ብዛዕባ መስርሕ ዕቑባ ክሕግዛ ዝኽእላ ማእከላት ምኽሪ ኣለዋ። ነቶም ዝበዝሕሑ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፎም ክትረኽብዎም ትኽእሉ። ጽቡቕ ጌርኩም ነዞም ማእኸላት ምኽሪ ክትጥቀሙሎም ኣለኩም። እዚ ገጽ መተካእታ ናይ ዝኾነ ሕጋዊ ምኽሪ ኣይኮነን፣ ግን ኸኣ መበገሲ ምእዘና እዩ ዝህብ። ዘድሊ እንተኾይኑ ሰራሕተኛታት ማእከላት ምኽሪ ንዝርዝራዊ ሕቶታትኩም ዝምልሱን ደግፋት ክገብሩልኩም ዝኽእሉ ንፉዓት ናብ ዝብልዎም ጠበቓታት ክሕብሩኹምን ይኽእሉ።
1 Ankunftszentrum Rahlstedt (ራህልስተድ መቐበሊ ማእኸል) እንታይ እዩ ከምኡ ድማ ኣብኡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
ምምጻእ ናብ ሃምበርግ
ብመጀመርታ፣ ን Ankunftszentrum ኣብ Rahlstedt (Bargkoppelweg 66a) ክትሕብሩ ኣለኩም.
ኣባኡ ክትምዝገቡ ኢኹም። ኣብቲ መስርሕ ምዝገባ እቲ ማእከል ንውልቃዊ ኽበሬታኹም ከም ሽም፣ ዕለት ልደትን፣ ስእልኩምን ቅዳሕ ሓሸራኹም ኣብ መዝገብ ከእትውዎ እዮም። ቐጺሉ፣ ኣብየናይ ክፋል ናይ ጀርመን መስርሕ ዕቑባኹም ከምዝካየድ እቲ ማእከል ክውስን እዩ። ብዛዕባ እዚ ወሳነ ብቑልጡፍ ሓበሬታ ክትውሃቡ ኢኹም።
ብ ኣጠቓላሊ ኣብቲ ወሳነ ጽልዋ የብልኩምን። ከም ጽንኩር ሕማምን ወይ ድማ ስንክልናን ገለ ፍሉይ ኩነታት ኣልዉ። በዚ ምኽንያት ነዚ ሓበሬታ ኣጠቓልልዎ።
ገለ ሰባት ብፍላይ ምክልኻልን ደገፍን ኣብ ጊዜ መስርሕ ዕቑባኦም የድልዮም እዩ (besonders schutzbedürftig)። ን ኣብነት ዓጃቢ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ፣ ስንክልና ዘለዎም ሰባት፣ ኣረጋውያን፣ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንጽል-ወለድቲ፣ ከቢድ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ሕማም ዘለዎምን፣ ግዳያት ጎነጽን ኣብዚ ጉጅለ ይተኣሳሰሩ። ሕማቕ ነገር እንተሪኢኹም ወይ ድማ ኣብ ሂወትኩም እንተድኣ ኣጋጢሙኩም ናብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከምርሕ ይኽእል እዩ። ሽዕዑ ብፍላይ ሓለዋ የድልየኩም እዩ (besonders schutzbedürftig)። ኣብ ከምዚ ኩነት ኣብ ጊዜ መስርሕ ዕቑባ ፍሉይ ኣረኣእያ ክግበረልኩም ኣልዎ። ምስ ናይ ምኽሪ ማእከል ተራኸቡ።
uዝበለጸ ሓበሬታን ናይ ምኽሪ ማእከላትን ኣብ ትሕቲ “ማህሰይቲን ኣእምሮኣዊ ጭንቀት” ኣብ ዝብል ክፋልን “ደገፍ ንስንክልና ዘለዎም ስደተኛታት” ዝብል ኣብ መርበብ ገጽና ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ ጥዕና ክትረኽቡ ትኽእሉ። https://we-inform.de/portal/ti/gesundheit-ti
2 ናይ መጀመርታ ምዝገባ ብኸመይ ይጅምር?
መስርሕ ዕቑባ ካብ ሃምበርግ ወጻኢ
እንድሕር መስርሕ ዕቑባኹም ኣብ ካልእ ናይ ጀርመን ክፋል ሃገር ዝግበር እንተ ኾይኑ ብቕልጡፍ ክትሕበሩ ኢኹም። ናበይ ከምትኸዱ ሓበሬታን (Anlaufbescheinigung) ኣድራሻን ክትውሃቡ ኢኹም። ኣብዚ ኢኹም ን ዕቑባ ክተመልክቱ ትኽእሉ። ናብኡ ዘብጽሓኩም ናይ ባቡር ቲኬት ክትቕበሉ ኢኹም።
ኣብ ሓደ መዕልቲ ተጓዒዝኩም ናብ ምዕርፎ ክትበጽሑ እንተኽኢልኩም ጥራሕ ኣብ Ankunftszentrum ንሓደ ለይቲ ክትሓድሩ ትኽእሉ። ናብቲ ምዕርፎ ቦታ ከምቲ ኣብ ሓበሬታ ክትኸድዎ ትኽእሉ ቦታታት ዝተጠቐሰ ምስ በጻእኹም ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ትቕበሉ።
መስርሕ ዕቑባ ኣብ ሃምበርግ
እንድሕር መስርሕ ዕቑባኹም ኣብ ሃምበርግ ኣንድሕር ተኻይዱ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ብቕልጡፍ ክትቕበሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ሽምኩምን ናይ ዕለት ልደትኩም ኣረጋግጹ!
ሕጂ ኣብ ጀርመን ብወግዒ ዝተመዝገበ ሓታቲ ዕቑባ ኮይንካ ኣለኻ። ይኹን እምበር ዕቑባ ንኽትውሃብ ጌና ኣየመልከትካን
ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ዘገልግል ክሳብ 6 ወርሒ ጥራሕ እዩ። እብዚ ሕጂ ጊዜ ን ሓደ ወርሒ ጥራሕ እዩ ዝውሃብ። ካልእ መሰል ነባርነት እንተ ዘይረኺብካ (ን ኣብነት ውሳነ ዕቑባ እንዳተጸበኻ ንኽትጸንሕ ትቕበሉ ፍቓድ (Aufenthaltsgestattung) ቅድሚ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ምውዳቑ፣ ን Ausländerbehörde (ብዓልስልጣን ናይ ዜጋታት ውጻኢ) ኣብ Ankunftszentrum ወይ ድማ ኣብ Hammer Straße 30-34። መሰል ነባርነትካ እንተ ስኢንካ ክትረኽቦም ይግባእ።
ልኽእ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ተቐበልካ ምግቢ መዕረፊን ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክትረክብ መሰል ኣለካ።
ብሓፈሻ ኣብ ፈላማይ መቐበሊ ትካል (Residenzpflicht፣ ናይ ነበርቲ ግቡእ) ንክትፀንሕ ኣብ እትግደደሉ እዋን ካብ ሃምበርግ ንክትወፅእ ኣይፍቀደልካን፡፡ ኣገዳሲ ንዝኾነ ጉዳይ ክትጎዓዝ እንተድኣ ኣለካ፣ መመልከቲ ክተእትው ኣለካ፡፡
ኩልጊዜ ናይ ብጽሓት መረጋገጺን (Ankunftsnachweis) ኣብ መዕረፊኻ ዝተውሃብካዮ ናይ መለለዪ ወረቐት ኣን ነብስኻ ሓዞ!
3 መጀመርታ ገምጋም እንታይ እዩ (Erstuntersuchung)?
ደድሕሪ ምምዝጋብኩም፣ ናይ መጀመርታ ሕክምናዊ መርመራ ክትገብሩ ኢኹም (Erstuntersuchung) ኣብ Bargkoppelstieg 10-14. እዚ ድማ ዘጠቓልሎ ናይ ኤክስ ሬይ መርመራ (Röntgenuntersuchung), ናይ ደም ናሙናን ሓጺር ኣካላዊ መርመራ። እዚ መርመራ ንተላጋቢ ሕማማት ንምርካብን ንምፍዋስን ኣገዳሲ እዩ። ኽትባት ክትወስዱ ትኽእሉል ኢኹም።
ደቅንስትዮ ጓላንስተይቲ ሓኪም ንኽትምርምራ ኽትሓትት ትኽእል እያ።
4 ንዑቕባ ብኸመይ ተመልክትን ከይዲ መጋባኣያ እንታይ እዩ (Anhörung)?
ወግዓዊ ናይ ዕቑባ ማመልከቻ ንሰራሕተኛ BAMF (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge, ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ንዝፈልሱን ስደተኛታትን) ትህብን ውሳነ ናይ ዕቑባ ክሳብ ትወሃብ (Aufenthaltsgestattung) ንምጽናሕ ፍቓድ ትረክብ).
በዚ ፈቓድ እዚ ኣብ ሃምበርግ ጥራሕ ክትፀንሕ ይፍቀደልካ፡፡ እዚ ድማ ናይ ነበርቲ ሓላፍነት ተባሂሉ ዝፅዋዕ እንትኸውን እዚ ድማ ተግባራዊ ዝኸውን ኣብቲ መጀመርታ መቐበሊ ትካል (እቲ ዝነውሐ እትፀንሓሉ እዋን 18 ኣዋርሕ እዩ) ኣብ እትነብረሉ እዋን እዩ፡፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ናይ መጀመርታ መቐበሊ ኣጋይሽ ክትጸንሕ እንተዘይተገዲድካ ፤ እዚ ሓላፍነት ተፈፃሚ ዝኸውን ኣብ ጀርመን ምስ ኣተውካ ኣብ ፈለምቲ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ፡፡ ሕጂ እውን ካብ ሃምበርግ ክትወፅእ እንተድኣ ደሊኻ ን BAMF ክተመልክት ትኽእል፡ ኣብ መቐበሊ ማእኸል (Ankunftszentrum, Barkoppelstieg 10-14) ወይ ኣብ (Concordiahaus B (Sachsenstraße 12+14) ክተመልክት ትኽእል፡፡
መጽንሒ ፍቓድ ኩልጊዜ ምሳኻ ሓዝዞ ክሳብ ናይ ዕቑባ ውሳን ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)!
ዳብሊን III (Dublin III)
ኣብ ካልእ ሃገር ተመዝጊብካ እንተጸኒሕካ ብዛዕባ እዚ ክትህተት ኢኻ። ኣብኡ ተመዝጊብካ ን ኣብነት ሓሻራኻ እንተተመዝጊቡ። እቲ ልሙድ ናይ ኤውሮፓ ኣሰራርሓ፣ ሰበስልጣን ጀርመን ኣቐዲምካ ኣብ ካልእ ኤሮፓዊ ሃገር እንተተመዝጊብካ ንኽፈልጡ የኽእሎም። ናይ ዑቕባ መስርሕካ ኣብቲ ኻልእ ሃገር ክትገብሮ ኣለካ። ናብቲ ሃገር ኽምኡ ንክትገብር ክትውሰድ ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ካብ ናይ ምኽሪ ማእከል ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል።
ምጉት (ANHÖRUNG)
እቲ ምጉት (Anhörung) ን ናይ ማመልከቻ መስርሕ ዕቕባ ወሳኒ እዩ። ኣብኡ ድማ ንምንታይ ካብ ዓድኻ ከምዝወጻኻ ተረድእ። እዚ ምጉት (Anhörung) ብፍሉይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኣቐዲምካ ክትዳሎ ኣለካ።
ደድሕሪ ምምጻእካ እቲ ምጉት (Anhörung) ክከናወን ይኽእል እዩ ምናልባትውን ኣብታ ወግዓዊ ናይ ዕቕባ ማመልከቻኻ ዝኣወትላ መዓልቲ። ስለዚ ክትዳለውን እንተ ኣድልዩ ናብ ማእከላት ምኽሪ ኣቐዲምካ ክትኽይድ ኣለልካ።
ንዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ምጉት (Anhörung) ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/anhoerung-ti
እቶም ስሩዓት ሕቶታት ኣብዚ ትረኽቦም፦https://www.arrivalaid.org/anhoerungsbegleitung-klagebegleitung
ተወሰኽቲ ሓበሬታ ብዝተፈላለይ ቛንቛታት፦ https://www.asyl.net/view/detail/News/information-zur-anhoerung-im-asylverfahren/
ውሃብቲ ውሳነን ኣስተርጓሚን ኣብቲ ምጉት (Anhörung) ይኣትዉ። ደስ እንተ ኢልኩም ሓደ ሰብ ምሳኹም ክመጽእ ይኽእል እዩ። እንተ ኾነ ግን እዚ ሰብ እዚ ኣቐዲሙ ምስ BAMF ክምዝገብ ኣለዎን ኣብ ሓደ ዓይነት መስርሕ ዑቕባ ዝሳተፍ ክኸውን የብሉን። . ጠበቓታትን መጉዚታትን ኣቐዲሞም ክምዝገቡ ኣየድልዮምን እዩ።
ዝከኣል እንተድኣ ኮይኑ ሓሳብካ ዝሕግዝ መረዳእታ ንምምፃእ ፈትን፡፡
በጃኹም ን BAMF ብዛዕባ ጭንቀት ዝገብረልኩም ተመኩሮኹም ክትዛረቡ እንተዘይደሊኹም ሓብርዎም።
ደቀንስትዮ፣ ጓላንስተይቲ ውሳነ ውሃቢትን ኣስተርጓሚትን ክውሃበን ይካኣል እዩ ኣብዝሓታሉ እዋን። ንስቅያትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ግዳያት ድማ ብፍሉይ ዝሰልጠኑ ውሳነ ወሃብቲ ኣለው እዮም፡፡
5 ኣብ ናይ ዑቕባ ሕቶይ ውሳነ ምስ ተወሰነ ስዒቡ እንታይ ይኸውን?
ዑቕባ፦ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ማመልከቻኹም ኣወንታዊ ውሳነ እንድሕር ተዋሂብኩም ናይ ቀዋሚ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ከም ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ቀዋሚ ነባርነት ፍቓድ (elektronischen Aufenthaltstitel (eAT))። እዚ ንናይ ምትሕወዋስ ኮርሰ(ትምህርቲ) (Integrationskurs) ምውሳድ መሰል ይህልወኩም እሞ ስራሕ ክትጅምሩ ትኽእሉ።
ስድራኹም ናብ ጀርመን (Familiennachzug) ንክመፁ ትደልዩ እንተድኣ ኮይንኩም ስድራኹም ቪዛ ከመልክቱ ኣለዎም፡፡ ስድራኹም ነቲ ዝምልከቶ ዲፕሎማቲክ ሓላፊ መመልከቲ የእትው፣ እዚ ማለት ድማ ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ናይ ጀርመን ኢንባሲ እዩ፡፡ ንስኻ ዓርስኻ ምስ ስድራኻ ዳግማይ ናይ ምፅንባር ከይዲ ንክሰልጠካ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣወንታዊ ውሳነ ምስ ተውሃቦ ኣብ ውሽ 3 ኣዋርሕ መመልከቲ ክተእትው ትኽእል ኢኻ፡፡ ነቲ መመልከትን ምልክታ ኦንላይ ክትመልእን ፕሪንት ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መዓስ ኣባላት ሰድራ ናብ ጀርመን ክመጹ ይኽእሉ፣ ካብ ማእክል ምኽሪ ርኸብ።
መዘኻከሪ፦ ጥርናፈ ቤተሰብ (Familiennachzug) ብኸቢድ ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ ነባርነት ዝትዓግተ እዩ (subsidiärer Schutz, ተወሳኺ መከላኸሊ)። ወይ ኣብ ናይ ነበርቲ ሕጊ ምዕራፍ 3 § 25 ናይ መንበሪ ፈቃድ ዘለዎም. በዚ ምኽኒያት እዚ፣ ቅድሚ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣንጻር እቲ ውሳነ ዝወድቀሉ መዓልቲ ምእኻሉ፣ ልክዕ ኩነትኩም ምስፈለጥኩም ናብ ሕጋዊ ምኽሪ ትረኽቡሉ ኪዱ።
ዑቕባ ዝኽላሉ፦ ናይ ዑቕባ መመልከቻኻ እንድሕር ተነጺጉ፣ ኣሉታዊ ውሳነ ተወሂብካ ካብ ዓዲ ንኸትወጽእ ክትሕት ኢኻ።
ሕጋዊ ስጉምቲ ኣንጻር እዚ ውሳነ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ከከም ናይቲ ንጻገ ነዚ ክትገብር ናይ 1 ወይ 2 ሰሙን ናይ ጊዜ ገደብ እዩ ዘለካ። ተቐባልነት ወይ መሰረት ዘይብሉ ጉዳይ እቲ ገደብ 1 ሰሙን እዩ። በዚ ምኽኒያት እዚ ብቐጻሊ ኢ-ሜይልኩም ፈትሽ። ኣብ ትኽልኣሉ ግዜ ምስ ናይ ምኽሪ ማእከል ብዝቐልጠፈ ተራኸብ። እንተዘይኮይኑ፣ ብቑልጡፍ ካብ ዓዲ ንኸትወጽእ ይግበር። እንድሕር ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ግዴታ ዘይተማእዚዝካ ክትስጎጉ ኢኻ(ማለት ብሓይሊ ናብ ዓድኻ ክትምለስ ኢኻ) ምስ ናይ መምለሲ እገዳ።
ሃገረ ኣልባኒያ፣ ቦዝኒያ-ሔርዞጎቪና፣ ጋና፣ ኮሶቮ፣ ማሴዶኒያ፣ ሞንቴኔግሮ፣ ሴኔጋልን፣ ሰርቢያን ውሑሳት መበቆላዊ ዓዲታት (sichere Herkunftsstaaten) እየን ኣብ ትሕቲ ናይ ጀርመን ናይ ዑቕባ ሕጊ። ብሰንኪ እዚ ምኽኒያት ናይ ዑቕባ መመልከቻ ንኸሰልጥ ዘሎ ተኽእሎ ድኹም እዩ። እንተኾነ ግን እቲ BAMF ብጥንቃቐ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቻ ክምርምሮ ይገደድ።
ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)
ብዝተፈላለየ ምኽኒያታት፣ ከም ኩነታት መበቆል ዓዲኻን ጥዕናኻ፣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ክግበረልካ ይከኣል እዩ። ብቑዕ ናይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እነተ ሃልዩካ ከምልሙድ ክትስጎግ ኣትኽእልን ኢኻ። እንተ ኾነ ግን እቲ ናይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ኣብ ዝኾነ ግኢዜ ክንጸግ ይኽእል እዩ።
ንሰለስተ ዓመት ዝጸነሕ ናይ ተለማማዳይ (Ausbildung) ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እንተ ጀሚርካ፣ ክትጅምርውን እንተተፈቒዱልካ፣ ንግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ ክትረክብ መመልከቻ ክተእቱ ትኽእል።
ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ጥራሕ እንድሕር ኣልዩካ፣ ምስ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ኣወዳዲርካ ብዙሕ ትስእኖ ኣለካ። ን ኣብነት ስራሕ ክትሰርሕ ስለ ዘይፍቀደልካ ክትኸውን ስለትኽእል መጻኢኽእ ዘይውሑስ ይኸውን። ስለዚ ኩልጊዜ ናብ ማእክል ምኽሪ ክትኸይድ ኣለካ።
ጌና ኣይተወሰነን፦ ቁልጡፍ ውሳነ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ እንተ ዘይተዋሂቡካ፣ ንውሳነ እንዳተጸበኻ (Aufenthaltsgestattung) ንኽትጸንሕ ን 6 ኣዋርሕ ይፍቀደልካ። ብድጋመ፣ በጃኻ ሽምካን ዕለት ልደትካ ልክዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ውሳነ ናይ ዑቕባ (Aufenthaltsgestattung) እንዳተጸበኻ ንኽትጸንሕ ዝተወሃበካ ፍቓድ እንተወዲቑ፣ መናወሒ ንክውሃበካ ናብ Ausländerbehörde at the Ankunftszentrum or at Hammer Straße 30-34 ኣመልክት።
ምኽሪ ኣብ ምምላስ፦ ናብ ዓድኻ ክትምለስ እንተ ደሊኻ ወይ ድማ ብሰንኪ ምኽላእ ክትምለስ እንተለካ፣ Flüchtlingszentrum, Adenauerallee 10, ምኽሪን ደገፍን ናይ መምለሲ ጉዕዞ ክህበካ ይኽእል።
6 ናይ መንበሪ ፈቓድ ግዝኡ እንተሓሊፍዎ ወይ እንተጠፊእኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
ናይ መንበሪ ፈቓድ ሰነድካ ግዝኡ እንተሓሊፉ ብቕልጡፍ ን Ausländerbehörde ክትረክብ ኣለካ፡፡ ናይ ምንዋሕ መመልከቲ ክተእትው ትኽእል ኢኻ፡፡ በዚ ዝስዕብ ሊንክ ኣቢልካ ኣብ ኦንላይን ክትመልእ ትኽእል ኢኻ፡፡ ፈለማ ነቲ መረዳእታ ፕሮሰስ ምግባር ክትሰማማዕ ኣለካ፡፡ ብምቕፃል ድማ ብዛዕባ ሕጂ ዘለካ ናይ መንበሪ ፈቓድን ኣብ ሂወትካ ብዛዕባ ዘለው ለውጥታት ክትሕተት ኢኻ፡፡ እቶም ሰነዳት ክትፅዕኖም ትኽእል ኢኻ፡፡ እቲ ሕቶኻ ፕሮሰስ ምስ ተገበረ ቆፀሮ ዕለት ክበፅሓካ እዩ፡
እዚ መመልከቲ ምስ አእተውኻ እቲ ናይ መንበሪ ፈቓድ ሰነድካ ተቐባልነት ይህልዎ፡፡ እቲ መመልከቲ ከም ዘእተውካ ዘረጋግፅ መረዳእታ ድማ ክወሃበካ ኣለዎ፡፡ ዘይስሩዕ ሰርትፍኬት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፡፡ መብዛሕትኡ እዋን እዚ እኹል እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ናብቲ ሃገር ክትኣትውን ክትወፅእ እንተድኣ ደሊኻ ንኣብነት ናይ መንበሪ ፈቓድ ሰነድ ሕጂ እውን ቅቡል ከም ዝኾነ ዘርእይ (Fiktionsbescheinigung) መረጋገፂ የድልየካ እዩ፡፡ ኣብቲ ኦንላይን ቅጥዒ በዞም ዝስዕቡ ዘርፍታት መረጋገፂ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ“Wenn Sie uns noch etwas sagen möchten, können Sie das gerne hier eingeben:” (‹‹ዝኾነ ክትሕብረልና እትደልዮ ካልእ ገር እንተድኣ ኣሎ፣ ብኽብረትካ ኣብዚ ኣእትዎ››) ንኣብነት ንስኻ ትፅሕፎ“Sehr geehrte Damen und Herren, ich wäre Ihnen dankbar, wenn Sie mir eine formlose Bescheinigung zusenden könnten, mit der Sie mir die Antragsstellung bestätigen. Mit freundlichen Grüßen” (ዝኸበርካ/ኪ፣ እቲ መመልከቲ ከም ዘእተውኩ ዘረጋግጽ ዘይስሩዕ ሰርትፍኬት ንክትልእኸለይ ይሓትት፡፡ ምስ ሰላም››)
ኩልጊዜ ነዚ ደብዳቤ ምሳኻ ሓዞ። ናይ ነባርነት መሰልካ ናብ ምውዳቑ ይኸይድ እንተ ሃልዩን ደብዳቤ ጌና እንተ ዘይተቐቢልካ ን Ausländerbehörde ርከብ። (m328@amtfuermigration.hamburg.de, +49 40 428992288, ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 8 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፣ ዓርቢ ካብ 8 ቅ.ቐ ክሳብ 12 ድ)
ንመፃኢ ዘድልዩ ናይ መራኸቢ ኣድራሻ መማረፅታት ኣብዚ ምርካብ ይከኣል
ናይ ኣጋጣሚ ናይ ነባርነት መሰልካ እንድሕር ጠፊኡካ ን Ausländerbehörde ክትረኽቦም ኣለካ። ከምዝጠፍኣካ ናይ ጽሑፍ መረጋገጺ (Verlustbescheinigung) ን 14 መዓልታት ዘሰርሕ ካብ Ausländerbehörde (Hammer Straße 30-34) ወሲድካ ን ነባርነት መሰልካ ክትረክብ ቈጸራ ትገብር። ናይ ነባርነት መሰልካ እንድሕር ተሰሪቕካንፖሊስ ክትሕብር ትኽእል።
ንስደተኛታት እንታይ ዓይነት ናይ ምኽሪ ማእኸላት ኣለው?
ኣብዞም ናይ ማእከላት ምኽሪ ሓገዝ ናይ ዕቕባ መስርሕካ ክትረክብ ኢኻ። እቲ ምኽሪ ዝውሃብ ናጻን ብሚስጢር ዝተሓዘን እዩ። ኣብ ማእክል ምኽሪ ዝሰርሑ ሰባት ብዙሕ ዝተፈላለየ ቛንቛታት ይዛረቡ።
flucht•punkt: Eifflerstraße 3, fluchtpunkt@diakonie-hhsh.de, ምምኻር ብ ቴሌፎን ፦ +49 40 43250080 (ሰኑይ 9:30 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ፣ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ)፣ ብ ኣካል ምኽሪ (ዝተመርመረ፣ ዝተኸተበ ወይ ደማ ዝሓወየን ናይ ሕክምና ማስክ ዝለበሰ)፦ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፦www.fluchtpunkt-hamburg.de
Flüchtlingszentrum (ናይ ስደተኛ ምእከል)፦ Adenauerallee 10,ብኽብረትካ ቈጸራ ሓዝ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790 (ሰኑይን ዓርቢን፦ ስዓት 9 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 4 ድ.ቐ፣ ሰሉስን ሓሙስን፦ ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ ን፣ ስዓት 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ፣ ረቡዕ፦ ሰዓት 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ), www.fz-hh.de
.
.
Café Exil: Hammer Straße 10, +49 40 2368216, ሰኑይን ሰሉስን፦ ሰዓት 8 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፣ ሓሙስ፦ 3:30 ድ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ (ን ደቂኣንስትዮ ጥራሕ)፦ 9 ናይ ንጉሆ ክሳብ 1 ናይ ድሕሪ ቐትሪ፣ ሮቡዕ ዕጽው እዩ, http://cafe-exil.antira.info/
Refugee Law Clinic (ንስደተኛ ብናጻ ዝጣበቓ)፦ ናይ ናጻ ሕጋዊ ምምኽእር ኣብ ናይ ዳብሊን መስርሕ፣ ምጥርናፍ ቤተሰብ፣ ምድላዋት ናይ ዑቕባ ምጉት ከምኡውን ጓልን LGBTI ስደተኛታት። ንዝበለጸ ሓበቤታ ናይ መማኸሪ ሰዓታት፦
www.rlc-hh.de
ምኽሪ ብቪድዮ ቻት፦ ዓርቢ 3 ድ.ቐ. ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ክሳብ ሓሙስ ስዓት 8 ድ.ቐ. ብኢ-መይል ተመዝገብ፦ rlc-beratung@uni-hamburg.de (እቲ ተርጓሚ እንተ ኣድሊዩ፣ ብኽብረትካ ከምኡ ኢልካ ጥቐስ)፦ ናይ ቪዲዪ ቻት ሊንክ ምቕባል ብ ኢ-መይል እዩ ክኸውን
ኣብ ናይ ስደተኛታት ሕጊ ስፔሻላይዝ ዝገበሩ ጠበቓታት ዝርዝር ኣድራሻ ኣብዚ ምርካብ ትኽእል
ናይ ምስጓግ ማእሰርቲ ማዕዳ(Abschiebeberatung)
ክሳዕ ትስጎግ ማእሰርቲ ምእሳር(Abschiebehaft)?
ክሳዕ ትስጎግ ምእሳር ልክዕ ከም ምእሳር ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ሰባት እንተድኣ ሃዲሞም ወይ ኣብ ጀርመን ክፀንሑ ዘይተፈቐደሎም ካብ ጀርመን እንተዘይወፅዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም፡፡
ናይ ምስጓግ ማእሰርቲ ምምኻር ኣብ ምንታይ ይሕግዝ?..
ናይ ምስጎግ ምእሳር ምኽሪ ደገፍ ዘቕርበልካ ንምስጎግ እንተድኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒልካ ወይ ንክትስጎግ እንተድኣ ተኣዚዝካ እዩ፡፡
ኣብ እዋን/ድሕሪ ምእሳር ምኽሪ፡ ኣብ ናይ ምስጎግ ማእሰርቲ ምኽሪ ማእኸል ዘለው ሰራሕተኛታት ክሕግዙኻን ቅድሚን ኣብ እዋንን ማእሰርቲ ንዝተጎድኡ ምሕባርን ኣብ እዋን ማእሰርቲ ከም ርክብ ሰብ ክቐርበሎምን ይግባእ።
ናይቲ መእሰርቲ ሕጋውነት ምርግጋፅ፡ ብተወሳኺ ድማ ሰራሕተኛታት ክሳዕ ትስጎግ ምእሳርካ ሕጋዊ ምኳኑን ካሕሳ የድልየካ እንተድኣ ኮይኑ ከረጋግፁ እዮም፡፡
ናብ ቤት ፍርዲ መመልከቲ ምእታው፡ ቅድሚ ምስጎግ ምእሳር ምምኻር እውን መመልከቲ ኣብ ምድላውን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ምእታው ክሕግዘካ ይኽእል እዩ፡፡
ኣቐዲምካ ንክትልቀቕ ፃዕሪ ምግባር፡ ናይ ምስጎግ ምእሳር ምኽሪ ኣገልግሎት ድማ ብቕልጡፍ ካብ ማእሰርቲ ንክትፍታሕ ዝከኣሎ ኩሉ ፃዕሪ ክገብር እዩ፡፡
ኣገዳሲ መረዳእታ
ናይ ምስጎግ ማእሰርቲ ምኽሪ ኣገልግሎት ናይ መንበሪ ፈቓድ ንክትረክብ ክሕግዙኻ ኣይኽእሉን፡፡
ናይ ምስጎግ ማእሰርቲ ማዕዳ ኣገልግሎት ክሕግዘካ እዩ እንተኾነ ግና ዋላኳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እንተተኣሰርካ ካብ ማእሰርቲ ንክትወፅእ ከም ዝገብር መረጋገፂ ክህብ ኣይክእልን፡፡
ዝርዝር ኣድራሻ
ኢሜይል: info@abschiebehaftberatung-nord.de
መርበብ ባይታ: abschiebehaftberatung-nord.de
ናይ መወዳእታ እዋናዊ: 01.08.2024