ግንቦትን ነሓሰን፦ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ካብ 9ቅ.ቐ – 10 ድ.ቐ፣ ካብ መስከረም ክሳብ ምያዝያ፦ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ካብ 9ቅ.ቐ – 11 ድ.ቐ፣ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ሳውና ሰኑይን ሮቡዕን
  • Alster-Schwimmhalle (Ifflandstraße 21, U3 Lübecker Straße stop):
    ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 6.30 ቅቐ – 11 ድቐ፣ ቀዳምን ሰምበትን 8 ቅቐ – 10 ድቐ፣ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ሳውና፦ ሰንበት

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እቶም 26 ህዝባዊ ጋብላ መሐንበሲታት: www.baederland.de

ዋጋታት፦
ን 1 ሰዓትን ፈረቓን ምሕንባስ ብገምጋም €6 ንእኹል ሰብ / €3 ንቈልዑ።
ናይ ሶና ቲኬት ብገምጋም €16።

Bücherhallen (ቤትመጽሓፍቲታት)

ኣብ Bücherhallen (ቤትመጽሓፍቲታት) መጽሓፍቲ፣ ሲዲታት፣ ዲቪዲታት፣ ኢ-ቡካት ብናጻ ክትጥቀመሎም፣ መጽሓፍቲን ካልእ መድያ ክትልቃሕ ትኽእል። እዚ ክኸውን ናቲ Bücherhalle ሰራሕተኛ ናይ ዓሚል ካርድ ከውጻልካ ክትሓቶ ኣለካ። ብኡ ነቲ ኣብ ኩሉ Hamburg Bücherhallen ዘሎ Wi-Fi ክትጥቀመሉ ትኽእል። ብናይ ሓደ መዓልቲ ቲኬት 3ግዜ ክትልቓሕ ትኽእል። እዚ 3 € የኽፍል። ዓመታዊ ቲኬት ንእኹል ሰብ ኣብ ሞንጎ 15 € ን 45 € የኽፍል፡ ዓመታዊ ቲኬት ን ቈልዑ ኣብ ሞንጎ 3 € ን 8 € የኽፍል።

ከም ዑቕባ ሓታቲ (Leistungen als Asylbewerber) ጥቕሚታት ከምትቕበል መርትዖ ካብ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, job centre) እንተ ኣምጺእካ ወይ ድማ ካብ Grundsicherungsamt (Fachamt für Grundsicherung und Soziales, ኣብ ኣድላይነት-ዝተመርኮሰ መወሰኽታ ጥሮታ ኣብ እርጋንን፣ ትሑት ዓቕሚ ናይ ኣታዊ ኣብ ዘጋጥመሉን ንማሕበራዊ ጉዳያትን) እቲ ናይ ዓሚል ካርድ ንቈልዑ ብናጻ ኮይኑ ንእኹል ሰብ ድማ 5 € ጥራሕ ንናይ መጀመርታ 6 ኣዋርሕ ድሒሩ 20 € ኣብ ዓመት ይኸፍሉ።

እቲ ናይ ኦንላይን ስሩዕ ዝርዝር ናይ Bücherhallen ክትጥቀምውን ትኽእል፦ https://www.buecherhallen.de/ebuecherhalle.html. ክተእትዎ ኣልካ ነቲ ቁጽሪ ናይ ዓሚል ካርድኻን ምስቲ ካርድ ብሓንሳብ ዝተቐበልካዮ ቃል-ምስጢርን።

እንድሕር መጽሓፍ ወይ ካልእ ነገር ተለቂሕካ ክሳብ ልክዕ መዓልቲ ክትመልሶ ኣለካ። ኣብ ግዜ እንድሕር ዘይመሊስካዮ ና ዝዶንገኻሉ ክፍሊት (Versäumnisgebühren) ክትከፍል ኢኻ። ኣብ ሓጺር ግዜ ብጣዕሚ ኾቡር ክኸውን ይኽእል።

ብዙይ ሓበሬታ ብዛዕባ ቦታታትዋጋታት፣ ናይ መኽፈቲ ሰዓታትን ፍጻመታት ኣብዚ ይርከብ.

ስፖርት

ልዕሊ 800 ክበባት ኣልዉ ኣን ሃምበርግ። ኣብ ናይ ውልቂ ወይ ድማ ኣብ ናይ ጋንታ ስፖርት ክትሳተፍ የኽእሉኻ። ኣብ www.willkommen-im-sport.de ሓጺር መግለጺ ናይቲ ስፖርት ኣቕርቦት ን ስደተኛታት ኣሎ። ፍሉይ ኣቕርቦት ንስደተኛታት ዘጠቓልሎ፦

  • VolleyWelcome: ተመዝገብ ኣብ Hamburg@VolleyWelcome.de ናይ ቮሊቦል ጋንታ ኣብ ጥቓኻ ንምርካብ።
  • Refugees@ETV – ETV-Hamburg: ETV, in Eimsbüttel, ስደተኛታት ስፖርት ብነጻ ንኸገብሩ እቕረቦት ዕድል ይህብ።
    ኣማራጺ ን እኹላት ሰባት፦ ካራቴ፣ መኸተ ሴፍ፣ ተኒስ ጠረቤዛ፣ ምሕንባስ፣ ኩዕሶ እግሪ፣ ኩዕሶ ስክዒት፣ ኩዕሶ ኢድ፣ ቮሊ ቦል፣ ባይታ ኩዕሶ፣ ኣካላዊ ድልዳለን ጥዕናን፣ ዙምባ።
    ኣማራጺ ንቈልዑ፦ ናይ ኩዕሶ ጸወታታት፣ መኸተ ሴፍ፣ ተኒስ ጠረቤዛ፣ ባሌ፣ ጁዶ፣ ናይ ወላዲ-ውሉድ ጀምናስቲክስን ናይ ቈልዓ ጂምናስቲክስ።
    ንተወሳኺ ሓበሬታ፦ www.etv-hamburg.de
  • ቈልዑ ኣብ die Clubs:  ናይዚ ካብ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራ ዝመጹ ቈልዑ ኣባልነት ናይ ስፖርት ክበብ ክረኽቡ እዚ ፕሮግራም ምወላ ይገብር። ኣብዚ ወፍሪ 170 ዝኾኑ ናይ ስፖርት ክበባት ይሳተፉ። ዝርዝር ናይ ኣድራሻ ናዞም ክብባትን ብዛዕብኦም ሓበሬታ ብጀርመንኝእ፣ እንግሊዝኛ፣ ዓረብን፣ ፋርሲ ኣብዚ ክረከብ ይከኣል፦ https://www.hamburger-sportjugend.de/foerderungen/foerdermoeglichkeiten/kids-in-die-clubs-mitgliedschaften
  • ብ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝተመስረተን ብፍላይ ን ኣእምሮኣዊ ስንክልና ወይ’ኻ ዝተፈላለየ ስንክልናታት ዘለዎም ዝሓቑፍ ናይ ስፖርት ክበብ፦
    Phoenix Sport e.V., info@phoenix-sport-hamburg.de , + 49 40 28052822, www.phoenix-sport-hamburg.de
ተወሰኽቲ ናይ ናጻ ንጥፈታት ኣብ ሃምበርግ፦
  • Hamburg kostenlos: ብዙሕ ንእሽቶ ምኽሪታት ብዛዕባ ምስቲ ኣርእስቲ ዝዛመዱ ዜዘናግዑ ሰሕእብቲ ንጥፈታት ኣልዉ፦ ናይ ሃምበርግ ተመኩሮ ርኸብ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ስፖርትታትን፣ ባህሊን ትምህርቲን። ተወሳኪ ሓበሬታ፦ www.hamburg.de/kostenlos

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022