ልዕሊ 1.8 million ተቐመጥቲ ብምሓዝ ሃምበርግ ድሕሪ በርሊን ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ኣብ ጀርመን እያ። እታ ኸተማ ካብቶም 16 ፈደራላዊ ክፍል ሃገርወን ሓንቲ እያ። 

ሓበሬታ ብዛዕባ ገለ ካብቶም ተጠመትቲ ቦታታት ኣብ ሃምበርግን ብኸመይ ናይ ህዝባዊ መጓዓዚያ ኣሰራርሓ ትጥቀምን ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል።

መድሃኒታዊ ማስክ ወይ ድማ (FFP2 ማስክ ወይ ድማ ናይ መጥባሕቲ ማስክ) ኣብ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ኣብ መጸበዪ፣ ኣውቶቡሳይን፣ ባቡራት ክትገብር ኣለካ።

መስሕባት

ኣልስተር (Alster) ዝበሃል ኣብ ማእከል ሃምበርግ ዝርከብ ሩባ ኣሎ። ውቁብ ትርኢት ናይ ማእከል ከተማ ካብ ሎምባርድ ድልድል ክትርኢ ትኽእል። ብብሽክሌታ ብእግረኻ ዘነይ እንዳበልካ ንምኻድ ናይ 7 ኪሎ ሜትር መንገዲ ጎኒ ንጎኒ ሩባ ኣልስተር ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ጥቓ ሩባ ኣልስተር ኣብ ንዑ ዝተፈለዩ ቦታታት ባርቢኪዩ (ስጋ ኣብ ደገ ንዑ ኣብ ተሰርሐ መጥበሲ እንዳ ጠበስካ ምብላዕ) ክትገብር ትኽእል።

እቲ Jungfernstieg (U/S Bahn station Jungfernstieg) ዝርከቦ ቦታ ልክዕ ጥቓ ማእከላይ ኣልስተር እዩ። እቲ Jungfernstieg ስሓቢ ኮይኑ ፍሉጥ ናይ ሽመታ ጽርጊያ እዩ። እቲ Rathausmarkt እን ናይ ሃምበርግ ከተማ ኣዳራሽን ካብቲ Jungfernstieg ኣብ ሓጺር ርሕቐት ይርከብ። ናይ ከተማ ኣዳርሽ፣ ናይ ሃምበርግ መንግስቲን ፓርላማን ዝቕመጠሉ እዩ። ኣብ ግዜ ቐትሪ ክፋል ናይቲ ናይ ከተማ ኣዳራሽ ብዘይ ክፍሊት ክትዕዘቦ ትኽእል።

ኣቲ Hamburger Hafen (ወደብ ሃምበርግ) ኣብ ሩባ አልበ ዝርከብ ኮይኑ (Elbe) ናይ ጀርመን እቲ ዝዓበየ ናይ ባሕሪ ወደብ እዩ። ናብ U/S Bahn station Landungsbrücken ወጺኻ ብምኻድ ጽቡቕ ትርኢት ናይቲ ሩባን ወደብን ክትረክብ ትኽእል። ናይ HADAG ወደብ ኣመላለስቲ መራኽብ ካብ Landungsbrücke station ዝብገሳ ኮይነን ብHVV ቲኬት ብአን ክትጉዓዝ ትኽእል።

እተን ክልተ ክፍለ ከተማታት፣ Speicherstadt እን HafenCity ንምዕራብ ገጽካ ካብ Landungsbrücken (U1 Meßberg, U3 Baumwall, U4 Überseequartier) እየን ዝርከባ። Speicherstadt ኣብ ናይ UNESCO ናይ ዓለማዊ ናይ ውርሻ ሰፈር ዝተብሃለ ታሪኻዊት ናይ እንዳ መኽዘን ክፍለ ከተማ ኮይና ብ ቀይሕ ሕጡብ ኣሰራርሓ ህንጻን ኣብ ሞንጎን ሀንጻታታ መሕለፊ ማይን ፍልጥቲ እያ። HafenCity ሓዳሽ ዝቖመት ክፍለ ከተማ ኮይና ብናይ ዘመናዊ ስነ ህንጻ ትልለ እያ። ሓደ ንኡድ ዝኾነ ህንጻ እቲ Elbphilharmonie ናይ ኮንሰርት ገዛ እዩ።

Elbstrand ንእሽቶ ናይ ገምገም ባሕሪ ወደብ እያ። ናብኡ ብቁጽሪ 112 ኣውቶቡስ ወይ ድማ ብ ቁጽሪ 62 መመላለሲት መርከብ (Övelgönne station) ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ናይ U3 ኣብ ሃምበርግ ኣብ ዝረኣዩ ብዙሕ ቦታታት ጠጠው ይብልን (Sankt Pauli, Landungsbrücken, HafenCity, Stadtpark) ንእሽተይ ናይ ከተማ ዑደት የቕርቡ።

መጓዓዚያ ህዝቢ በቲ Hamburger Verkehrsverbund (HVV) 

ኣብ ሃምበርግ ዝበዝሐ ቦታ ብባቡር ወይ ድማ ብ ኣውቶቡስ ክትኸዶ ትኽእል። እቲ U ን S Bahn ናይ metro ኣገልግሎታት አእብ 50-10 ደቓይቕ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክሳብ 11 ድ.ቐ ይሰርሕ። ዓርብን ቀዳም ምሸትን እታ ባቡር ሙሉእ ልይቲ አኣብ 20 ደቓይቕ ትሓልፍ እያ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቲኬትን ናይ ግዜ ሰንጠረዥን ናይ HVV ናይ ኣገልግሎታት ነጥቢ ቦታታት ኣብ ዝቕጽል ጣቢያታት ይርከቡ፦

  • Hauptbahnhof
  • Jungfernstieg
  • Dammtor
  • Berliner Tor
  • Steinstraße

ሙሉእ ዝርዝር ናይ ኣገልግሎት ነጥቢ ቦታታት ኣብዚ ትረክብ፦ www.hvv.de/de/service/servicestellen/

ተወሳኺ ሓበሬታውን ክትረኽበሉ ትኽእል ኣብ፦ www.hvv.de/en ወይ ናጻ ናይ HVV app ብምጥቃም።

በጃኻ ኣብ ኣእምሮኻ ክትሕዞ ዘለካ ነገር፣ እቲ ናይ HVV መርበብ ዝርግሔኡ ካብ ጽዑቕ ናይ ሃምበርግ ኣከባቢ ዝሓልፍ ኮይኑ፣ እንተ ኾነ ግን ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ክሳብ ተቐመጥካ፣ኣብ ውሽጢ ክልል ናይታ ከተማ ክትጸንሕ ኣለካ።

ተንቀሳቓስነት ንኹሉ

ኣብዚ፣ ኣየኖት U- ን S-Bahn ጣቢያታት ኣብ ሃምበርግ ስንኩላን ክጥቀሙሎም ይኽእሉን መብዛሕትኡ ግዜ ንብይኖም ብዘይ ሓገዝ ካብ ካልኦት (barrierefrei) ክጉዓዙ መታን ክኽእሉ ናቱ ምልክታት ዘለዎ ካርታ ኣዚ ክትረክብ ትኽእል። እቶም ምልክታት ብጸጋማይ ወገን ብጀርመንኛ ተገሊጾም እዮም፦ https://www.hvv.de/resource/blob/2446/b98693006b688e14d5b64bd3eff842ce/hvv_mfa_usar-plan_einstiegshilfen.pdf

ብተወሳኺ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሊፍት ኣሰራርሓ ኣብቲ ጣቢያ ኣሎ፦ https://www.hvv.de/de/aufzuege

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ “ምንቅስቓስ ንኹሉ” ኣርእስቲ ብ HVV ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል (ብጀርመንኛ)፦https://www.hvv.de/de/mfa

ቲኬታት 

ከም ነባራይ ኣብቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ናይ ኩሉ ህዝባዊ መጓዓዚያ HVV ምጉዓዚ ቲኬት (Mobilitätskarte) ናይ ሃምበርግ (ከባቢ Aን ከባቢ Bን) ክትውሃብ ኢኻ። ነቲ ቲኬት ኣብ Ankunftszentrum (መቐበሊ ማእከል) ክትወሃብ ኢኻ ኣብ Ausländerbehörde (ሰበስልጣን ናይ ወጻኢ ዜጋታት) ኣብ Hammer Straße 30-34 ክተሐድሶ ትኽእል።

እቲ ቲኬት ናብ ካላይ መንበሪ ገዛ (Folgeunterkunft) ምስ ገዓዝካ ወይ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ምስተቐበካ ክምለስ ኣልዎ።

ሽዑ ካብ HVV ቲኬት ክትገዝእ ኣለካ፦

  • ወርሓዊ ናይ HVV ቲኬት ክትገዝእ ከለኻ ተወሳኺ ናይ ዋጋ ምንካይ (Sozialrabatt) ይግባካ እዩ። ጥቅሚታትካ ትቕበለሉ ቤት ጽሕፈት (Grundsicherungsamt (Fachamt für Grundsicherung und Soziales፣ ኣብ ኣድላይነት-ዝተመርኮሰ መወሰኽታ ጥሮታ ኣብ እርጋንን፣ ትሑት ዓቕሚ ናይ ኣታዊ ኣብ ዘጋጥመሉን ንማሕበራዊ ጉዳያትን) ወይ ድማ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, ማእከል ናይ ስራሕ)) ቅጥዒ ክትረክብ ትኽእል። ኣብዚ ግዜ ነቲ ቤት ጽሕፈት ክትድውለሎም ወይ ብኢ-መይል መወከሲ ቁጽርኻን (Kundennummer or Bedarfgemeinschaftsnummer) ወጋ ምንካይ ዘድልዮም ቁጽሪ ሰባት ብምጥቃስ ክትሰደሎም ተኽእሎ ኣሎ። ሽዑ እቲ ቅጥዒ ናባኻ ክስደድ እዩ። ናይ ወርሓዊ ቲኬት ካብ HVV ኣገልግሎት ቦታ እንተ ገዚእካ፣ በዚ ቅጥዒዚ ምንካይ ዋጋ (Sozialrabatt) ይግበረልካ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ምንካይ ዋጋ (Sozialrabatt)፦ https://www.hamburg.de/sozialkarte/14947422/sozialrabatt-hvv/
  • ብዙሓት ካልኦት ቲኬት ኣልዉ። ቲኬት ካብቲ መራሒ ኣውቶቡስ ኣብ ኣውቶቡስ፣ ካብ ናይ ቲኬት ማሺን፣ ካብቲ ኣፕሊኬሽን ወይ ድማ ኣብ ሓዲኡ ናይ HVV ኣገልግሎት ቦታ ክትገዝእ ትኽእል።

ቲኬትካ ክተረጋግጾ ኣየድሊየካን እዩ። ብ ኣውቶቡስ ክትጉዓዝ ከለኻ ብቕድሚት ኣቲኻ ነቲ ዘዋራይ ናይ ኣውቶቡስ ቲኬትካ ተርእዮ። ተቖጻጸርቲ ቲኬት ንቲኬትካ ኣብ ኣውቶቡስን ኣብ U ወይ S Bahn ክፍትሽዎ ይኽእሉ እዮም። ዋላ ኣብ ናይ U- and S-Bahn መጸበዪ ክፍትሽዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ምኽኒያት እዚ ነቲ ትኬትካ ክሳብ ነቲ ጣቢያ ገዲፍካ ትወጽእ ምሳኻ ሓዞ!

ዝተፈላለዩ ቲኬታት ኣልዉ፦ 

  • ናይ ሓደ ሰብ ቲኬት (Einzelkarten) ንሓደ ጉዕዞ ጥራሕ ዘሰርሕ ኮይኑ ብዙሕ ግዜ ኣውቶቡስ ንዘይጥቀሙ ሰባት ይጥዕሞም እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ቲኬትካ ካብቲ መራሒ ኣውቶቡስ ገዚእካ ኣብይ ክምትወርድ ክትሕብር ኣለካ። እቲ መራሒ ኣውቶቡስ ነቲ ትኽክለኛ ቲኬት ክሸጠልካ እዩ። ማሺን እንድሕር ተጠቂምካ ኣብ ላዕለዋይ ብጸጋም ሸነኽ ብምጽቃጥ መዕለቢካ ምረጽ።
  • ናይ ሰሙናዊን ወርሓውን (Wochenkarten and Monatskarten ) ቲኬት ካብ HVV ኣገልግሎት ቦታ ብ ኦንላይን ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።(https://www.hvv.de/en/tickets/weekly-monthly-tickets/24-7-season-tickets-site) ወይ ብ HVV- ኣፕሊኬሽን። ናይ ፓስፖርት ስእሊ የድልይ እዩ።
  • ካብ ጫፍ ዝጎደለ እዋን ቲኬታት (Teilzeit-Karten) ፍሉይ ትመና ዘለዎም ቲኬታት እዮም። ካብ ጫፍ ዝጎደለ እዋን ቲኬታት ( (Teilzeit-Karten) ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቡ 6ቅቕ – 9ቅቐ ን 4ድቐ – 6ድቐ ኣይሰርሑን እዮም። ካብ ጫፍ ዝጎደለ እዋን ቲኬታት (Teilzeit-Karte) ብእኹል ሰብን ክሳብ ሰለስተ ቈልዑ (ዕድማ 6 ክሳብ 14) ክጥቀሙሉ ይኽእሉ። ካብ ጫፍ ዝጎደለ እዋን ቲኬታት (Teilzeit-Karten) ኣብ HVV ኣገልግሎት ቦታ ብ ኦንላይን ክትገዝእ ትኽእል(https://www.hvv.de/en/tickets/weekly-monthly-tickets/off-peak-season-ticket).

ትሕቲ 6 ዓመት ቈልዑ ህዝባዊ መጓዓዚያ ክጥቀሙ ቲኬት ኣየድልዮምን እዩ። 

Last Updated: 12.01.2022