ኣብ እዋን መስርሕ ናይ ዑቕባ

ኣብ Ankunftszentrum (መቐበሊ ስፍራ) ኣብ Rahlstedt, Bargkoppelstieg 10-14 ኣብ ትጸንሓሉ እዋን ገንዘባዊ ደገፍ ክግበረልካ ተመልክት። ብሓፈሽኡ ኣብ Ankunftszentrum ልክዕ ምስ በጻሕካ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ይግባካ እዩ።

ኣብዚ ተመዝጊብካ መረጋገጺ መምጽኢኻ (Ankunftsnachweis) ትውሃብ። ካብዚ መዓልቲ ንኔው (ናይ ሕሉፍ እዋን ዘረኻኽብ) ገንዘባዊ ደገፍ ትውሓብ ኢኻ።.

ኣገዳሲ፦
ገንዘባዊ ደገፍ እንዳ ረኸብካ ኩሉ ግዜ ነጻ ክትከውንን ነቶም ሰብ መዚ ክትረኽቦም ከለኻ ዝሰርሕ ናይ ነባርነት መሰል ክትሕዝ ኣለካ። እንድሕር ናይ መምጽኢ መረጋገጺ (Ankunftsnachweis)፣ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)፣ ወይ ኸኣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ጠፊኡካ ን Ausländerbehörde (ሰበስልጣን ናይ ወጻኢ ዜጋታት) ኣብ Ankunftszentrum ወይ ኣብ Hammer Straße 30-34 ርኸብ። መንበሪ መሰልካ እንድር ጠፊኡካ ወይ ዕለቱ ወዲቑ እንታይ ክትገብር ኣለካ ዝነግር ዝሓሸ ሓበሬታ ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/asyl-ti/

መቐበሊን መግቢን
እቲ መቐበሊኻ (Ankunftszentrum ወድ ድማ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung)) ኣንሶላ፣ ናይ መጸራረዪ ፍርያታትን ክዳንን ዝሓዘ ጥማር ከምኡውን ቁርሲ ምሳሕን ድራርን ክቕርቡልካ እዮም። ንፍሉይ መኣዛዊ ኣድላይነት በጃኹም ምስ Sozialmanagement (ናይ ማሕበራዊ ምሕደራ ጉጅለ) ኣብ መዕረፊኻ ዘለዉ ርኸብ። ከም ነባራይ ኣብቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ናይ ኩሉ ህዝባዊ መጓዓዚያ HVV ምጉዓዚ ቲኬት (Mobilitätskarte) ናይ ሃምበርግ ክትውሃብ ኢኻ። ነቲ ናይ መጉዓዚ ቲኬት መጀመርታ ካብ Ankunftszentrum ደሓራይ ድማ ሓደሽቲ ካብ Ausländerbehörde, Hammer Straße 30-34 ክትውሃብ ኢኻ።

መሰረታዊ ጥቕሚታት (Grundleistungen) ኣብ Ankunftszentrumን ኣብ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung)
መሰረታውያን ጥቕሚታት (Grundleistungen) ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ Ankunftszentrum ወይ ድማ ካልእ ናይ መጀመሪያ ናይ መቐበሊ ምእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ትጸንሓሉ ግዜ፣ ገለ ካብ መሰረታዊ ጥቕሚታትካ (Grundleistungen) (ን ኣብነት መግቢን ክዳንን) ከም ዘይገንዘባዊ ጥቕሚን ዝተረፈ ድማ ናይ ገንዘብ ጥቕሚ ክትቕበል ኢኻ። ናይ መጀመሪያ ቦታ ነዚ ሕቶ ዝመልከት ኣብ Sozialmanagement ኣብቲ መቐበሊ ቦታኻ እዩ ዝግበር።

ኣብ Ankunftszentrum ክሳዕ ተቐመጥካ እቲ Ausländerbehörde ኣብኡ ዘሎ ናይ ጥቕሚታት ምሃብን ብጽሑፍ ናይ ዝግበኣካ ጥቕሚታት ምርግጋጽ (Leistungsbescheid) ሓላፍነት ኣልዎ። ልክዕ ኣብቲ ናይ ካልእ ናይ መጀመሪያ መቐበኢ(Erstaufnahmeeinrichtung) ክትቐመጥ ምስ ጀመርካ እቲ Ausländerbehörde ኣብ Hammer Straße 30-34 ዘሎ ጥቕሚታት ምሃብን ብጽሑፍ ናይ ዝግበኣካ ጥቕሚታት ምርግጋጽ (Leistungsbescheid) ሓላፍነት ኣልዎ።

ንናይ መንበሪ መሰልካ መናውሒ እነተ ረኺብካ ንብቑዕ Ausländerbehörde ክትረክብ ኣለካ መታን ሓድሽ ብጽሑፍ መረጋገጺ(Leistungsbescheid) ክትውሃብ (መታን ጥቕሚታት ብቐጻሊ ክግብኣካ)። ናብ Sozialmanagement ኣብ መጽንሒኻ ዝርከብ ቆጸራ ክትገብር ኪድ።

 

ገንዘብ
ን ማሕበራዊ ኣማሓዳሪ ጉጀለ ኣድራሻ ናይ “Zahlstelle” ወይ ድማ ናይ “Kasse” (ናይ ክፍሊት ሰደቓ) ካብ ናትካ Sozialmanagement ሕተት። ኩሉግዜ ዘይወደቐ መረጋገጺ መምጽኢ (Ankunftsnachweis)፣ ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)ን፣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ኣብቲ ናይ ክፍሊት ሰደቓ ክተቕርብ ኣለካ።

ናይ ባንክ ሒሳብ
ናይ ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ከለኻ ነቲ ጥቕሚኻ በናይ ባንክ ዘውውር ክትረኽቦ ትኽእል። እዚ ክኸውን መረጋገጺ ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዝኽፈትካ ካብቲ ባንክ ናብ Sozialmanagement ክተምጽእ ኣለካ። ሓበሬታ ብዛዕባ ምኽፋት ናት ባንክ ሕሳብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/banken-ti/

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ናብ ካልኣይ መቐበሊ ምግዓዝ (Folgeunterkunft)

ካብቲ ናይ መጀመሪያ ናይ መቐበሊ ምእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) እንድሕር ግኢዝካ ናብ ካልኣይ መቐበሊ ቦታ (Folgeunterkunft) ወይ ድማ ናብ ናይ ውልቅኻ መንበሪ ገዛ ኣብ እዋን መስርሕ ናይ ዑቕባ፣ ብቐንዱ ናይ ገንዘብ ጥቅሚ ኢኻ ትቕበል። ብንኢሽቶ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዋላ ተቐበል እምበር ንብዙሕ ነገራት ባዕልኻ ኢኻን ትኸፍሎ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ካብ ካልእ ቢሮ ኢኻ ጥቕምታትካ ትቕበል።

ናይ ብቑዕ ቢሮ ኣድራሻ ኣብዚ ትረኽቦ፦ www.hamburg.de/behoerdenfinder/ https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253346/ (ወይ ን“Sozialhilfe, Leistungen für Asylbewerber” ብምድላይ), ብድሕሪኡ ሓድሽ ኣድራሻኻን ሽም እንዳኻን ትመልእ። ክትግዕዝ ከለኽእ ርኸቦም።

ዝዓበይ ኣድላይነት ናይ ጥቕምታት ንህጹጽ ምክንያት

ብሰንኪ ምኽንያት ከም ናይ ጥዕና ጸገም ዕብይ ዝበለ ጥቕሚታት እንተ ኣድልዩካ፣ ነዞም ጥቕሚታት ኣብቲ ብቑዕ ቢሮ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ን Sozialmanagement ንመን ክትረክብ ከምዘለካ ክትሓትት ትኽእል። ኣድላዪ እንት ኾይኑ ንናይ ምኽሪ ምእከል ክሕግዙካ ሕተት (ኣብ ታሕቲ “ሕጋዊ ምኽሪ” ርኣይ).

ምቁራጽ ጥቕሚታት

ኣብ ገለ ኩነታት፣ ን ኣብነት እንድሕር BAMF ናይ ምትሕብባር ግዴታኻ እንድሕር ጥሒስካ ኢሉ ከሲሱካ፣ ጥቕሚኻ ክቋረጽ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ን ማእከል ሕጋዊ ምኽሪ ኪድ።

ናይ ዑቕባ መስርሕ ኣብ ዝተፈጸመሉ።

ኣወንታዊ ውሳን
ኣፍልጦ ናይ ስደተኛ ደረጃ (Bescheid zum Asylverfahren) ክምትውሃበካ ዝሕብር ወረቐት ናብቲ Ausländerbehörde ኣብ Hammer Straße 30-34 ብቑልጡፍ ብምውሳድ ናይ ዑቕባ ሓታቲ ጥቕሚታትካ ክቋረጽ ሕተት።. ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምዕቖቢኻ ንዘሎ Sozialmanagement ብምሕታት ቆጸራ ክትገብር ኣለካ። ኣብቲ Ausländerbehörde ናይ AOK ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ እንኮላይ ናይ HVV መጓዓዚ ቲኬት (Mobilitätskarte) ተረክቦም። ካብ መጀመርታ ናይ ዝቅጽል ወርሒ እቲ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, ማእከል ስራሕ) ጥቕሚታት ክቕርበልካ ሓላፍነት ኣልዎ።

ናይ ኣካባቢኻ Jobcenter ኣድራሻ ኣብዚ ኽትረኽቦ ትኽእል፦ www.hamburg.de/behoerdenfinder/. ድልይ “Arbeitslosengeld II, für Personen über 25 Jahre” (ልዕሊ 25 ዓመት እንት ኾይንካ) ወይ “Arbeitslosengeld II, für Personen unter 25 Jahre” (ትሕቲ 25 ዓመት እንተ ኾይካ) ብድሕሪኡ ናትካ ኣድራሻ ኣእትው። ንኹሎም ቢሮታውን ኣብዚ ትረኽቦም፦ https://team-arbeit-hamburg.de/standorte/. በብቢሮታት ብምጽቓጥ ቁጽሪ ቴሌፎናት ናይቲ ቢሮ ክትፈልጥን ወይ ድማ ብኦን-ላይን ቆጸራ ትገብር።

ዝስዕቡ ሰነዳት ከድልዩኻ እዮም ንኽትምዝገብ።

  • ኣቲ “Einstellungsbescheid” (ትእዛዝ ናይ ጥቕሚታት መቋረጺ)
  • ካብ BAMF (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge፣ ፌደራላዊ ቢሮ ንፈለስቲን ስደተኛታትን) ዝመጸ ወረቐት ናይ ስደተኛ ደረጃኻ ኣፍልጦ ከምዝረኽበ (Bescheid zum Asylverfahren) ዝሕብር
  • ፍቓድ መጽንሒ ክሳብ ናይ ዑቅባ ውሳነኻ ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung) ወይ ድማ ኤልክትሮኒካዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ (elektronische Aufenthaltserlaubnis, eAT)

ኣብ መቐበሊ ንስራሕ ዘይብሎም ዝወሃብ ጥቕሚታት (Arbeitslosengeld II) ንኽትረክብ ኣብ ምምላእ ቕጥዒ መመልካቻ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ሓድሽናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ውጥን ክትመርቕ ኢኻ። ክፍሊት ኣብ ግዜ ናይ ወሊድ ፍቓድ (Elterngeld)ን ናይ ቆልዓ ጥቕሚታት (Kindergeld) ነንበይኑ መመልከቲ ክጽሓፈሉ ኣልዎ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባዚ፦ https://we-inform.de/portal/ti/familie-ti/

እንተ ደሊኻ ዘስተርጉመልካ ሰብ ሒዝካ ናብ ናይ Jobcenter ቆጸራኻ ክተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ናይቲ Jobcenter ሰራሕተኛ ኣብ ምትርጓም ክትሕገዝ ናብ ሆት-ላይን ክድውል ይኽእል እዩ።

ናይ ዑቕባ መሕተቲ መመልከቲ ተነጺጉ እዩ

ክሳብ ብድሌትካ ትኸይድ ወይ ድማ ትስጎግ ከምቲ ትወስዶ ዝነበርካ ወርሓዊ ጥቕሚታት (Grundleistungen) ክትወስድ ይምልከተካ። ኣብ ሓደ እዋን ጥቕሚታትካ ክቋረጽ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ እንተ ኣግጢሙ ናብ ማእከል ሕጋዊ ምኽሪ ኪድ።

ኣብ ገለ እዋናት ወጻኢታት ናይ መምለሲ ናብ ዓድኻ ዝኸውን ናይ መጀመሪ ኣበል ክትውሃብ ትኽእል ኢኻ። ንምኽሪ ብዛዕባ እዚ ናብቲ Flüchtlingszentrum ኪድ (Adenauerallee 10, ቕጸራ ክትገብር ኣለካ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790, ሰኑይ ከምኡውን ዓርቢ: ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 4 ድ.ቐ፣ ሰሉስን ሓሙስን፦ ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ናይ ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ናይ ድ.ቐ፣ ረቡዕ፦ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ)፣ www.fz-hh.de).

ተወሳኺ ጥቕሚታት ን ቆለውዕ

ጥንሲ

ካብ መጀመርያ ግዜ ጥንሲ ብፍላይ ኸኣ ደሕሪ ወሊድ ዝተፈላለዩ ጥቕሚታት ክትቐበል ይምልከተኪ። ነዞም ጥቕሚታት ብኸፊል ከም ዘይገንዘባዊ ጥቕሚታትን (ከም ኩፖናትን ክዳውንቲን) ገንዘባዊ ጥቕሚታት ይውሃብ። ነዞም ጥቕሚታት ክትጠልብ ነቲ ብቑዕ ቢሮ ናይቲ Ausländerbehörde ወይ ድማ ን Grundsicherungsamt (Fachamt für Grundsicherung und Soziales, ቢሮ ኣብ ኣድላይነት-ዝተሞርከሰ ናይጥሮታ ደገፍ ኣብ እርጋንን ናይ ትሑት እቶት ዓቕሚን ማሕበራዊ ጉዳያት) ርኸቦም። ን Sozialmanagement ንመን ክትረክብ ከምዘለካ ክትሓትት ትኽእል። ቅድሚ ምውላድኪ ጥራዝ መዝገብ ናይ ጥንስኺ (Mutterpass) ካብ ዶክተርኪ ክተምጽእዮ ኣለኪ። ንምኽሪ፣ ናብ ኣብዚ ዝተመዝገቡ „ጥንሲን ኣዴታትን“ ናይ ምኽሪ ምእከላት ኪዲ፦ https://we-inform.de/portal/ti/familie-ti/

ኮምፒዩየት/ላፕቶፕ ንተምሃሮ

ትሕቲ 25 ዓመት ዝኾኑ ተመሃሮ ላፕቶፕ ተውሰኽቲ ነገራት መግዝኢ ካብ 01/01/2021 ጀሚሩ ይቕበሉ እዮም።

መጀመሪያ እቶም ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮሞኢዩተር ወይ ላፕቶፕ ንክውሃቡ ክሓቱ ኣልዎም። እዚ እንድሕር ዘየለ ተወሳኺ ድሌት (“Mehrbedarf”) ክህልወካ ስለ ዝኾነ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ታብሌትታት፣ ላፕቶፓት፣ ወይ ድማ ኮምፒዩተራትን ተወሰኽቲ ነገራቶምን ምስ ፕሪንተር ክሳብ 350 € እንተውጺኡ እዩ። ነቲ Jobcenter ወይ ድማ እቲ ብቑዕ Grundsicherungsamt ርኸብ።

ን ኣብነት ሕሱር ኮምፒዩተር ካብ ናይ ኣይ.ቲ ኮምዩኒቲ ድኳን (IT-Sozialkaufhäuser) ክትረክብ ትኽእል፦ https://we-inform.de/portal/ti/einkaufen-ti/

ሕጋዊ ምኽሪ

ንናይ ሕጊ ሕቶታት ብዛዕባ ዝግብኣካ ጥቅሚታት እንተ ሃልዩካ፣ ንዝኾነ ፍርዲ ትቃወም እንተኾይንካ፣ ወይ ድማ ክፍሊት እንተ ጎዲሉን እቲ ብቑዕ ወኪል ዘይሕግዘካ እንተ ኾይኑ፣ በጃኻ ነዞም ርኸብ፦

Öffentliche Rechtsauskunft (ÖRA)
Dammtorstraße 14, በጃኹም ቆጸራ ግበሩ +49 40 428433072, (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 8 ቅ.ቐ. ክሳብ 2 ድ.ቐ.)፣ www.hamburg.de/oera/

ንተወሳኺ ሓበሬታ ሕጋዊ ምኽሪ ክትረክብ ኣብኡ ክትምከር ትኽእል። ብቐጥታውን ምስ ጠበቓ ክትማኸር ትኽእል። እንተ ኾነ፣ እዚ ከምልሙድ ብዙሕ ክፍሊት ኣልዎ።

Last Updated: 12.01.2022