ኣብ ናይ ዑቕባ ከይዲ ፋይናንሳዊ ደገፍ ይረክብ?
ኣብ Ankunftszentrum (መቐበሊ ስፍራ) ኣብ Rahlstedt, Bargkoppelstieg 10-14 ኣብ ትጸንሓሉ እዋን ገንዘባዊ ደገፍ ክግበረልካ ተመልክት። ብሓፈሽኡ ኣብ Ankunftszentrum ልክዕ ምስ በጻሕካ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ይግባካ እዩ።
ኣብዚ ተመዝጊብካ መረጋገጺ መምጽኢኻ (Ankunftsnachweis) ትውሃብ። ካብዚ መዓልቲ ንኔው (ናይ ሕሉፍ እዋን ዘረኻኽብ) ገንዘባዊ ደገፍ ትውሓብ ኢኻ።.
ኣገዳሲ፦
ገንዘባዊ ደገፍ እንዳ ረኸብካ ኩሉ ግዜ ነጻ ክትከውንን ነቶም ሰብ መዚ ክትረኽቦም ከለኻ ዝሰርሕ ናይ ነባርነት መሰል ክትሕዝ ኣለካ። እንድሕር ናይ መምጽኢ መረጋገጺ (Ankunftsnachweis)፣ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)፣ ወይ ኸኣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ጠፊኡካ ን Ausländerbehörde (ሰበስልጣን ናይ ወጻኢ ዜጋታት) ኣብ Ankunftszentrum ወይ ኣብ Hammer Straße 30-34 ርኸብ። መንበሪ መሰልካ እንድር ጠፊኡካ ወይ ዕለቱ ወዲቑ እንታይ ክትገብር ኣለካ ዝነግር ዝሓሸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/asyl-ti/
መቐበሊን መግቢን
እቲ መቐበሊኻ (Ankunftszentrum ወድ ድማ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung)) ኣንሶላ፣ ናይ መጸራረዪ ፍርያታትን ክዳንን ዝሓዘ ጥማር ከምኡውን ቁርሲ ምሳሕን ድራርን ክቕርቡልካ እዮም። ንፍሉይ መኣዛዊ ኣድላይነት በጃኹም ምስ Sozialmanagement (ናይ ማሕበራዊ ምሕደራ ጉጅለ) ኣብ መዕረፊኻ ዘለዉ ርኸብ። ከም ነባራይ ኣብቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ናይ ኩሉ ህዝባዊ መጓዓዚያ HVV ምጉዓዚ ቲኬት (Mobilitätskarte) ናይ ሃምበርግ ክትውሃብ ኢኻ። ነቲ ናይ መጉዓዚ ቲኬት መጀመርታ ካብ Ankunftszentrum ደሓራይ ድማ ሓደሽቲ ካብ Ausländerbehörde, Hammer Straße 30-34 ክትውሃብ ኢኻ።
መሰረታዊ ጥቕሚታት (Grundleistungen) ኣብ Ankunftszentrumን ኣብ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung)
መሰረታውያን ጥቕሚታት (Grundleistungen) ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ Ankunftszentrum ወይ ድማ ካልእ ናይ መጀመሪያ ናይ መቐበሊ ምእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ትጸንሓሉ ግዜ፣ ገለ ካብ መሰረታዊ ጥቕሚታትካ (Grundleistungen) (ን ኣብነት መግቢን ክዳንን) ከም ዘይገንዘባዊ ጥቕሚን ዝተረፈ ድማ ናይ ገንዘብ ጥቕሚ ክትቕበል ኢኻ። ናይ መጀመሪያ ቦታ ነዚ ሕቶ ዝመልከት ኣብ Sozialmanagement ኣብቲ መቐበሊ ቦታኻ እዩ ዝግበር።
ካብ መሰረታዊ ጥቕምታት ብተወሳኺ ንካልኦት ጥቕምታት ምርካብ መሰል ኣለኩም (Grundleistungen)፡ ካልእ ጥቕምታት ክትረክብ መሰል ኣለካ፦ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንውልቃዊ ድሌታት ንምሽፋን ዝሕግዝ ጥቕምታት (ጥረ ገንዘብ)፡ ሕማም፡ ጥንስን ሕርስን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዝረኽቦ ጥቕምታት ከምኡ’ውን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝረኽብዎ ጥቕምታት፡ እዚ ድማ ኣብ እቲ ውልቃዊ ጉዳይ። ዓይነትን መጠንን ጥቕምታት ኣብ Asylbewerberleistungsgesetz (ሕጊ ሓገዝ ሓተትቲ ዑቕባ) ዝተመሓደረ ኮይኑ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፤https://www.gesetze-im-internet.de/asylblg/BJNR107410993.html
ኣብ Ankunftszentrum ክሳዕ ተቐመጥካ እቲ Ausländerbehörde ኣብኡ ዘሎ ናይ ጥቕሚታት ምሃብን ብጽሑፍ ናይ ዝግበኣካ ጥቕሚታት ምርግጋጽ (Leistungsbescheid) ሓላፍነት ኣልዎ። ልክዕ ኣብቲ ናይ ካልእ ናይ መጀመሪያ መቐበኢ(Erstaufnahmeeinrichtung) ክትቐመጥ ምስ ጀመርካ እቲ Ausländerbehörde ኣብ Hammer Straße 30-34 ዘሎ ጥቕሚታት ምሃብን ብጽሑፍ ናይ ዝግበኣካ ጥቕሚታት ምርግጋጽ (Leistungsbescheid) ሓላፍነት ኣልዎ።
ንናይ መንበሪ መሰልካ መናውሒ እነተ ረኺብካ ንብቑዕ Ausländerbehörde ክትረክብ ኣለካ መታን ሓድሽ ብጽሑፍ መረጋገጺ(Leistungsbescheid) ክትውሃብ (መታን ጥቕሚታት ብቐጻሊ ክግብኣካ)። ናብ Sozialmanagement ኣብ መጽንሒኻ ዝርከብ ቆጸራ ክትገብር ኪድ።
Bezahlkarte (ናይ ክፍሊት ካርድ): SocialCard
SocialCard ንስደተኛታት ብኣምት ፉር ሚግሬሽን ዝወሃብ ናይ ቪዛ ቅድመ ክፍሊት ካርድ እዩ Amt für Migration። ሶሻልካርድ ክትረኽቡ ኢኹም እንተድኣ
- ብመሰረት Asylbewerberleistungsgesetz (ሕጊ ሓገዝ ሓተትቲ ዑቕባ) ንመጀመርታ ግዜ ገንዘብ ምቕባል እምበር ቅድሚ 15/02/2024 ዘይኮነን
- ኣብ ሃምቡርግ ኣብ ዝርከብ Erstaufnahmeinrichtung (ናይ መጀመርታ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ) ይነብሩ።
ካብ Erstaufnahmeinrichtung እንተድኣ ወፂእኻ፣ SocialCard ሒዝካ ትፀንሕ፡፡ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ናብ Folgeunterkunft (ህዝባዊ ካልኣይ ደረጃ መንበሪ) ምስ ገዓዝካ SocialCard ምጥቃምካ ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ፡ ግዴታ ኮይኑ ድማ ይቕጽል።
SocialCard ብዘይ ናይ ባንኪ ሑሳብን ክረዲት መስመር ኣይሰርሕን፡፡ ናብ ካልእ ሒሳብ ምዝዋርን SEPA ቀጥታ ናይ ልቓሕ ግዴታ የለን፡፡ እቲ ካርድ ኣብ ዝኾነ VISA ካርድ ዝሰርሓሉ ማሽን ይሰርሕ፣ እንተኾነ ግና ኣብ ወፃኢ፣ ኢንተርኔ ወይ ጥረገ ገንዘብ ዝውውር፣ ቮቸር ወይ ቁማር ግና ኣይሰርሕን፣
ዕድምኡ ልዕሉ 18 ዝኾነ ሕድሕድ ሰብ ናይ ዓርሱ SocialCard ኣለዎ፡፡ ዕድምኦም ትሕቲ 18 ንዝኾኑ ህፃናት እቲ ገንዘብ ናብ ኣዲኦም ወይ ኣቡኦም SocialCard ይኣትው፡፡ ሓዲኡ ክትመርፁ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ SocialCard ምስ በፅሓኩም እቲ ገንዘብ ኣውቶማቲካሊን ዲጂታሊ ብ Amt für Migration ናብ SocialCard ይኣትው፡፡ እዚ ማለት ድማ ሰበስልጣናት ካብ ሕጂ ንድሓር ናብ ባንኪ ሒሳብ ወይ ብጥረ ኣይኸፍሉን ማለት እዩ፡፡
ብመትከል ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ኣብ ወርሒ 185 ዩሮ ይረክብ። ኩሉ ዓቢ ሰብ (ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን) ኣብ ወርሒ ክሳብ 50 ዩሮ ብጥረ ገንዘብ ከውጽእ ይኽእል። ንነፍሲ ወከፍ ትሕቲ ዕድመ (ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ) ኣብ ወርሒ ተወሳኺ 10 ዩሮ ክስሕብ ይኽእል። እዞም ናይ ገንዘብ ምውጻእ መጠን ገንዘብ ናብ ዝቕጽል ወርሒ ክሰጋገሩ ኣይክእሉን። ካብ ኤቲኤም ገንዘብ ንምውፃእ 2 ይሮ የኽፍለካ፡፡ ካልኦት ክፍሊታት እውን ክትኸፍል ትኽእል ኢኻ፣ ስለዝኾነ ድማ ብኽብረትካ SocialCard ናይ ምጥቃም ስምምዕነት ካርድ ዝርዝር ተወከስ፡፡
ኣብ ሶሻል ካርድ ቴክኒካዊ ፀገም እንተጋጢሙ ብኽብረትካ ኦፊሳላዊ SocialCard – Publk ርኸብ፡፡ ዝርዝር ኣድራሻ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡: https://www.socialcard.de/#c119ንካልኦት ፀገማት ከም ብስሕተት ምስራዝ፣ SocialCar ምስራቕ ወይ ምጥፋእ ተጋጢምካ ን Amt für Migration ክትረክብ ትኽእል ኢኻ asylblg@amtfuermigration.hamburg.de.
ካብ Asylbewerberleistungsgesetz (ዑቕባ ሓተቲ ጥቕሚ ሕጊ)ገንዘብ ዘይትቕበል ኣለኻ እንተደኣ ኮይንካ ንኣብነት ኣብ ናይ ዑቕባ ሕቶ ሓለዋ እንተድኣ ተዋሂካ፣ ንዓርስኻ እኹል ገንዘብ እንተድኣ ኣለካ ወይ ካብ Bürgergeld ፣ Jobcenter ተቐቢልካ SocialCard ብጥቃም ክትቕፅል ኣይትኽእልን፣ እንተኾነ ግና ተወሳኺ ገንዘብ ኣይኣትወልካን፡፡
ተወሳኺ መረዳእታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኃ (ጀርመን፣ ኢንግሊዝኛ፣ ዓረብኛ፣ ፋርሲ፣ ዳሪ፣ ኩርድሽሽ ዩክሬን፣ ሩስያ፣ ትግርኛ)፡ https://www.hamburg.de/politik-und-verwaltung/behoerden/sozialbehoerde/themen/soziales/socialcard/aktuelle-infos-zur-hamburger-socialcard-880348#id1002853385__h2-2.
ጥረ ገንዘብን ባንኪ ሒሳብ
ቅድሚ 15/02/2024 ደገፍ እንተድኣ ረኺብካ ኔርካ ማሕበራዊ ካርድ ኣይወሃበካን እዩ፡፡ እኳድኣስ ነቲ ገንዘብ ብጥረ ገንዘብ ይወሀበካ ወይ ናብ ሒሳብካ ይዘዋወር፡፡
ን ማሕበራዊ ኣማሓዳሪ ጉጀለ ኣድራሻ ናይ “Zahlstelle” ወይ ድማ ናይ “Kasse” (ናይ ክፍሊት ሰደቓ) ካብ ናትካ Sozialmanagement ሕተት። ኩሉግዜ ዘይወደቐ መረጋገጺ መምጽኢ (Ankunftsnachweis)፣ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)ን፣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ኣብቲ ናይ ክፍሊት ሰደቓ ክተቕርብ ኣለካ።
ናይ ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ከለኻ ነቲ ጥቕሚኻ በናይ ባንክ ዘውውር ክትረኽቦ ትኽእል። እዚ ክኸውን መረጋገጺ ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዝኽፈትካ ካብቲ ባንክ ናብ Sozialmanagement ክተምጽእ ኣለካ። ሓበሬታ ብዛዕባ ምኽፋት ናት ባንክ ሕሳብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/banken-ti/
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ናብ ካልኣይ መቐበሊ ምግዓዝ (Folgeunterkunft)
ካብቲ ናይ መጀመሪያ ናይ መቐበሊ ምእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) እንድሕር ግኢዝካ ናብ ካልኣይ መቐበሊ ቦታ (Folgeunterkunft) ወይ ድማ ናብ ናይ ውልቅኻ መንበሪ ገዛ ኣብ እዋን መስርሕ ናይ ዑቕባ፣ ብቐንዱ ናይ ገንዘብ ጥቅሚ ኢኻ ትቕበል። ብንኢሽቶ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዋላ ተቐበል እምበር ንብዙሕ ነገራት ባዕልኻ ኢኻን ትኸፍሎ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ካብ ካልእ ቢሮ ኢኻ ጥቕምታትካ ትቕበል።
ናይ ብቑዕ ቢሮ ኣድራሻ ኣብዚ ትረኽቦ፦ www.hamburg.de/behoerdenfinder/ https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253346/ (ወይ ን“Sozialhilfe, Leistungen für Asylbewerber” ብምድላይ), ብድሕሪኡ ሓድሽ ኣድራሻኻን ሽም እንዳኻን ትመልእ። ክትግዕዝ ከለኽእ ርኸቦም።
ዝዓበይ ኣድላይነት ናይ ጥቕምታት ንህጹጽ ምክንያት
ብሰንኪ ምኽንያት ከም ናይ ጥዕና ጸገም ዕብይ ዝበለ ጥቕሚታት እንተ ኣድልዩካ፣ ነዞም ጥቕሚታት ኣብቲ ብቑዕ ቢሮ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ን Sozialmanagement ንመን ክትረክብ ከምዘለካ ክትሓትት ትኽእል። ኣድላዪ እንት ኾይኑ ንናይ ምኽሪ ምእከል ክሕግዙካ ሕተት (ኣብ ታሕቲ “ሕጋዊ ምኽሪ” ርኣይ).
ምቁራጽ ጥቕሚታት
ኣብ ገለ ኩነታት፣ ን ኣብነት እንድሕር BAMF ናይ ምትሕብባር ግዴታኻ እንድሕር ጥሒስካ ኢሉ ከሲሱካ፣ ጥቕሚኻ ክቋረጽ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ን ማእከል ሕጋዊ ምኽሪ ኪድ።
ናይ ዑቕባ ከይዲ ምስ ወዳእኹ ብኸመይ ፋይናንሳዊ ደገፍ ምርካብ ይኽእል?
ኣወንታዊ ውሳን
ኣፍልጦ ናይ ስደተኛ ደረጃ (Bescheid zum Asylverfahren) ክምትውሃበካ ዝሕብር ወረቐት ናብቲ Ausländerbehörde ኣብ Hammer Straße 30-34 ብቑልጡፍ ብምውሳድ ናይ ዑቕባ ሓታቲ ጥቕሚታትካ ክቋረጽ ሕተት።. ኣብቲ Ausländerbehörde ናይ AOK ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ እንኮላይ ናይ HVV መጓዓዚ ቲኬት (Mobilitätskarte) ተረክቦም። ካብ መጀመርታ ናይ ዝቅጽል ወርሒ እቲ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, ማእከል ስራሕ) ጥቕሚታት ክቕርበልካ ሓላፍነት ኣልዎ።
ናይ ኣካባቢኻ Jobcenter ኣድራሻ ኣብዚ ኽትረኽቦ ትኽእል፦ www.hamburg.de/behoerdenfinder/. ድልይ “Arbeitslosengeld II, für Personen über 25 Jahre” (ልዕሊ 25 ዓመት እንት ኾይንካ) ወይ “Arbeitslosengeld II, für Personen unter 25 Jahre” (ትሕቲ 25 ዓመት እንተ ኾይካ) ብድሕሪኡ ናትካ ኣድራሻ ኣእትው። ንኹሎም ቢሮታውን ኣብዚ ትረኽቦም፦ https://team-arbeit-hamburg.de/standorte/. በብቢሮታት ብምጽቓጥ ቁጽሪ ቴሌፎናት ናይቲ ቢሮ ክትፈልጥን ወይ ድማ ብኦን-ላይን ቆጸራ ትገብር።
ዝስዕቡ ሰነዳት ከድልዩኻ እዮም ንኽትምዝገብ።
- ኣቲ “Einstellungsbescheid” (ትእዛዝ ናይ ጥቕሚታት መቋረጺ)
- ካብ BAMF (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge፣ ፌደራላዊ ቢሮ ንፈለስቲን ስደተኛታትን) ዝመጸ ወረቐት ናይ ስደተኛ ደረጃኻ ኣፍልጦ ከምዝረኽበ (Bescheid zum Asylverfahren) ዝሕብር
- ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነኻ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung) ወይ ድማ ኤልክትሮኒካዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ (elektronische Aufenthaltserlaubnis, eAT)
ኣብ መቐበሊ ንስራሕ ዘይብሎም ዝወሃብ ጥቕሚታት (Arbeitslosengeld II) ንኽትረክብ ኣብ ምምላእ ቕጥዒ መመልካቻ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ሓድሽናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ውጥን ክትመርቕ ኢኻ። ክፍሊት ኣብ ግዜ ናይ ወሊድ ፍቓድ (Elterngeld)ን ናይ ቆልዓ ጥቕሚታት (Kindergeld) ነንበይኑ መመልከቲ ክጽሓፈሉ ኣልዎ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባዚ፦ https://we-inform.de/portal/ti/familie-ti/
እንተ ደሊኻ ዘስተርጉመልካ ሰብ ሒዝካ ናብ ናይ Jobcenter ቆጸራኻ ክተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ናይቲ Jobcenter ሰራሕተኛ ኣብ ምትርጓም ክትሕገዝ ናብ ሆት-ላይን ክድውል ይኽእል እዩ።
ናይ ዑቕባ መሕተቲ መመልከቲ ተነጺጉ እዩ
ክሳብ ብድሌትካ ትኸይድ ወይ ድማ ትስጎግ ከምቲ ትወስዶ ዝነበርካ ወርሓዊ ጥቕሚታት (Grundleistungen) ክትወስድ ይምልከተካ። ኣብ ሓደ እዋን ጥቕሚታትካ ክቋረጽ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ እንተ ኣግጢሙ ናብ ማእከል ሕጋዊ ምኽሪ ኪድ።
ኣብ ገለ እዋናት ወጻኢታት ናይ መምለሲ ናብ ዓድኻ ዝኸውን ናይ መጀመሪ ኣበል ክትውሃብ ትኽእል ኢኻ። ንምኽሪ ብዛዕባ እዚ ናብቲ Flüchtlingszentrum ኪድ (Adenauerallee 10, ቕጸራ ክትገብር ኣለካ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790, ሰኑይ ከምኡውን ዓርቢ: ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 4 ድ.ቐ፣ ሰሉስን ሓሙስን፦ ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ናይ ድ.ቐ፣ ረቡዕ፦ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ)፣ www.fz-hh.de).
ንደቀይ ብኸመይ ፋይናንሳዊ ደገፍ ንምርካብ የመልክት?
ጥንሲ
ካብ መጀመርያ ግዜ ጥንሲ ብፍላይ ኸኣ ደሕሪ ወሊድ ዝተፈላለዩ ጥቕሚታት ክትቐበል ይምልከተኪ። ነዞም ጥቕሚታት ብኸፊል ከም ዘይገንዘባዊ ጥቕሚታትን (ከም ኩፖናትን ክዳውንቲን) ገንዘባዊ ጥቕሚታት ይውሃብ። ነዞም ጥቕሚታት ክትጠልብ ነቲ ብቑዕ ቢሮ ናይቲ Ausländerbehörde ወይ ድማ ን Grundsicherungsamt (Fachamt für Grundsicherung und Soziales, ቢሮ ኣብ ኣድላይነት-ዝተሞርከሰ ናይጥሮታ ደገፍ ኣብ እርጋንን ናይ ትሑት እቶት ዓቕሚን ማሕበራዊ ጉዳያት) ርኸቦም። ን Sozialmanagement ንመን ክትረክብ ከምዘለካ ክትሓትት ትኽእል። ቅድሚ ምውላድኪ ጥራዝ መዝገብ ናይ ጥንስኺ (Mutterpass) ካብ ዶክተርኪ ክተምጽእዮ ኣለኪ። ንምኽሪ፣ ናብ ኣብዚ ዝተመዝገቡ „ጥንሲን ኣዴታትን“ ናይ ምኽሪ ምእከላት ኪዲ፦ https://we-inform.de/portal/ti/familie-ti/
ኮምፒዩየት/ላፕቶፕ ንተምሃሮ
ትሕቲ 25 ዓመት ዝኾኑ ተመሃሮ ላፕቶፕ ተውሰኽቲ ነገራት መግዝኢ ካብ 01/01/2021 ጀሚሩ ይቕበሉ እዮም።
መጀመሪያ እቶም ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮሞኢዩተር ወይ ላፕቶፕ ንክውሃቡ ክሓቱ ኣልዎም። እዚ እንድሕር ዘየለ ተወሳኺ ድሌት (“Mehrbedarf”) ክህልወካ ስለ ዝኾነ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ታብሌትታት፣ ላፕቶፓት፣ ወይ ድማ ኮምፒዩተራትን ተወሰኽቲ ነገራቶምን ምስ ፕሪንተር ክሳብ 350 € እንተውጺኡ እዩ። ነቲ Jobcenter ወይ ድማ እቲ ብቑዕ Grundsicherungsamt ርኸብ።
ን ኣብነት ሕሱር ኮምፒዩተር ካብ ናይ ኣይ.ቲ ኮምዩኒቲ ድኳን (IT-Sozialkaufhäuser) ክትረክብ ትኽእል፦ https://we-inform.de/portal/ti/einkaufen-ti/
ካብ ጀርመን ንምውፃእ እንተድኣ ደሊኻ ኣብ ርእስኻ ክትሕዞ ዝግበኣካ ነገር እንታይ እዩ?
ካብ Jobcenter (ናይ ስራሕ ማእኸል ጉጅለ፣ አርቢት ሃምበርግ፣ ናይ ስራሕ ማእኀል) ጥቕምታት ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ ክድሚ ምውፃእኻ ንዓኻ ሓላፍነት ካብ ዝነበሮም ክልቲኦም ናይ ስራሕ ማእኸላትን Ausläderbehörde(ወፃእተኛታት ሰበስልጣን) ምዝገባኻ ክትስርዝ ኣለካ፡፡
ነቲ ምዝገባ እንተዘየቋሪፅካዮን ዋላኳ ኣብ ሃምበርግ ምንባር እንተቋረፅካ ክትኽሰስ ትኽእል ኢኻ፡፡
ሕጋዊ ማዕዳ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?
ንናይ ሕጊ ሕቶታት ብዛዕባ ዝግብኣካ ጥቅሚታት እንተ ሃልዩካ፣ ንዝኾነ ፍርዲ ትቃወም እንተኾይንካ፣ ወይ ድማ ክፍሊት እንተ ጎዲሉን እቲ ብቑዕ ወኪል ዘይሕግዘካ እንተ ኾይኑ፣ በጃኻ ነዞም ርኸብ፦
Öffentliche Rechtsauskunft (ÖRA)
Dammtorstraße 14, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ +49 40 428433072, (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 8 ቅ.ቐ. ክሳብ 2 ድ.ቐ.)፣ www.hamburg.de/oera/
ንተወሳኺ ሓበሬታ ሕጋዊ ምኽሪ ክትረክብ ኣብኡ ክትምከር ትኽእል። ብቐጥታውን ምስ ጠበቓ ክትማኸር ትኽእል። እንተ ኾነ፣ እዚ ከምልሙድ ብዙሕ ክፍሊት ኣልዎ።
Hamburg Welcome Centre
Hamburg Welcome Centre ናይ ከተማ ሃምበር ኦፊሳላዊ ትካል እዩ፡፡ እዚ ማእኸል ድማ ኣብ ሃምበርግ ንክትነብሩ ዝሕግዘኩም ማዕዳን ደገፍን የቕርብ፡፡ ካብዚኣቶም ውሽጢ እቲ ሓደ ድማ እቲ መርበብ ባይታ ብዛዕባ ናይ ጀርመን ናይ ግብሪ ስርዓትን ኣብ ጀርመን ብኸመይ ባንኪ ሒሳብ ከም ትኸፍቱ ይገልፅ፡፡ Süderstraße 32 b, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ info@welcome.hamburg.de, +49 40 428395555 (ክኣብ ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ 9 ቅ.ቐ – 3 ድ.ቐ፣ ሓሙስ ካብ ሰዓት 10 ቅ.ቐ ክሳብ 8 ድ.ቐ፣ ዓርቢ ካብ 9 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)), https://welcome.hamburg.de/leben-in-hamburg/bank-und-steuern.
ናይ Hamburg Welcome Centre መንግስታዊ ሰበስልጣን ስለዝኾነ እቲ መረዳእታ ብናይቲ ከተማ መምርሕታት ዝፅለው ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ በዞ ምኽንያት ድማ ዝሓሸ ማዕዳ ንምርካብ ብውልቀኻ መረዳእታ ምርካብ ምፍታን ይመዓድ፡፡ ኣብ ሃምበርግ ብናፃ ዝቐርብ መማረፂ ድማ Rechtshilfe Fluchtpunkt እዩ፡፡ እዚ ትካል ድማ ንስደተኛታት ሕጋዊ ደገፍ ብምቕራብ ስፔሻላይዝ ይገብር፡፡ Eifflerstraße 3, fluchtpunkt@diakonie-hhsh.de, ምምኻር ብ ቴሌፎን ፦ +49 40 43250080 (ሰኑይ 9:30 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ፣ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ)፣ ብ ኣካል ምኽሪ (ዝተመርመረ፣ ዝተኸተበ ወይ ደማ ዝሓወየን ናይ ሕክምና ማስክ ዝለበሰ)፦ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፦www.fluchtpunkt-hamburg.de
Last Updated: 01.10..2024