እንድሕር ሓሚምካ ወይ ሕማቕ ስምኢት ኣለካ ንሓኺም ርኤ። ሕማም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ናይ ዑቐባ መመልከቲኻ የብሉን።

ሓካይም ናይ ተኣማንነት ግዴታ ኣለዎምን ብሕጊ ብዛዕባካ ሓበሬታ ከካፍሉ ዝተኣገዱ እዮም።

ኮሮና ቫይረስ

ኣብዚ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ትረክብ፦

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ውሸባ (Quarantäne) ኣብዚ ኣሎ (ብጀርመን፣ እንግሊዘኛ፣ ዓረብ፣ፋርሲ፣ ሩስያኛ፦

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ናይ ኮሮና ቫይረስ ኽታበት ኣብዚ ትረኽቡ፦

ኣብዚ ብዛዕባ ሃምበርግ ሓበሬታ ትረክብ፦

ኣብቲ Ankunftszentrum (መዕረፊ ቦታ)

ኣብቲ Ankunftszentrum (መዕረፊ ቦታ) ኣብ Rahlstedt መጀመሪያ ክትረኣይን ናይ ኮሮና ቫይረስ መርመራ ክግበረልካ እዩ።

ውጽኢት መርመራኹም እቲ ሕማም ከምዘሎ እንተ ተረጋጊጹ ን መልክታት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተርእይ እንተ ኾይንካ፣ ክንክን ነኽትረልካ ናብ ሆስፒታል ክትሰጋገር ኢኻ።

እንተ ዘይኮይኑ ንውሸባ (Quarantäne) ናብ ካልእ መቐበሊ ቦታ ክትውሰድ ኢኻ ድሕሪ መርመራ። ኣብኡ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ንበይንኻ ትፍለ ወይ ኽኣ ምስ ቤተሰብካ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ብዙሕ ማዓልታት ትፍልይ። እዚ ዝኸውን ምእንታን ምስፍሕፋሕ ናይ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ እዩ። እንተ ኾነ ካብ ብምርመራ ኣለኩም ዝተብሃሉ ቤተሰብካ ኣብ ዝተፈልየ መቐበሊ ክትኣትዉ ተኽእሎ ኣሎ።

ድሕሪ ውሸባ (Quarantäne) ናብቲ Ankunftszentrum ኣብ Rahlstedt ክትምለስ ኢኻ። ናብ ካልእ Bundesland (fፌደራላዊ ኽፋል ሃገር) እንድሕር ዘይተመሓላሊፍካ፣ እቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ሕክምና መርመራኻ (medizinische Erstuntersuchung) ኣብ Bargkoppelstieg 10-14 ክካየድ እዩ። ናይ ኤክስ-ረይ መርመራ (Röntgenuntersuchung)፣ ናይ ደም መርመራን ሓጺር ናይ ኣካላዊ መርመራ ኣካል ንይዝ እዮም። እዚ መርመራ ንተላጋቢ ሕማማት ንምርካብን ንምፍዋስን ኣገዳሲ እዩ። ዝተፈላለዩ ክታበት ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ደቅንስትዮ ንጓላንስተይቲ ሓኪም ክጠልባ ይኽእላ።

ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ Ankunftszentrum ክውሃብ እዩ። ሰራሕተኛታት ናይቲ Ankunftszentrum ቅጥዒ (Behandlungsschein) ክመልኡልካውን ይኽእሉ እዮም። በዚ ቅጥዒ እዚ ናብ ሓኪም፣ ህጹጽ ኣገልግሎት ወይ ድማ ናብ ሆስፒታል ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል 24 ስዓታት ክትከይድ ትኽእል።

ንዝሓሸ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/asyl-ti/

ሓገዝ ንሕማም ዘለዎም ኣብቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung)ን ኣብ ካልኣይ መአንገዲ (Folgeunterkunft)ን

ሕክምናዊ ምምኻር ኣብቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung, EA) ኣሎ። ኣብኡ ብናጻ ሕክምናዊ ክንክንን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ውከሳ ትረኽቡ። ናይ ዑቕባ ኣመልካቲ ኣብ ሁምበርግ ኢንሹራንስ ኣብ AOK Bremen/Bremerhaven ዝኣተዉ እዮም። ባዕልኻ ክትምዝገብ የብልካን፣ እቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ክገብርዎ እዮም።

ኣብቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) “ምስከርነት ወረቐት ናብ ስራሕ ዘሎ ሓኪም ዝቐረብካሉ” ክትቐበል ኢኻ („Bescheinigung zur Vorlage beim behandelnden Arzt“) ድሒሩውን ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ጥዕና ካርድ (elektronische Gesundheitskarte, eGK). ነቲ ምስክርነት ወረቐት ወይ ናይ ጥዕና ካርድ ሒዝካ ናብ ሓኪም ክትቐርብ ትኽእል። ክንክን ብሓፈሽኡ ብናጻ እዩ።

ኣብቲ ካልኣይ መአንገዲ (Folgeunterkunft) እንዳ ተቐመጥካ ብናይ ጥዕና ካርድ ሓኻይም ክትርኢወን ትኽእል ኢኻ። ክሳብ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ትረክብ ወይ ድማ 18 ወርሒ ኣን ጀርመን ምስ ጸናሕካ ብ AOK Bremen/Bremerhaven ኢንሹራንስ ክትኣትው ኢኻ። ሽእዑ ሓበሬታ ምስ መጸካ ናትካ ኢንሹራንስ ትመርጽ።

ሓኻይም

ናይ ጀርመን ናይ ጥዕና ክንክን ኣሰራርሓ ዝገልጽ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/altona/gesundheitsversorgung-broschueren/

ኣብ ጀርመን ዝተፈላለዩ ዓይነት ሓኻይም ኣልዉ። ዝሕክሙ ሓኻይም ደቂ ትባዕትዮን ደቂ እንስትዮ ክኾኑ ይኽእሉ። Hausarzt (ሓፈሻዊ ሓካማይ) ናይ ጠቕላላ ናይ ጥዕና ኩነታትካ ሓላፍነት ኣልዎ። Kinderarzt (ሓኪም ቈልዑ) ናይ ቈልዑ ጥዕና ይምልከቶ። ናይ ኣስናን ጸገም እንድሕር ሃልዩካ ናብ Zahnarzt (ሓኪም ስኒ) ትኽይድ። Frauenarzt (ሓኪም ማሕጸን) ብፍሉይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕክምና ይምልከቶ (እንኮላይ ናይ ጥንሲ)። ኩልግዜ ኣቐዲምካ ቖጸራ ሓዝ!

ብዕልኻ ሓኻይም ክትደሊ ትኽእል ኢኻ ኣብዚ፦
https://www.kvhh.net/de/physicianfinder.html

https://arztsuche.kbv.de/pages/arztsuche.xhtml

ናትካ ቋንቋ ዝዛረቡ ሕኻይም ኣብዚ ትኽእል ኢኻ። እንተ ዘይኮይኑ መብዛሕትኦም ሓኻይም እንግሊዝኛ እዮም ዝዛረቡ። ጀርመን ወይ እንግሊዝኛ ዘትዛረብ ኾይንካ ኣስተርጓማይ የድልየካ ኪኸውን ይኽእል!

ኣገደስቲ ቓላት ዝሓዘ መዝገበ ቓል ኣብዚ ትረክብ፦ www.aqqkowuysp.cloudimg.io/v7/_auirp_/downloads/04/2/4/3/6/5/AU_Bilderwoerterbuch_Gesundheit_franz_arab.pdf?func=proxy (እንግሊዝኛ፣ ፍሬንች፣ ዓረብ) ኣብዚ ድማ፦ www.aqqkowuysp.cloudimg.io/v7/_auirp_/downloads/04/2/4/3/6/5/AU_Bilderwoerterbuch_Gesundheit_urdu_farsi_neu.pdf?func=proxy (ኡርዱ ን ፋርሲ)።

ኽታበት

ኽታበት ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ኣብ ምክልኻል ሕማም፣ ብፍላይ ን ቈልዑ።

ርጉጽ ነገር ብዛዕባ ኽታበት (ኣብ ጀርመን)፦  Faktenblätter RKI

ሓበሬታታት ናይ ዝተፈላለዩ ኽታበታት ብብዙሕ ቋንቋታት (ን ኣብነት እንግሊዝኛ፣ ዓረብ፣ ዳሪ፣ ኩርማንጂ፣ ሩሲያኛ፣ ትግርኛ)፦ ኣብቲ ብዘበለጸ ክትመሃረሉ ትደልዩ ዓይነት ኽታበት ጽቐጥ (መግለጺ ግበር “Impfaufklärung”) ሽዑ ብናትካ ቋንቋ PDF ድለይ – https://www.rki.de/DE/Content/Infekt/Impfen/Materialien/materialien_fremdsprachig_inhalt.html

ብኽታበት ክውገድ ዝኽእል ሕማማት ሓበሬታ ንወልዲ፦ https://www.euro.who.int/__data/assets/pdf_file/0013/162301/Vaccine-preventable_DE_WHO_1proof.pdf

ቤት-መድሃኒታት

ፈውሲ ካብ ቤት መድሃኒታት ክትረኽቡ ትኽእል። ንብዙሓት መድሃኒታት ትእዛዝ ናይ ሓኪም የድሊየካ እዩ። ኣድለይቲ መድሃኒታት ሓኪም ዝእዝዞም ብነጻ እዮም ዝርከቡ። ኣብ ህጹጽ ግዜ ዋላ ምሸት ኮነ ቀዳም ሰምበት ክትረኽቦም ትኽእል።

ትእዛዝ ዘየድልዮም ናይ ሕክምና ውጽኢት (ከም ጀሶ) ካብ Drogerie (ቀማማይ) ውን ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ቤት-መድሃኒት ክትደሊ ትኽእል ኢኻ ኣብዚ፦
www.aponet.de/service/apotheke-finden.html

ህጹጽ ኩነት

ምሸት፣ ቀዳመ ሰንበት፣ ወይ ድማ ኣብ ግዜ ህዝባዊ በዓላት እንድሕር ሓሚምካ፣ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ናብ ናይ ህጹጽ ሓኪም (Notfallpraxis) ክትኸይድ ትኽእል።

እንድሕር ናብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ክትከይድ ዘይካኣልካ፣ሓካይም ብ ተለፎን ሕክምናዊ ምኽሪ ዝልግሱ ኣለዉ፣ ክምኡ ውን ናብ ገዛኻ ብምምጻእ ክምርምሩኻ ይኽእሉ።I (ärztlicher Bereitschaftsdienst).

ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ናይ ሕክምና(Notaufnahme) ን ህጹጽ ኣገልግሎትን ሓደጋታትን ከአንግድ ድሉው ኢዩ። ኣብዚ ንምጽባይ ድሉው ክትከውን ኣለካ።

ናይ ህወትን ሞትን ጉዳይ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢኻ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ክትድውል ዝግባእ (Rettungsdienst)።

ኣብ ህጹጽ ጉዳይ፣ ዶካትር ናይ ምሕካም ግደታ ኣለዎምI። ትኽክል ሰነዳትን ናይ ጥዕና ዉሕስነት ምውናን ኣይገድስን እዩ።

ህጹጽ ሕክምና (Notfallpraxis) 

ሓፈሻዊ መግለጺ ናይ ህጹጽ ሕክምናን (Notfallpraxis) ፍሉይ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ን ህጻናትን(Kinderärztlicher Notfalldienst) ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ: www.kvhh.net/de/patienten/arztruf-hamburg.html

ኣብዚ እቲ ንዓኹም ዝቀረብን ኣገልግሎት ዝልግስ ሕክምናን ክትርእዩ ትኽእሉ https://arztruf-hamburg.de/de/notfallpraxis-suche.html

  • ህጹጽ ሕክምና ኣብ ዋንድስቤክ (Bundeswehrkrankenhaus,ናይ ጀርመንሰራዊት ሆስፒታል): Lesserweg 180
    ካብ ስኑይ ክሳብ ዓርቢ 6 ድ.ቅ.- 12 ቅ.ቀ. (ፍርቂ ለይቲ), ርቡዕ 1ድ.ቅ – 12 ቅ.ቀ (ፍርቂ ለይቲ), ቅዳምን ሰንበትን ህዝባዊ ባዓላትን 8 ቅ.ቀ – 12 ቅ.ቀ (ፍርቂ ለይቲ)
  • ህጹጽ ኣገልግሎት ኣብ ኣልቶና: Stresemannstraße 54
    ካብ ስኑይ ክሳብ ዓርቢ 7 ድ.ቅ.- 12 ቅ.ቀ. (ፍርቂ ለይቲ), ርቡዕ 1ድ.ቅ – 12 ቅ.ቀ (ፍርቂ ለይቲ), ቅዳምን ሰንበትን ህዝባዊ ባዓላትን 7 ቅ.ቀ – 12 ቅ.ቀ (ፍርቂ ለይቲ)

ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት(Ärztlicher Bereitschaftsdienst) 

ሃምበርግ: +49 40 228022

ምስ ደወልኩም፣ ኣውቶማቲክ መግለጺ ክትሰምዑ ኢኹም። ብ መጀምርያ፣ ምኽንያት ምደወሊኹም ምረጹ። 1 ን ሕክምናዊ ረድኤት(medizinische Hilfe) ወይ 3 ን ኻልእ ኣገልግሎት ምረጹ።

ጀርመን: 116117

ብ መጀምርያ፣ ምኽንያት ምደወሊኹም ምረጹ። ን ሕክምናዊ ሓገዝ 2 ምረጹ፣ን ኮሮና ቫይረስ ዝምልከቱ ጥያቐታት 1 ምረጹ። ዚቕጽል፣ ፖስታል ኮድኩም ኣእትዉ’ሞ ከመሓላልፈኩም እዩ።

ህጹጽ ኣገልግሎት (Rettungsdienst)

ኣብ ህጹጽ ኩነት ን ህጹጽ ኣገልግሎት(Rettungsdienst) ክትድውሉ ትኽእሉ። ኩሉ ግዜ ሽምኩም፣ ዘለኹሞ ቦታን እንታይ ከም ዘጋጠመን ጥቕሱ። ሕቶታት ተጸበዩ! ኣምቡላንስ ንዝተጎዱ ሰባት ክትወስዶም ኢያ፣ ኣብ ዝሃለዉ ሃልዎም።

ህጹጽ ኣገልግሎት (Rettungsdienst)(Rettungsdienst) ቁጽሪ ተሌፎን: 112

ሓገዝ ብዘይ ወረቀት

እንድሕር ናይ ምስክር ወረቀት ወይ ናይ ጥዕና ውሕስነት ክርድ ዘይብልኩም፣ ሕክምናዊ ርድኤት ካብ ናይ ምኽሪ ማእከላት ክትቅበሉ ትኽእሉ። እንድሕር ጀርመንኛ ወይ እንግሊዘኛ ዘይትዛረቡ ኾይንኩም፣ ኣስተርጓሚ ምሳኹም ተማልኡ! ምብዛሕቲኡ ግዜ ምኽሪ ብ ስቱር መንገዲ እዩ ዝወሃብ።

  • መዲቡሮ ሃምበርግ: Hospitalstraße 109
    +49 40 238558322,ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 3 ድ.ቅ – 5 ድ.ቅ
  • Praxis ohne Grenzen: Fangdieckstraße 54
    +49 40 69455910, ርቡዕ 12 ድ.ቅ– 5 ድ.ቅ
  • Migrantenmedizin Westend: Vogelhüttendeich 17
    +49 40 75666401, ምምኻር: ሰሉስ 9 ቅ.ቀ. – 1 ድ.ቅ፣ ብኽብረትኩም ኣብ ምጅማር ናይ ምይይጥ ተረኸቡ
    ምይይጥ ናይ ህጻናት ኣብ ራብዐይቲ ርቡዕ ናይ ወርሒ 9 ቅ.ቀ. – 11 ቅ.ቀ.፣ ብኽብረትኩም ቆጸራ ሓዙ +49 40 75666401 (ሰሉስ 9 ቅ.ቀ. – 12ድ.ቅ ),westend@hoffnungsorte-hamburg.de, +49 40 75666401 (ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 9 ቅ.ቀ. – 3:30ድ.ቅ)
    https://hoffnungsorte-hamburg.de/die-hoffnungsorte/westend-open-med/

ብዛዕባ ናይ ጥዕናዊ ውሕስነት ደረጃ ኩነታት (Krankenversicherung) ምክሪ ኣብዚ ትረክብ፣ ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ናብ ክሕክመካ ዝኽእል ሓኪም ትውከስ።

Flüchtlingszentrum – Clearingstelle zur medizinischen Beratung von Ausländern: niethammer@fz-hh.de, +49 40 28 40 79 123 (ሰኑይ 9 ቅ.ቐ – 1 ድ.ቐ፣ ሓሙስ 9 ቅ.ቐ – 1 ድ.ቐ ን 3 ድ.ቐ – 5 ድ.ቐ)

ዘሰንብድ ተመክሮን ናይ ኣእምሮ ጭንቀት

እንድሕር ብዙሕ ሕማቕ ነገር ርኢኻን ተሞኪርካን፣ እዞም ተመክሮታት ምሳኻ ይጸንሑን ክቕይሩኻ ይኽእሉን እዮም። ተዘክሮታት ልእሊ ዓቕምኻ ኮይኖም ወይ ድማ ብሻቕሎት ትሳቐ እንተ ሃሊኻ ሓገዝ ክትረክብ ፈትን። ፈዋሲ ሕማም ኣእምሮ ወይ ድማ ሓኪም ኣእምሮ ንዚ ሓላፍነት ኣልዎም። ምስክር ወረቐትካ ወይ ድማ ናይ ጥዕናዊ መድሕን ካርድ ሒዝካ ክትከዶም ኣለካ። ተወሰኽቲ ሰለስተ መደባት ኣልዉ፣ ብፍላይ ከኣ ንቈልዑ።

ኣብዚ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ (ዋላ ብዘይ ወረቐት ኮነ ምምዝጋብ)፦

  • Centra: Heidenkampsweg 97, በጃኻ ቆጸራ ግበር (ብ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ፣ ዕረብ)፦ info@centra.hamburg, +49 40 23205220, ናይ ኣድራሻ ቅጥዒ፦ www.centra.hamburg/kontakt/, www.centra.hamburg/angebot/uebersicht/
  • ሃቬኖ ማእከል ጥዕና ሴንት ፖሊ: Seewartenstraße 10
    +49 40 31793535, ናይ ቴሌፎን መልእኽቲ ብ ቋንቋኻ ኣብ መመለሲት ማሽን ብምግዳፍ ቆጸራ ግበር። ሽምካን ናይ ቴሌፎን ቁጽርሓን ግደፍ። መሊሱ ክድወለልካ እዩ። www.haveno.de
  • Lichtpunkt e.V.: Ehrenbergstraße 69, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ info@lichtpunkt.org, +49 40 764 816 84 (ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 9 ቅ.ቐ – 1 ድ.ቐ)። ኣብ ትሓተሉ እዋን ኣስተርጓሚ ኪርከብ ይከኣል እዩ።
  • ምምኻር (Psychosoziale Beratung) ብ Diakonie Hamburg: Königstraße 54, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ +49 40 30620 361 (ሰኑ፦ ከምኡውን ረቡዕ: 10 ቅ.ቐ ክሳብ 12 ቅ.ቐ ፣ ሓሙስ 14 ቅ.ቐ – 4 ድ.ቐ)፣ psb-flucht@diakonie-hamburg.de. ቋንቋታት፦ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ ኣስተርጎምቲታት ኣብ ተሓተተሉ ክርከቡ ይከኣል እዮም።

ብፍላይ ንመንእሰያት ሓተትቲ ዑቕባ ተወሰኽቲ ናይ ነጻ መደባት ኣልዉ። ሓገዝ ንዝተጎድኡ ቆልዑን መንእሰያትን ኣብዚ ትረክብ፦

ጎነጽ

ዋላ ሓደ ሰብ ናይ ጎነጽ ግዳይ ክገብረካ ኣይፍቀደሉን እዩ። እዚ ዘቕጽዕ ገበን እዩ ኣብ ጀርማን። እንድሕር ናይ ጎነጽ ምስክር ወይ ግዳይ ኮይንካ ሓገዝ ድለይ! ን ፖሊስ ርኸብ ወይ ከኣ ሽምካ ከነገርካ ብሚስጢር ን ምኣእከል ምኽሪ ርኽብ።

ዘቤታዊ ጎነጽ፦ ኣባላት ስድራቤትካውን ከፈራርሑኻ ወይ ድማ ግዳይ ናይ ጎነጽ ክገብሩኻ ኣይፍቀድን እዩ።.

ጾታዊ ዓመጽ፦ ንካልእ ሰብ በስገዳድ ናብ ጾታዊ ተግባር ምእታው ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምውራድ ኩልኩል እዩ።

ማእከላት ምኽሪ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል፦

  • SAVIA – ስጉምቲታት ኣንጻር ጎነጽ
    +49 40 350177253, ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ 2 ድ.ቐ – 4 ድ.ቐ፣ ሓሙስ ን ዓርቢ 10 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ, savia@verikom.de
    ንኹሉ ጎነጽ ዝወረዶ ሰብ፣ ውከሳ ናብ ካልእ ተቕዋማት
  • ናይ ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ-መስመር (Hilfetelefon Gewalt gegen Frauen)
    +49 8000 116016,ቀዋሚ ሰራሕተኛ ዘለዎ
    እተን ደቀ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዓረብ፣ ናይ ፐርሺያ፣ ሩሲያኝእ፣ እንግሊዝኛ ካልኦት ቋንቋታትን ይዛረባ እየን።
    ኣብ ጀርመን ናይ ጽሑፍ ምኽሪ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ፦ www.hilfetelefon.de/no_cache/das-hilfetelefon/beratung/online-beratung.html
  • ውሕስነት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ኣብ  ናይ ሃምበርግ Frauenhäusern (መጽለሊ ደቂ ኣንስትዮ)፦ www.hamburgerfrauenhaeuser.de፡ ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ፡ +49 40 8000 4 1000.
ስንክልና ንዘለዎም ስደተኛታት ደገፍ

ስንክልና ከዘለዎም ስደተኛታት ፍሉይ ደረጃ ናይ ውሕስነት (“besonders schutzbedürftig”) ክትረክብ መሰል ኣለካ።

ዝተፈላልዩ ዓይነታት ደገፍ ክትረክብ ይግባካ እዩ።

መጀመርታ ሓኪም ንስንክልናኻ ክምርምሮ’ልዎ። እቲ Versorgungsamt ብወግዒ ነቲ ስንክልና ኣፍልጦ ይህቦ። ነዚ ንምግባር ሕቶ ክትምስርት (Antrag) ኣለካ ፦ Versorgungsamt Hamburg, Adolph-Schönfelder-Straße 5, versorgungsamt@soziales.hamburg.de, + 49 40 428630, www.hamburg.de/versorgungsamt/

ምእከላት ምኽሪ ኣብዚ መስርሕ እዚ ምኽሪን ደገፍን ክህቡኻ ይኽእሉ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕቶ ምስራት (Antrag) መስርሕ ዑቕባ ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/antrag-merkblaetter/83238/start

ኣፈላላይ ኣሎ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ስንክልናታት፦ ኣካላዊ ስንክልና (ን ኣብነት ጽምመት፣ ዕውረት፣ ድሩት ምንቅስቓስ)፣ ዕውቀታዊ ስንክልናን ስነኣእምሮኣዊ ስንክልና። ብተወሳኺ ብኽብደት ሰንክልና (Grad der Behinderung) ክትፈላሊ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኽብደት ክንድምንታይ መግዳዕቲ እቲ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ወይ ህይወታ ከምዘውርድ ትርዳእ። ኣብ ክብደት ምዕቐኒ 50 እንተ ኾይኑ “Schwerbehindertenausweis” ይቕበልን ብኡ ኣቢሉ ብዙሕ ብልጫታት ይረክብ። ን ኣብነት ኣብ ትሕቲ ውሱን ኩነታት ካብቲ Versorgungsamt ምእንታን ብናጻ ህዝባዊ መጓዓዚያ ክትጥቀም መወሰኽታ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።

ዝቕጽሉ ማእከላት ምክሪ ክድግፉኻ ይኽእሉ፦

  • ZuFlucht Lebenshilfe: Stresemannstraße 163, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦: emna.lourimi@lhhh.de, +49 1590 4245167 (ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 9 ቅ.ቐ – 1 ድ.ቐ), ናይ መርከቢ ቅጥዒ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ፦https://zf.lhhh.de/
  • Autonom Leben e.V.: Langenfelder Straße 35, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ info@autonomleben.de , +49 40 43290148 (ሰኑይ ከምኡውን ሰሉስ 10 ቅ.ቐ – 6 ድ.ቐ)፣ http://www.autonomleben.de/

በጃኻ ኣቐዲምካ ዘስተርጉመልካ ሰብ የድልየካ ምዃኑ ሓብር። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምምኻር ብ ናይ ቪድዮ ኮንፍረንስ ክኸወን ተኻእሎ’ሎ።

Ergänzende unabhängige Teilhabeberatung (EUTB):

ማእከል ምሕሪ ናይ Fördern & Wohnen ንስንክልና ዘለዎም ስደተኛታት ኣብ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ዝቕመጡ ወይ ድማ ኣብ ካልኣይ መዕረፊ (Folgeunterkunft)፦ Kurt-Schumacher-Allee 4, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ teilhabe_gefluechtete@foerdernundwohnen.de, +49 40 280044940, https://www.foerdernundwohnen.de/unterkuenfte/beratung/beratung-fuer-gefluechtete-mit-chronischer-erkrankung-und-behinderung

ኣብ መዕረፊኻ ብዘለዉ Sozialmanagement (ናይ ማሕበራዊ ምሕደራ ጋንታ) ኣቢልካ ቆጸራ ክትገብር ትኽእል፦

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ማእከላት ምኽሪ ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ስንክልናታት ኣልዉ።

  • ጽምመት ወይ ድማ ናይ ምስማዕ ጸገም፦ Gehörlosenverband Hamburg e.V., Bernadottestraße 126, ኣድራሻ (Zoom/Skype/FaceTime), በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ beratung@glvhh.de, https://www.glvhh.de/unsere-angebote/sozialberatung/  
  • ስነኣእምሮኣዊ ስንክልና፦ Seelische Gesundheit Migration und Flucht e.V. (SEGEMI), Ferdinandstraße 36, info@segemi.org, + 49 40 30090101, https://www.segemi.org/  
  • ዕውረት ወይ ድማ ናይ ምራይ ጸገም፦ Blinden- und Sehbehindertenverein Hamburg, Holsteinischer Kamp 26, info@bsvh.org, + 49 40 20940455, https://www.bsvh.org/
    ጽቡቕ ጌርካ ጀርመንኛ ዘይትዛረብ እንተ ኾይንካ በጃኻ ከስተርጉመልካ ዝኽእል ሰብ ምሳኻ ኣምጽእ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ጉጅለ ባዕላዊ-ሓገዝን ትሕዝትኦምን ኣብዚ ትረክብ። https://we-inform.de/portal/ti/hamburger-kennenlernen-ti/

ናይ መወዳእታ እዋናዊ: 12.01.2022