ኣብ ጀርመን ኩሎም ቆለውዕ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ መሰልን ግዴታን ኣልዎም። እዚ ንደቂ ስደተኛታትን ወረቐት ዘይብሎም ቆልዑት እውን ይምልከት። ኣብ ቤት ትምህርቲ ምምሃር ክፍሊት የብሉን

ብዙሓት ቀዋሚ ሞያታት ተወሳኺ ትምህርቲ ይድልዮም እዩ። ካላይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ካብ ኮሌጅን ዩኒቨርሲቲ ይርከብ። እቲ ኻልእ ተኽእሎ ብ ጀማርነት (Ausbildung) ጌርካ ብዛዕባ ስራሕ ክትመሃር ትኽእል።

ቤት ትምህርቲ

ኣብ ሃምበርግ ልዕሊ 6 ዓመት ዝኾኑ ቆለውዕ ኣብ Grundschule (መባእታ ደረጃ ቤት ትምህርቲ) ይመሃሩ። ድሕሪ 4 ዓመት እቶም ተምሃሮ ናብ ካላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ይቕይሩ (weiterführende Schule)፦ Gymnasium ወይ ድማ Stadtteilschule. ኣብ Stadtteilschule ተመሃሮ “Abitur” (A ደረጃታት፦ ብቕዓት መእተዊ ንዝለዓለ ትምህርቲ) ዝተብሃለ ድሕሪ 9 ዓመት ይወስዱ። ኣብ Gymnasium ተምሃሮ ድሕሪ 8 ዓመት እዮም ፈተና ዝወስዱ። ኣብ ክልቲኡ ካላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲታት (weiterführende Schulen) ተመሃሮ ን “ersten allgemeinbildenden Schulabschluss” (ሓፈሻዊ ትምህርቲ ናይ መልቀቒ ቤት ትምህርቲ ምስክርነት ወረቐት) ድሕሪ 9ይ ክፍሊን እቲ “mittleren Schulabschluss” (ማእከላይ ቤት ትምህርቲ መልቀቒ ምስክርነት ወረቐት፣ ንጀማርነት ብቕዓት) ድማ ድሕሪ 10ይ ክፍሊ ክሕዝዎ ይኽእሉ።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲታት ጌና ቋንቋ ጀርመን ክዛረቡ ዘይኽእሉ ቆለውዕ ብሓፈሽኡ ናብ ዓለምለኻዊ ትምህርቲታት እዮም ዝወስዱ („Internationale Vorbereitungsklassen“ ወይ ድማ „Basisklassen“) ኣብ መጀመርታ። ኣብኡ ፍሉይ ኣስተምህሮን ናይ ጀርመን ትምህርቲ ይወስዱ። ብጀርመንን እንግሊዘኛን ዝበለጸ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ፦ https://welcome.hamburg.de/schule/7041194/sprachkenntnisse/, https://www.hamburg.com/welcome/living/school/11864938/language-skills/

ውላድካ ኣብቲ ግቡእ ናይ ትምህርቲ ክፍሊ ንኽምደብ በጃኻ ምኽሪ ድልይ፦

ብዛዕባ ናይ ስርዓት ትምህርቲ ኣብ ሃምበርግ ዝሕብር መምርሒ ጽሑፍ ኣብዚ ትረክብ (ብ ጀርመንን እንግሊዘኛን)፦ https://www.hamburg.com/contentblob/11701412/cc3437464ee3026c60bd33d18dfa2bd7/data/understanding-school-in-hamburg.pdf

ንዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ሃምበርግ ዝርከባ ቤት ትምህርትታት፦

www.hamburg.de/schule/

www.hamburg.de/bsb/elterninfo

ዝሓደሸ ሓበሬታ ንሃምበርግ ዘለዉ ወለዲ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲታት ኣብ ፖድካስት ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል (ብ ጀርመን፣ እንግሊዝኛ፣ ዓርብ፣ ፋርሲ፣ ኩርማንጂ)፦ www.li.hamburg.de/skm/podcasts

ብዛዕባ ምምዝጋብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝበለጸ ሓበሬታን ኣብዚ ትረክብ፦

  • Schulinformationszentrum (ናይ ቤት ትምህርቲ ምእከል ሓበሬታ)ካብ 6 ክሳብ 16 ዕማት ንዘልዉ ቆለውዕ፦ Hamburger Straße 125a, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦
    schulinformationszentrum@bsb.hamburg.de, +49 40 428 992211 (ሰሉስ 2 ድ.ቐ – 4 ድ.ቐ፣ ረቡዕን ሓሙስን 10 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)), https://www.hamburg.de/bsb/siz/
  • Informationszentrum des Hamburger Instituts für Berufliche Bildung (ሃምበርግ ኢንስቲትዩት ናይ ሞያዊ ትምህርቲን ስልጠናን) ን 16ን ለዕሊኡን መንእሰያት፦ Hamburger Straße 125a, informationszentrum@hibb.hamburg.de, + 49 40 42863 4236 ((ሰኑይ ን ሰሉስን 9 ቅ.ቐ – 5 ቅ.ቐ፣ ረቡዕ 9 ቅ.ቐ – 1 ድ.ቐ ፣ ሓሙስ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ 9 ቅ.ቕ – 1 ድ.ቕ)፣ https://hibb.hamburg.de/beratung-service/informationszentrum-hibb/

ደቅኹም ኮምፒዩተር፣ ላፕቶፕ፣ ወይ ካልእ ተወሳኺ ነገር ኣድልይዎም ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻy ነዚውን። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/finanzielle-unterstuetzung-ti/.

ናይ ቤት ትምህርቲ ምስክር ወረቐትካ ኣፍልጦ ክረክብ

ናብ Stadtteilschule ወይ ድማ Gymnasium ንምእታው ናይ ትምህርቲ ምስክርነት ወረቐትካ ኣፍልጦ ክረክብ ኣልዎ። ናብ ዝለዓለ ናት ትምህርቲ ተቕዋም ንምእታው ናይ ቤት ትምህርቲ ምልቀቒ ምስክር ወረቐትካ ኣፍልጦ ክረክብ ኣልዎ።

  • Schulinformationszentrum (SIZ) (ናይ ቤት ትምህርቲ ማእከል ሓበሬታ): Hamburger Straße 125a, schulinformationszentrum@bsb.hamburg.de, +49 40 428 99 22 11 (ሰሉስ 2 ድ.ቐ – 4 ድ.ቐ፣ ረቡዕን ሓሙስን 10 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)) hamburg.de/bsb/siz
  • Diakonisches Werk Hamburg: Zentrale Anlaufstelle Anerkennung (ZAA)
  • ትምህርቲኻ ክትጅምር ትሓስብ ኣለኻ፣ ብቐጥታ ናብ ዝመረጽካዮ ዝልዓለ ናይ ትምህርቲ ተቕዋም ክትረክቦም ዝበለጸ እዩ።
ዝለዓለ ትምህርቲ

ገለገለ ቀዋሚ ሞያታት ኣብ ጀርመን ዝለዓለ ትምህርቲ የድልዮም እዩ፣ ከም መምህር ምዃንን ጠበቓ ምዃን። እቲ ቅድመኹነታዊ ነገር ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ንምእታው ከም ልሙድ እቲ ዝከኣል ዝለዓለ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ መልቀቒ ምስክርነት ወረቐት እዩ (ኣብ ጀርመን ንኣብነት እቲ Abitur እዩ)። ከምቲ ልሙድ ንዝለዓለ ትምህርታዊ መደብ ኣብ ጥሪን ሓምለን ክተመልክት ትኽእል።

እቲ ካልእ ቅድመኩነታዊ ነገር ንምምሃር ኣብ ቋንቋ ጀርመን ደረጃ C1ን እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ምምሃር ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.study-in-germany.de/fluechtlinge/

ሓፈሻዊ መግለጺ መስርሕ መመልከቲ፦

1. ናይ ዩኒቨርሲትይ መመልከቻ

ምጽናሕ ኣብ ሃምበርግ
ልዕሊ 20 ዩኒቨርስቲ ኣብ ሃምበርግ ኣልዉ (www.metropolregion.hamburg.de/hochschulen/272070/hochschulen-hamburg/). እቶም ሰለስተ ዝዓበዩ፣ Universität Hamburg (ናይ ሃምበርግ ዩኒቨርስቲ) (UHH, www.uni-hamburg.de), Hochschule für Angewandte Wissenschaften Hamburg (ሃምበርግ ናይ ተግባራዊ ስነፍልጠት ዩኒቨርስቲ) (HAW, www.haw-hamburg.de) and the Technische Universität Hamburg (ሃምበርግ ናይ ቴክኖሎጂ ዩኒቨርስቲ) (TUHH, www.tuhh.de)

  • ንመበገሲ ናይ ሓፈሻዊ መግለጺ እቲ መስርሕ መመልከቻ ን “Uni assist” ርኣይ (uni-assist.de/bewerben/, +49 30 201 646 001,ካብ ሰኑይ – ዓርቢ ሰዓት 9 ቅ.ቐ.- 3 ድ.ቐ ፣ ናይ ርክብ ኣገባብ፦ https://www.uni-assist.de/kontakt/) ን “ኣብ ጀርመን ተመሃር” (ብጀርመንን እንግሊዘኛን፦ www.study-in-germany.de/fluechtlinge/).
  • ዘበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ መደባት ኣብዚ ይርከብ እዩ፦ “Hochschulkompass” (hochschulkompass.de).

2. ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ብቅዓት ኣፍልጦ ምሃብ

  • ካብ ዓድኻ ዘምጻእካዮ ምስክርነት ወረቐት ኣብ ጀርመን ክትመሃር የኸእለካ ይኸውን እዩ። ካብዞም ኣፍልጦ ይርድልየካ እዩ (ZAA Hamburg፣ zaa@diakonie-hamburg.de, anlaufstelle-anerkennung.de)
  • ሰርተፊኬትካ ኣብ ጀርመን ክትመሃር ዝአየኽእለካ እንተኽዕይኑ፣ እቲ ትኽእሎ ንኣብነት ናብ Studienkolleg (take foundation courses) ብምኻድ ናይ ዝለዓለ መእተዊ ብቕዓት ብትምህርቲን መምዘኒ ፈተናን (Feststellungsprüfung) ኣቢሉ ምሓዝ የኽእለካ። (studienkolleg-hamburg.de/feststellung/).ጫፍ፦ ናይ ኣጋጣሚ መስክር ወረቐት እንተዘይብልካ ብቕዓትካ ብፈተና ክተረጋግጽ ትኽእል። እዚ ዝኸውን ኣብቲ ክትመሃረሉ ተደሊ ትቕዋም እዩ (ን ኣብነት ኣብ ሃምበርግ ዩኒቨርስቲ)።https://www.uni-hamburg.de/campuscenter/bewerbung/international/plausibilitaetspruefung.html).

3. ናይ ጀርመን ቋንቋ ክእለት መረጋገጺ
ኣብ ጀርመን ዘልዋ ዩኒቨርስቲታት ናይ ጀርመን ቋንቋ ደረጃ C1 እየን ዝሓታ።

  • ኣብ ጀርመን ንክትመሃር እኹል ናይ ቋንቋ ደረጃ ከምዘለካ ፈተና እዩ ክውሰን ይከኣል (ን ኣብነት TestDaF, TELC).
  • ንመዳለዊ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባዚ ምኽሪ ርኸብ ካብ “Bildungsberatung CJD” (ኣብ ታሕቲ ርኣይ)።ዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ብኸመይ ቋንቋ ጀርመን ትመሃር ኣብዚ ክትረክብ ጥኽእል፦ https://we-inform.de/portal/ti/deutsch-lernen-ti/.
ሕእገዝን ደገፍን ናብ ዩኒቨርስቲ ሃምበርግ ኣብ ምምልካት
  • Bildungsberatung CJD
    ምኸሪ ንክምሃሩ ዘደልዩ ሰባት (ኣርእስትታት ከም ኣፍልጦ ምሃብ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይ ትጸንሖ ግዜ ንድፊ ምውጻእ፣ ገንዘባዊ ደገፍን ብተወሰኽቲ ትምህርትታትን ናይ ቋንቋ ትምህርትን ን መጽናዕትካ ትዳለው)
    ትወሳኺ ሓበሬታ ብ ጀርመን፦ cjd-hamburg.de/angebote/bildungsberatung-garantiefonds-hochschule/
    ትወሳኺ ሓበሬታ ብ እንግሊዘኛ፣ ዓረብ፣ ንፋርሲን፣ ሩስያን፦ https://bildungsberatung-gfh.de/wde/ueber-uns/informationen.php

    ምኽሪ ብ ጀርመን፣ እንግሊዘኛን፣ ሩስያን። ኣስተርጓሚ ክተምጽእ ትኽእል ኢኻ። በጃኻ ቆጸራ ግበር፦

    • wiehe@cjd.de, +49 40 211 118 118 (ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 9 ቅ.ቐ – 5 ድ.ቐ)
    • viviane.lagodzki@cjd.de, +49 040 211 118 117 (ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 9 ቅ.ቐ – 5 ድ.ቐ)
    • #UHHhilft – Studienorientierung für Geflüchtete: ናይ ሃምበርግ ዩኒቭርስቲ ናይ ምእዘና መደብ ብፍሉይ ንስደተኛታት ዝተብሃለ ይህብ እዩ፦ uhhhilft@uni-hamburg.de, +49 40 42838 4547 (ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 10 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)), ብ ዙም፦ ናይ ኣኼባ መለልዪ፦ 981 6496 4227, ፓስዎርድ : 615237 (ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 1 ድ.ቐ – 4 ድ.ቐ)፣ uni-hamburg.de/uhhhilft.html
    • HAW: Arbeitsstelle Migration
      በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ kompetenz-kompakt@haw-hamburg.de, +49 40 428 75 9857, https://www.haw-hamburg.de/international/gefluechtete/መማኸሪ ማእከላት ንስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርስቲ
ጀማራይነት (Ausbildung)

ጀማራይነት (Ausbildung) ኣማራጺ ካብ ናይ ዩኒቭርሲቲ ምምሃር እዩ ፣ እዚ ማለት ክእለት ዘድልዮ ስራሕን ምያን ትመሃረሉ። Abitur ዘድሊ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ናይ ባኒ ሰንካቲ፣ ነርስን፣ ሽያጣይን ትምህርትን ስራሕን እንዳ ሓዋወስካ ሞያ ትመሃር። እቲ ዘድሊ ናይ ቋንቋ ደረጃ ኣብቶም ንስልጠናኻ ሃልፍነት ዝወሰዱ ሰባት ይሙርከስ።

ብልክዕ ኣብ ኣየናይ ጀማራይነት (Ausbildung) ድሌት ከም ዘለካ ንምፍላጥ ተልመዴንነት (Praktikum) ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ጉርዝና ዘበጽሑ ዕድመኦም ኣብ ሞንጎ 16ን 18 ኮይኑ እኹል ናይ ቋንቋ ክእለት ንጀማራይነት (Ausbildung) ዘይብሎም ናይ መዳለዊ ትምህርታዊ መደብ (Ausbildungsvorbereitung) ክወስዱ ይኽእሉ፦

Hamburger Institut für Berufliche Bildung, informationszentrum@hibb.hamburg.de, + 49 40 42863 4236 (ሰኑይ ን ሰሉስን 9 ቅ.ቐ – 5 ቅ.ቐ፣ ረቡዕ 9 ቅ.ቐ – 1 ድ.ቐ ፣ ሓሙስ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ 9 ቅ.ቕ – 1 ድ.ቕ)፣ www.hibb.hamburg.de/bildungsangebote/berufsvorbereitung/berufsvorbereitungsschule/bildungsangebote-fuer-migrantinnen-und-migranten/

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ጀማራይነት (Ausbildung)ን ዕቑር ተኸእሎ መሰል ናይ ምጽናሕ ብሰንኪ እዚ (ብጀርመንኛ፣ እንግሊዘኛ፣ ዕረብ፣ ፋርሲ፣ ሶራኒን ትግርኝእን)፦www.hamburg.de/yourchance/

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ጀማራይነት (Ausbildung)፣ ተልመዴንነት (Praktikum)ን ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/arbeit-ti/.

ኣፍለጦ ምሃብ ንስራሕ ብቑዕነት

ትምህርትካ፣ ጀማራይነት (Ausbildung) ፣ ወይ ምስኡ ዝዳረግ ትምህርቲ እንተ ወዲእካ ኣፍልጦ ከምዝወሃቦ ክትገብት ትኽእል። ብዛዕባዚ ካብዝቕጽሉ ተቕዋማት ምኽሪ ውሰድ፦

  • Diakonisches Werk Hamburg: Zentrale Anlaufstelle Anerkennung (ZAA), ምኽሪ ብ ጀርመንኛ፣ እንግሊዘኛ፣ ዕረብ፣ ፋርሲ፣ ሩሲያን እንተ ኣድልይዩውን ኣስተርጓምቲ ብተወሰኽቲ ቋንቋታት ኣልዉ። በጃኻ ቆጸራ ግበር፦
ተወሳኺ ትምህርቲ (Weiterbildung)

ኣብ ሃገርኩም ትምህርትኩም ጀሚርኩም ወይ ወዲእኩም እንተ ሃሊኹም፣ ትምህርቲ ብምውሳኽ ተወሳኺ ብቕዓት ስራሕ ትረኽበሉ ይህበካ።

ሓደ ሓደ ግዜ ዋላዃ ሽሙ ሓደ እንተ ኮነ ናይ ስራሕ ብቕዓትካ ካብ ናይ ጀርመን ናይ ሰራሕ ብቕዓት ይፍለ እዩ። ነቲ ብቕዓትካ ኣፍልጦ ምስ ተዋህበካ ከም ‘ከፊላዊ ማዕረ’ (“teilweise gleichwertig”) ተባሂሉ ክግምገም እዩ።. ሽዑ ንብቕዓትካ ኣብ ዘሳንይ ትምህርቲ (Anpassungsqualifizierung) ክትሳተፍ ትኽእል። ብድሕሪኡ ብቕዓትካ ማዕረ ብቕዓት ናይ ጀርመን ኣፍልጦ ይወሃቦ።

ንብቕዓትካ ከሳንይ ዝኽእል ትምህርትታት (Anpassungsqualifizierung) ን ጥበብነት፣ ጽላት ንግድን ኣገልግሎትታት ወሃብቲን፣ ፊዝዮተራፐኛ፣ መምህርን ኣስተምሃርትን፣ ክትረክብ ትኽእል፦

ሓፈሻዊ መግለጺ ዝዛዕባ ኣብ ሃምበርግ ዘለዉ ትምህትትታት ኣብዚ ትረክብ፦

ምኽሪ ብዛዕባ ዝለዓለ ትምህርቲ ኣብዚ ትረክብ (ኣብ ጀርመን፦

ትምህርትኻን ማሕድሮ ትምህርቲትን ምምዋል

ንትምህርቲኻ ምምዋል

ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ንትምህርቲኻ ምምዋል ኣብዚ ትረኽቦ፦ www.studierendenwerk-hamburg.de/studienfinanzierung

ሓበሬታ ንስደተኛታት፦ www.studierendenwerk-hamburg.de/internationales/studierende-aus-dem-ausland#c9345

ምኽሪ ንትምህርትኻ ምምዋል ንስደተኛታት፦

Studierendenwerk Hamburg, Beratungszentrum Soziales & Internationales – BeSI, Grindelallee 9, 3. OG, ምምኻር ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቴለፎንን ኢ-መይልን፦ besi@studierendenwerk-hamburg.de, +49 40 41902 155 (ሰኑይ 12 ድ.ቐ (ፋዱስ) – 3 ድ.ቐ፣ ሰሉስን ሓሙስን 9:30 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)፣ ረቡዕ 1:30 ድ.ቐ – 3:30 ድ.ቐ)

ማሕድሮ ትምህርቲ (Stipendium)

ክተመልክት ኣለካ ማሕድሮ ትምህርቲ ንክትውሃብ። ትምህርትኻ ወይ ተጽንዖ (ብኸፊል) ክትምውል የኽእለካ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ማሕድሮ ትምህርቲ ኣብዚ ትረኽቦ፦ www.stipendiumplus.de/startseite.html

ኣብዚ ማዕከን-ዳታ ትረክብ፦ www.stipendienlotse.de፣ እንኮላይ ብቐሊል ቛንቋ ዝተገልጸ፦ www.stipendienlotse.de/leichte_sprache.php

እቲ ውድብ ApplicAid ብ መመልከቻ እቲ ልክዕ ማሕድሮ ትምህርቲ ንክትረክብ ዝድግፈካ ኰስኳሲ ክትረክብ ይሕግዘካ፦ www.applicaid.org/mentee

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022