BAMF ምውሃድ ከይዲ እንታይ እዩ (Integrationskurs)

ምውህሃድ ትምህርቲታት (Integrationskurse) ብፍላይ ፍልሰት ንዝገበሩ ሰባት ዝተነድፈ እዩ።

ኣብዚ መዓልታዊ ትጥቀመሉ ቛንቛ ጀርመን ክትመሃር ትኽእል። ኣገዳሲ ዝኾኑውን ሓበሬታታት ብዛዕባ ጀርመን ትምሃር። እቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክልተ ክፋላት እዩ ዠጠቓልል፦ ናይ ቛንቛን ትምህርቲን ናይ ምእዘና ትምህርቲ (Orientierungskurs)።

ኣብ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ብጀርመንኛ ብኸመይ ደብዳበ ወይ ኢሜይል ከም ትፅሕፍ  ወይ ንስራሕ ብኸመይ ከም እተመልክት ዝኣመሰሉ ክእለታት ክትመሃር ኢኻ፡፡ እዚ መብርሂ ትምህርቲ ከም ናይ ጀርመን ታሪኽ፣ ባህልን ስርዓት ሕግን ከም ናይ ሃይማኖት ናፅነት፣ ምክእኣልን ማዕረ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝኣመሰሉ እሴታት ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ይሽፍን፡፡

ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ (ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ ፋርሲ፡ ዩክሬንኛ፡ ሩስያኛ፡ ትግርኛ)፦ https://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/DE/Integration/Integrationskurse/Kursteilnehmer/Merkblaetter/630-009_merkblatt-zum-antrag-auf-zulassung.html?nn=284204.

ነዚ ምውሀድ ትምህርቲ Integrationskurs) እንታይ ዓይነት መለክዕታት ኣለዎን ኣየኖት ናይ ምኽሪ ተኽእሎታት ኣለዉ?

ናይ መንበሪ ፈቓድ እንተድኣ ኣለካ (Aufenthaltserlaubnis) ወይ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ምላሽ ክሳዕ ዝረክብን እቲ ምላሽ ኣወንታዊ ክኸውን ስለዝኽእል ንክትፀንሕ ፈቓድ እንተድኣ ኣለካ (Aufenthaltsgestattung mit guter Bleibeperspektive) መብዛሕትኡ ግዘ ኣብዚ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ መሰል ኣለካ እዩ (Integrationskurs)፡፡

Iዝኾነ ዓይነት ሕቶ እንድሕር ሃልዩኩም ን BAMF (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge, ናይ ዝፈልሱን ስደተኝታትን ፌደራላዊ ቢሮ) ክትሓቱ ትኽእሉ። እቲ BAMF ናይ ምወህሃድ ትምህርቲታት የዋሃህድ (Integrationskurse). +49 30 18151111 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 9 ቅ.ቐ. ክሳብ 4 ድ.ቐ ፣ ናይ ርክብ ኣገባብ፦ https://www.bamf.de/DE/Service/Kontakt/kontakt-formular-node.html. ጠውቕ“Hotline: Arbeiten und Leben in Deutschland” ኣብቲ ዛዕባ“Postfach” (ፖስትፋች).

ዋላኳ ኣብቲ ምውሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ናይ ምስታፍ መሰል እንተዘይሃለወካ ሕጂ እውን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡፡ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ድማ ን BAMF ሕተት፡፡ ከም መማረፂ ኣብ ካልኦት ናይ ጀርመን ትምህርትታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡፡ ንኣብነት ኣብ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs)ክትሳተፍ ከይፍቀደልካ ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ዑቕባ ንውሳነ ይጽበ ኣብ ዝሃልወሉ ፍቓድ ናይ ምጽናሕ እንተሃልዩካን (Aufenthaltsgestattung) ወይ ድማ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)ን መንግስቲ ጀርመን “ውሕሳት መበቆል ሃገራት” (sicherer Herkunftsstaat) ኢሉ ዝሰመየን ሃገራት ዝመጻኻ እንተዘይኾንካ እዩ። ሃገረ ኣልባኒያ፣ ቦዝኒያ-ሔርዞጎቪና፣ ጋና፣ ኮሶቮ፣ ማሴዶኒያ፣ ሞንቴኔግሮ፣ ሴኔጋልን፣ ሰርቢያን ውሑሳት መበቆላዊ ዓዲታት (sichere Herkunftsstaaten) እየን ዝሕሰባ ኣብ ትሕቲ ናይ ጀርመን ናይ ዑቕባ ሕጊ። እቲ Flüchtlingszentrum ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጀርመን ትምህርትታት ምኽሪ ክህብ ይኽእል፦ Adenauerallee 10, በጃኹም ቆጸራ ሓዙ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790 (ሰኑይ ከምኡውን ዓርቢ፦ ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ, ሰሉስ ከምኡውን ሓሙስ፦ ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ,  ን፣ 3 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ናይ ድ.ቐ),  https://www.fz-hh.de/de/projekte/deutschkurse.php.

እንታይ ዓይነት ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurse) ኣሎ?
(Integrationskurse; ሓፈሻዊን ፍሉይ ትምህርትታትን)

እቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ 600 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ሃልይዎ ተወሰኽቲ 100 ናይ ምእዘና ትምህርቲታት (Orientierungskurs) (ስለዚ ብኣጠቓላሊ 700 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት) ዘጠቓላለ እዩ። ንቡር ናይ ሙሉእ መዓልቲ ትምህርቲ 25 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ኣልዎ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት።

ተወሰኽቲ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ዘለዎም ትምህርትታት ኣለዉ ብዝሕ ዝበለ ሰዓታት እንተድልዩካ፣ ብፍላይ ድማ ብቐሊሉ ትምህርቲ ትሕዝ እንተኾይንካ ሓጸርቲ ትምህርትታትውን ኣለው። ፍሉይ ትምህርትታት ንደኪኣንስትዮ፣ ጎርዞታት፣ ወለድታት፣ ዘይተማህሩ ሰባት፣ ናይ ላቲን ፊደላት ተጠቂሞም ዘይፈልጡ ሰባት፣ ኣሎ።

ቅድሚቲ ትምህርቲ ምጅማሩ ናጻ ናይ ምደባ ፈተና ኣለካ። ውጽኢት ብዘየገድስ ኣየኖት ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክትወስድ ከምትደሊ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል ኢኻ።

ብኸመይ ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክረክብ ይኽእል ?

ብዙሓት ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurse) ኣቐርብቲ ኣልዉ። ኣየናይ ትምህርቲ ክትወስድ ከምትደሊ ምረጽ።

ናብ Ausländerbehörde (ሰበስልጣን ናይ ወጻኢ ዜጋታት) ወይ ድማ ናብ “Migrationsdienst” (ናይ ፍልሰት ኣገልግሎት) ክትኸይድ ትኽእል ኢኻ። እቲ Migrationsdienst ማእከል ምኽሪ ናይ ፍልሰት ዝገበሩ ሰባት እዩ። ኣብኡ ዘለዉ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ ቛንቛ ይዛረቡ እዮም። ትደልዮ ትምህርትን ናይ ገንዘብ ደገፍ ነቲ ትምህርቲ መኸፈሊ ክትረክብ ይሕግዙኻ። ኣብዚ ዝርዝር ናይ ኩሎም Migrationsdienst ማእከላት ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/migrationsberatung/.

ነቲ ኣብ Weiterbildungs-Telefon (ንዝበለጸ ትምህርቲ ናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት) ዘሎ ኣባል ክትድውል እውን ትኸእል ኢኻ፦ +49 40 28084666 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ፦ ካብ ሰዓት 10 ቅ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ ሰዓት 9 ቅ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ

ኣብዚ ሕጂ ግዜ እዚ ዝውሃቡ ትምህርቲታት ኣብዚ ትረኽቦም፦ https://bamf-navi.bamf.de/de/Themen/Integrationskurse/, deutsch.kursportal.info/g193.

ናይ ብቑዕነት መረጋገፂ እንታይ እዩ (Berechtigungsschein) ንምንታይ ድማ የድልየኒ?

ናይ ብቅዓት ምስክር ወረቐት (Berechtigungsschein) የድልየካ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ናይ ይነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis)ካ ብሓንሳብ ትረኸቦ።. እንተ ዘይኮይኑ ግን ናብ እቲ BAMF ኣብ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ክትሳተፍ መመልከቲ ክተእቱ ኣለካ። ኣቕረብቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲታት (Integrationskurse) ብዛዕባዚ ከምልሙድ ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ መሊእካ ናብ ሓምበርግ ቅርንጫፍ (Außenstelle) ናይ BAMF ክትሰዶ ኣለካ፦ https://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/DE/Integration/Integrationskurse/Kursteilnehmer/AntraegeAlle/630-120_antrag-zulassung-integrationskurs-ausl_pdf.html.
ኣድራሽኡ “Concordiahaus B, Sachsenstraße 12+14, 20097 Hamburg” እዩ።

ናይ ብቅዓት ምስክር ወረቐት (Berechtigungsschein) ድሕሪ ሓደ ዓመት ይወድቕ። ከምኡ እንተኾይኑ፣ እንድሕር ኣብ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲታት (Integrationskurse) ክትሳተፍ ደሊኻ ነዚ ቅጥዒ ብምምላእ መመልከቲ ክትተእቱ ኣለካ፦ https://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/DE/Integration/Integrationskurse/Kursteilnehmer/AntraegeAlle/630-120_antrag-zulassung-integrationskurs-ausl_pdf.html.
ኣድራሽኡ “Concordiahaus B, Sachsenstraße 12+14, 20097 Hamburg” እዩ።

ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ወፃኢ ክንደይ እዩን ፋይናንሳዊ ደገፍ ኣለዎዶ?

ከምልሙድ እቲ ትምህርቲ €2.29 ንስዓት እዩ ዋጉኡ። ብሙሉእ ውይ ብክፋል ሕድገት ናይ ዋጋታት ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ዝከውን ንኣብነት ናይ መንግስቲ ደገፍ እንተተቐቢልካ ከም ዑቕባ ሓታቲ መጠን (Leistungen als Asylbewerber:in) ወይ ድማ ደገፍ ሽቕለት-ኣልቦነት II (Arbeitslosengeld II) ካብ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, ማእከል ስራሕ) ትረክብ እንተኾይንካ ወይ ድማ ሕድገት ዝግበረልካ ውልቃዊ ወይ ቁጠባዊ ምኽኒያት እንተሃልዩ እዩ።

ነዚ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ መሊእካ ናብ ሓምበርግ ቅርንጫፍ(Außenstelle) ናይ BAMF ክትሰዶ ኣለካ፦ BAMF 630-027_antrag-kostenbefreiung.
ኣድራሽኡ “Concordiahaus B, Sachsenstraße 12+14, 20097 Hamburg” እዩ። 
እቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ነቲ መመልከቲ ኣእትው፡፡

ናይ ኣበርክቶ ክፍሊት እንተድኣ ከፊልካ ናይቲ ወፃኢ 50 ሚእታዊ ክምለሰልካ ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ከጠናቕቕ ኣለዎ ( ‘Zertifikat Integrationskurs’ ተቐቢሉ )፡፡ እዚ መረጋገፂ ፈቓድ ምስ በፅሓካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክተእትው ትኽእል ኢኻ፡፡

ነዚ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ መሊእካ ናብ ሓምበርግ ቅርንጫፍ(Außenstelle) ናይ BAMF ክትሰዶ ኣለካ፦ BAMF 630-027_antrag-kostenbefreiung.
ኣድራሽኡ “Concordiahaus B, Sachsenstraße 12+14, 20097 Hamburg” እዩ።

ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ምስ ወዳእኹ እንታይ ዓይነት መረጋገፂ ይወሃበኒ?

ነቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ብክልተ ፈተናታት ኢኻ ትውድኦ፦ እቲ “Leben in Deutschland” (ሂወት ኣብ ጀርመን) ፈተና ኣብ መወዳእታ ናይ ምእዘና ትምህርቲን (Orientierungskurs) ናይ “Deutsch-Test für Zuwanderer” (ጀርመን ፈተና ንፈላሶት)ን ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምስተወድአ ትፍተኖም እዮም። እቲ ፈተና ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ።

ነቲ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ትሓልፎ ነቲ ናይ ምእዘና ትምህርቲ (Orientierungskurs) ምስ ሓለፍካን ናይ A2 ወይ B1 ደረጃ ኣብቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምስበጻሕካን እዩ።

ኣብ A2 ወይ B1 ቋንቋ ደረጃ እንተዘይበጺሕካ ትሕቲ ፍሉይ ኩነታት 300 ናት ትምህርቲ ሰዓታት ትደግም (https://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/DE/Integration/Integrationskurse/Kursteilnehmer/AntraegeAlle/630-012_antrag-wiederholung-aufbau_pdf.html?nn=282388) ወይ ድማ ምስስራሕ ዝዛመድ ናይ ጀርመን ትምህርቲ (Berufssprachkurs) ትወስድ።

ኢርስቶሪንራንግስኩርስ (Erstorientierungskurs, EOK)እንታይ እዩ?

መጀመርታ መምርሒ ትምህርቲ (Erstorientierungskurse, EOK) ምስ ናይ ጀርመን ቋንቋ ንክትላለዩ ይገብር፡፡ እቲ መደብ ድማ ከም ጥዕና፣ ስራሕ፣ ዕዳጋን ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት የካትት፡፡ ብተወሳኺ ደማ ንኣብነት ከም መንግስታዊ ሰበስልጣናት፣ ቤተ መፅሓፍትታት ወይ ዕዳጋ ናብ ዝኣመሰሉ ቦታታት ጉዕዞታት ከይዶም፡፡

እቲ ትምህርቲ ብጀርመንኛ ብዘይኣስተርጎሚ ይወሃብ፡፡

መን ክሳተፍ ይኽእል?

ኣብ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ Integrationskurs) (ክሳዕ ሕጂ) እንተዘይተሳቲፍካ ኣብ ፈለማይ መምርሒ ትምህርቲ (Erstorientierungskurs) ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡፡ እዚ ድማ ንኣብነት ንምውህሃድ ትምህርቲ Integrationskurs ኣብ ትፅበየሉ እዋን ክኸውን ይኽእል፡፡

ኣብ ናይ ውህደት ኮርስ (Integrationskurs)ን ናይ መጀመርታ ናይ ኦሬንቴሽን ኮርስን (Erstorientierungskurs) ኣብ ሓደ እዋን ክትሳተፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን (Schulpflicht) ኣብቲ ትምህርቲ ክሳተፉ ኣይክእሉን እዮም።

EOK ብኸመይ ክምዝገብ ይኽእል?

ብዘይካ ናይ ትምህርቲ ኣቕረብቲ ብቐጥታ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ፡፡ ኣብ ሃምቡርግ ንመጀመርታ ኦሬንቴሽን ኮርሳት (Erstorientierungskurse) ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኮርሳት ኣለዉ። ናይ ኣቕረብቲ ዝርዝርን ዝርዝር ኣድራሽም ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉhttps://bamf-navi.bamf.de/de/Themen/Integrationsprojekte/?coord=566052.5933995&r=20&typ=11&.

ኣብዚ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ሃምቡርግ ዝርከቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ገና ቦታታት ዘለዎም ክትረኽቡ ኢኹም። ኣብ ታሕቲ የማን ናይቲ ገጽ ናብ pdf ሰነድ ዝወስድ ሊንክ ኣሎ: https://www.fz-hh.de/de/projekte/Erstorientierungskurse.php.

ንምዝገባ እንታይ ዓይነት መረዳእታ ከም ዘድልየካ ሕተት፣ ንኣብነት ናይ መንበሪ ፈቓድ ወይ ፓስፖርት፡፡

ወፃኢታት

እቲ ትምህርቲ ብዘይክፍሊት ብናፃ ይቐርብ፡፡

ምዝዛም

ኣብ መወዳእታ እቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ቋንቋ ፈተና የለን፡፡ ገለገለ እዋን ብወለንታ ብናፃ ፈተና ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡፡ ብዛዕባ እዚ ንትምህርቲ ኣቕራቢ ሕተት፡፡

ናይ ተሳትፎ ብናጻ ሰርትፍኬት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፡፡

ናይ ምምኻር ኣገልግሎት

ዝኾነ ዓይነት ሕቶ እንተድኣ ኣለካ ኣብዚ ማዕዳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡

  • Flüchtlingszentrum: Adenauerallee 10, eok@fz-hh.de ወይ Alma Ramirez (+49 40 284 079 148, ramirez@fz-hh.de), Oliwia Masternak (+49 40 284 079 117, masternak@fz-hh.de), ሰኑይ ከምኡውን ዓርቢ: 9 ቅ.ቀ ክሳዕ 1 ቅ.ቀ, 2 ቅ.ቀ ክሳዕ 4 ቅ.ቀ, ሰሉስ ከምኡውን ሓሙስ: 9 ቅ.ቀ ክሳዕ 1 ቅ.ቀ, 2 ቅ.ቀ ክሳዕ 5 ቅ.ቀ, ረቡዕ: 2 ቅ.ቀ ክሳዕ 5 ቅ.ቀ, ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://www.fz-hh.de/de/projekte/Erstorientierungskurse.php  
  • Hamburg Welcome Center: Süderstraße 32b (ሰኑይ, ረቡዕ ከምኡውን Freitag 9 ቅ.ቀ ክሳዕ 12 Uhr, ሰሉስ 9 ቅ.ቀ ክሳዕ 3 ቅ.ቀ, ሓሙስ 10 ቅ.ቀ  ክሳዕ 3 ቅ.ቀ), +49 40 428395555 (ሰኑይ ከምኡውን ሰሉስ 1 ቅ.ቀ ክሳዕ 3 ቅ.ቀ, ሓሙስ 4 ቅ.ቀ ክሳዕ 6 ቅ.ቀ),  info@welcome.hamburg.de . ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://welcome.hamburg.de/hwc/14889014/welcome-desk/.
Berufssprachkurs እንታይ እዩን ብዛዕባ እዚ እንታይ ክፈልጥ ኣለኒ?

ኣብ ናይ ሞያዊ ዓለም መብዛሕትኡ ጊዜ ካብ መዓልታዊ ንምርድዳዕ ትጥቀመሉ ቋንቋ ጀርመን ዝበልጸ ፍልጠት እቲ ቋንቋ የድልየካ። ነዚ ክትረክብ ምስስራሕ ዝዛመድ ናይ ጀርመን ትምህርቲ (Berufssprachkurs) ክትወስድ ኣለካ።

ንምስታፍ ዘድልዩ ነገራት፦

ክትሳተፍ ትኽእል ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) እንተ ወሲድካን ወይ ድማ ኣብ B1, B2 ወይ C1 ናይ ጀርመን ቋንቋ ደረጃ ከምዝኾንካ መርትዖ እንተቕሪብካ እዩ።

ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እንተሃልዩካ ወይድማ እቲ ዑቕባ ንውሳነ ይጽበ ኣብ ዝሃልወሉ ፍቓድ ናይ ምጽናሕ እንተሃልዩካ (Aufenthaltsgestattung)፣ ክትሳተፍውን ይፍቀደልካ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባዚ ን ማእከል ምኽሪ፣ Jobcenter ወይድማ ን BAMF ሕተት። ብተወሳኺ, ንሞያዊ ምኽኒያት ትምህርቲ ምውሳድ ንዓኻ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ምኽኒያታት ን ኣብነት ዝሓዝካዩ ስራሕ፣ ኣብ ምድላይ ስራሕ ወይ ጀማራይነት (Ausbildung) ወይድማ ዲግሪ ክምዘለካ ኣፍልጦ ክትረክብ።

ናይ ትምህርቲ ዓይነታት፦

መሰረታውያን ትምህርትታት ኣብ ዝተፈላልይ ናይ ክብደት ደረጃታት ኣለዉ፦ A2, B1, B2 ን C1። ናይ ቋንቋ ደረጃኻ ክተእምነሉ ኣለካ (ን ኣብነት ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ዝሓለፍካሉ ብምቕራብ።). ናይ ቋንቋ ደረጃኻ B1 ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ኣለዎ።

 ንዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ዓውዲን ናይ ምወህሃድ ትምህርቲ (Integrationskurs) ዝወሰዱ ሰባት ግን ናይ ቋንቋ ፈተና ዘይሓለፉ ፍሉያት ትምህርቲታት ኣለዉ።

ኣብ ሃምበርግ ትምህርቲ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእልhttps://deutsch.kursportal.info/search?q=DeuF%F6V%2C

ምዝገባ፦:

ኣብ ዝኮነ ትምህርቲ ክትምዝገብ እንተደሊኻ ምስ Jobcenter ወይthe Agentur für Arbeit (ናይ ስራሕ ኤጀንሲ) ተራኸብ። ትሰረሕ እንተሃሊኻ፣ ኣብ ጀማራይነት (Ausbildung) እንትሃሊኻ ወይ ዲግሪኻ ተፈላጥነት ንኽረክብ ምስ BAMF ተራኸብ፦ deufoe.hamburg@bamf.bund.de. ኣባኡ ናይ ብቅዓት ምስክር ወረቐት (Berechtigungsschein) ናይቲ ትምህርቲ ትውሃብ። ንዘስርሓካ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባኻ ካብ BAMF ስለ ዝቕበል ንእኡ ተወከስ።

Agentur für ArbeitKurt-Schumacher-Allee 16, ሰኑይ, ሰሉስ, ዓርቢ: 7:45 ቅ.ቀ ክሳዕ 12:15 ድ.ቀ; ሓሙስ: 7:45 ቅ.ቀ ክሳዕ 12:15, 3 ድ.ቀ ክሳዕ 5 ድ.ቀ. በጃኹም ቆጸራ ሓዙ፦ +49 40 2485 3333 (ሰኑይ ክሳዕ ሓሙስ: 8 ቅ.ቀ ክሳዕ 6 ድ.ቀ, ዓርቢ: 8 ቅ.ቀ ክሳዕ 2 ድ.ቀ), Hamburg@arbeitsagentur.de. ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦: https://www.arbeitsagentur.de/vor-ort/hamburg. 

ዋጋታት፦

ዝበዝሐ ግዜ እቶም ትምህርቲታት ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም። ብነብስኻ ልእሊ €20,000 ተእትው እንተኾይንካ ወይ ድማ ንስኻን ሰበይትኻን ብሓባር ልዕሊ €40,000 ኣብ ዓመት ኣታዊ ሃልይኩም፣ €2.07 ንንፍስወከፍ ናይ ትምህርቲ ሰዓት ክትከፍል ትኽእል።

ምኸሪ፦

Netzwerk FLUCHTort ኣብ ዘይተፈልጠ ናይ ነባርነት ኩነታት ዘለዉ ስደተኛታት (ን ኣብነት፣ መስርሕ ውሳነ ዑቕባ መልሲ ኣብ ምጽባይ እንከሎ ፍቓድ ናይ ምጽናሕ እንተሃልዩካ (Aufenthaltsgestattung) ወይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)) ን ጀማራይነትን (Ausbildung) ንስራሕ ክትዳልው ይሕግዙኻ። ዝተፈላልዩ ዝውሃቡ ታዕሊምን ስልጠናታትን ኣለዉ። ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://www.fluchtort-hamburg.de/fluchtort-hamburg-50/traeger-und-teilprojekte.

ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦ https://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/DE/Integration/Berufsbezsprachf-ESF-BAMF/berufssprachkurse.html?nn=284044 (ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ኩርማንጂ፡ ዩክሬንኛ፡ ሩስያ)https://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/DE/Integration/Berufsbezsprachf-ESF-BAMF/BSK-Rechtsgrundlagen/merkblatt-tn.pdf (ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ፋርሲ፡ ኩርማንጂ፡ ዩክሬንኛ፡ ሩስያ).

ኣብዚ ኣየናይ ኦንላይን ጀርመን ትምህርትታት ኣለው?

ነጻ ናይ ጀርመን ትምህርቲ ኣብ Deutsche Welle website (dw.com) ብዝተፈላልየ ቋንቋ ይርከብ እዩ። እቲ ዌብ ሳይት ብዝተፈላልየ ቋንቋታት ይርከብ እዩ።  ኣብ ልዕሊ እቲ ሳይት ካብዘሎ ቋንቋኻ ንምምራጽ “DW.COM in 30 languages” ምረጽ።

ዝውሃብ ትምህርቲ ንምርካብ ነቲ ዌብስይት ክፈት https://learngerman.dw.com/de/deutsch-lernen/s-9095፡፡ ክትመርጾም ትኽእል ዝተፈላልዩ ትምህርቲታት ኣልዉ። ንዓኻ ዝኸውን ትምህርቲ ኣየናይ ምዃኑ እርግጸኛ እንተ ዘይኮይንካ ናይ ምደባ ፈተና ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። A1፣ A2 ትምህርቲ ጠውቕ፡፡

ከም ኣማራጺ ናጻ ናይ ጀርመን ትምህርቲ ብ ገተ ኢንስትቲዩት ዝውሃብ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፦ https://www.goethe.de/de/spr/ueb.html (ጀርመንኛ)፡ https://www.goethe.de/en/spr/ueb.html (እንግሊዝኛ) ወይ VHS Lernportal: https://www.vhs-lernportal.de.

ብዓርሰይ ብኸመይ ጀርመንኛ ክመሃር ይኽእል?

ክም መወሰኽታ ዝወሃብ ትምህርቲ ምውሳድ ቋንቋ ጀርመን ብብዕልኻ ናይ ምልምማድ ኣማራጺ ኣሎ። እዞም ናይ ሞብይል ኣፕሊኬሽናት ክሕግዙኩም ዝኽእሉ እዮም፦ ን ኣብነት “fun easy learn Deutsch” ን “Einstieg Deutsch”.

 ጀርመን ንክትመሃሩ ዝሕግዝኹም እዞምዉ ባእታታትውን፦

እዞም ምጽሓፍቲን ዲጂታላዊ ባእታታት ካብ Klett እንዳ መሕተሚ እዮም (ን ኣብነት https://www.klett-sprachen.de/kostenlose-materialien/c-1161, https://www.klett-sprachen.de/aussichten/r-1/18#reiter=mediathek&dl_niveau_str=A1&dl_kategorie=4): Lingolia (https://deutsch.lingolia.com/de/ (ጀርመንኛ): https://deutsch.lingolia.com/en/ (እንግሊዝኛ)) ን Hueber (ን ኣብነት https://www.hueber.de/schritte-plus-neu/lernen/uebungen).

ኩሉ ቦታ ኣብ ጀርመን መጽሓፍ ተምብበሉን ትልቅሓሉን ቤት ንባብ ክትረክብ ትኽእል ኣኢኻ። ኣብ ሃምበርግ Bücherhallen ይብሃሉ። ብዛዕባ ዝርከቡኡ ቦታ፣ ዝህብዎ ኣገልግሎትን ዋጋታት ኣብዚ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል፦ https://we-inform.de/portal/ti/freizeit-ti.

ጅርመን ንክትመሃር ዝሕግዙኻ ፖድካስት ኣልዉ፦

ቋንቋ ንክትመሃር ደቅባት ክዛረቡ ከለዉ ምስማዕ ሓጋዚ እዩ። ፖድካስትታት ነዚ ክትጥቀመሎምውን ትኽእል፦

ብዛዕባ ሙሉእ መግለፅታት ምምሃር ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኣብዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ክሕግዙኻ ዝኽእሉ እኩባት መግለጺታት ክትረክብ ኢኻ፤

ህፃናትን መናእሰይን ብጀርመንኛ ዓርሶ ክኢሎም ብኸመይ ይመሃሩ?

ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ኣህጉራዊ መሰናድኦ ክፍልታት ቋንቋ ጀርመን ክመሃሩ ይኽእሉ (Internationale Vorbereitungsklassen, IVK). ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

https://we-inform.de/portal/ti/bildung-ti/.

ይኹን እምበር መንእሰያት ባዕሎም ቋንቋ ጀርመን ክመሃሩሉ ዝኽእሉ ዕድላት እውን ኣሎ።

ኣየኖት ናይ ዘተ ጉጅለታት ኣለው?

Dialog in Deutsch (ዝርርብ ብጀርመን ቋንቋ)

ኣብ ጀርማን ሰሙናዊ ዝኮነ  ናይ ምይይጥ ጉጅለታት  ኣብ ኩሉ Bücherhallenን ማእከላይ ቤት ንባብ ንፈለስቲ ኣልዉ። 

ዋጋ፦ ብነጻ
መደብ፦  https://www.buecherhallen.de/ehrenamt-dialog-in-deutsch-termine.html ምዝገባ፦ ኢ- ክትምዝገብ የብልካን፡፡
ንዝበለጸ ሓበሬታ፦ https://www.buecherhallen.de/ehrenamt-dialog-in-deutsch.html.

Sprachbrücke-Hamburg e.V. (ቋንቋ ድልድል ሕብረተሰብ ሃምበርግ)

Sprachbrücke-Hamburg e.V. ኣብ ዝተፈላልዩ ቦታታት ሰሙናዊ ናይ ምይይጥ ጉጅለታት የቕርብ እዩ። ተሳተፍቲ ብዛዕባ ሰሙናዊ ዝቀያየር ኣርእስትታት ብቋንቋ ጀርመን ይዛረቡ። ናይ ጉጅለ ዙረት ምስታፍውን ይክኣል እዩ።

ዋጋ፦ ካብ ክፍሊት ነጻ

ናይ ዘተ ጉጅለታት ኣብቲ ቦታ፡https://www.sprachbruecke-hamburg.de/termine

ኦንላይን ዘተ ጉጅለ፡https://www.sprachbruecke-hamburg.de/online-angebote/

Sprach-Cafés Universität Hamburg (ዩንቨርስቲ ሃምበርግ ናይ ቋንቋ ካፌ)፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዘተን ናይ ጉጅለ ዘተታት, https://www.uhh-join.uni-hamburg.de/de/reihe.html?196

ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ይቐርብ?

ናይ ቋንቋ ትምህርቲ፡

ካልእ፡

እንታይ ዓይነት ካልኦት ኣማራፅታት ኣለው?

ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፦ https://www.uni-hamburg.de/internationales/studieren-an-der-uhh/deutschkurse.html.

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 01.08.2024