ናይ ምክሪ ሕበሬታን ሓገዛት ን ስድራቤታት ኣብ ሃምበርግ ዝሓዘለ ተበታኒ ወረቐት ብ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ/ዳርሲ፣ ዓረብ፣ ሩሲያንኛ፣ ቱርክ፣ ቋንቋ ፖሊሽን፣ ፈረንሳይኛ ክትረኽብ ትኽእል፦ https://www.hamburg.de/contentblob/3055314/4c0c0242eeb72eb7f4af5e53cef49fd0/data/beratung-familien-mehrsprachig.pdf.

ቈልዑ ትሕቲ 6 ዓመት፦ መውዓሊ ናይ ሕጻናት

ኣብ ጀርመን ቈልዑ ጌና ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘያተዉ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ማእከልን (Kindertageseinrichtungen; Kitas) ናይ መውዓሊ ሕጻናት ኣቕረብቲ (Kindertagespflege) ክንክን ይግበረሎም። . ኣብቲ መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita) ወይ ድማ ናይ ምውዓሊ ሕጻናት ኣቕረብቲ (Kindertagespflege) እንዳኣልይዎም ቈልዑ ይጻወቱን ጀርመንኛ ይመሃሩ።

 መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita)

ኣብቲ Ankunftszentrum (መብጽሒ ማእከል) መውዓሊ ሕጻናት የለን። ክትግዕዝ ከለኻ ናብ ካልእ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung)፣ ክንክን ቈልዓ ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ወይ ድማ መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita) ን ብውሕዱ 1 ዕዓመት ዝገበሩ ቈልዑ ክቕረበሎም እዩ።

ኩሎም ቈልዑ ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ዘይቕመጡ ዘለዉን ብ ውሕዱ 1 ዓመት ዝገበሩ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም ኣብ መወዓሊ ሕጻናት ክኣትዉ።

እቲ ቦታ ናይ ናጻ ኮይኑ 5 ስዓታት ኣብ መዓልቲ ናይ ክንክን ቈልዑ (ምሳሕ ተወሲክዎ) ዝሓቖፈ እዩ።. ወለድቲ ኣብ ስራሕ እንተለዉ፣ ኣብ ተወሳኺ ትምህርትን ስልጠናን ይሳተፉ እንድሕር ኣልዉ፣ ኣብ ናይ ጀርመንኛ ትምህርቲ ን ፈለስቲ ወይ ኽኣ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ይወስዱ እንተልዉ ናይ ክንክን ግዜ ናብ 12 ስዓታት ኣብ መዓልቲ ክናዋሕ ይኽእል ናይ ክንክን ግዜ ተናወሐሉ ንእሽቶ ገንዘብ ክትከፍሉ ትኾኑ።

ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (Erstaufnahmeeinrichtung) ትነብር ሃሊኻ ወይ ድማ ኣብ ካልኣይ መንበሪ (Folgeunterkunft) ትቕመጥ ኮይንካን ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita) ቦታ ደሊኻ በጃኻ ነቲ Sozialmanagement (ማሕበራዊ ምሕደራ) ናይ መንበሪኻ ሓገዝ ሕተት። ብቐሊል ጀርመንኛን ብብዙሕ ቋንቋታት (ቱርክኛ፣ ቋንቋ ፖሊሽ፣ ሩሲያንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ዓረብን፣ ፋርሲ/ዳርሲ) ኣብኡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል፦https://www.hamburg.de/kitaplatz/.

ብዝኾነ እቲ ናይ ውላድካ ምጽናሕ ኣብቲ መውዓሊ ሕጻናት ናጻ ዝኸውን መረጋገጺን መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita-Gutschein) እንተ ሃልዩካ እዩ። ነዚ መረጋግጺ (Kita-Gutschein) ክትረክብ ኣብዚ ኣመልክት፦ www.hamburg.de/antraege/#anker_2.

ዋላ ኣብ ናይ ህዝባዊ መንበሪ ኣይትቀመጥን ናይ ነባርነት ሰነድ ኣይሃልወካ ደቅኻ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita) ክኸዱ ይኽእሉ እዮም

እቲ Clearingstelle ኣብቲ Flüchtlingszentrum ዘሎ ንቈለውዕ ካብ 1 – 6 ዘልዉ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ማእከል ቦታ ክረክቡ ይሕግዝ እዩ።  Adenauerallee 10, vereinbaren Sie zuvor einen Termin: +49 40 284079133, ayasse@fz-hh.de. ብድሕሪኡ ውላድካ ን 5 ስዓት ኣብ መዓልቲ ክንክንን ምሳሕን የረኽቡ።

መውዓሊ ሕጻናት (Kindertagespflege; ብ ዘሰልጠነ ሓልው ቈልዑ ቁጽጽር ይግበር)

ብተወሳኺ፣ ነቲ ምእላይ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita) ን መውዓሊ ሕጻናት (Kindertagespflege) ኣብ ግግምት ምእታውን ይከኣል እዩ።

ናይ ቤተሰባዊ ሃዋህው ስለ ዘልዎ ብወልድቲ ናይ ትሕቲ 3 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ብፍሉይ ተመራጽነት ኣልዎ። ነቲ ዝሰልጠነ ሓልዉ ቈልዑ ክትመርጹ ትኽእሉ። ዝኾነ ዝሰልጠነ ሓልዉ ቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን ን 5 ዝተፈላልዩ ቈለውዕ ክኣልይ ይኽእል።

ካብ ውልደት ክሳብ ኣብ ትምህርቲ ምምዝጋብ ን25 ስዓታት ኣብ ሰሙን መውዓሊ ሕጻናት ናጻ እዩ። እንድሕር ስራሕ ሃልዩካ፣ ጀማራይነት ትገብር ኣለኻ ወይ ድማ ናይ ጀርመንኛ ትምህርቲ ትወስድ እንተ’ለኻ ውላድካ ናጻ ናይ መውዓሊ ሕጻናት ን25 ስዓታት ኣብ ሰሙን 14 ዓመት ክሳብ ዝመልኡ ይረኽቡ።

ኣብዚ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል፦https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11267302/, (search term: “Kinderpflegebörse”) ሽዑ ኣድራሻኻ ተይፕ ግበር።

እቲ Verein Hamburger Tagesmütter und -väter ምኽሪወን ይህብ፣ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ቦታታት ንምርካብ ይሕግዝ፦ info@tagesmuetter-hamburg.de, +49 40 2003377.

ናይ ወላዲ-ቈልዓ-ማእከላት

ናይ ወላዲ-ቈልዓ-ማእከላት ናይ ትሕቲ 3 ዓመት ቈልዑት ዘለዎም ቤተሰባት መራኸቢ ቦታ እዩ። ናብ እዞም ማእከላት ዕብይ ዝበሉ ግን ጌና ኣብ ትምህርቲ ዘይኣተዉ ቈለውዕ እውን ሒዝኩም ክትኸዱ ትኽእሉ።

ኣብ ዝቀረበልካ ነገራት ብዘይ ህልኽላኻት፣ ምዝገባ፣ ወይ ድማ መረጋገጺ ን መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita-Gutschein) ክትጥቀመሎም ሓገዝ ትረክብ ክምኡውን ኣብ ናይ ትምህርቲ ጉዳያት ምኽሪ ትረክብ። ብጀካ ን ምሳሕ (ንሓደ መቑኑን 2 € ዋጋ ኣበርክቶ) ካልእ ተወሳኺ ክፍሊት ኣክህልውን እዩ።

ናይ ወላዲ-ውላድ-ማእከላት ዝቕርብዎ ካልእ ከይጸብጸብካ፦

  • ዝጽንብር ናይ ወላዲ-ውላድ-ክበብ፣
  • ናይ መጻወቲን መምሃሪን ክፍለ ግዜ ንቈልዑ፣
  • ናይ ወላዲ-ውላድ ትምህርቲታትን ኣቕርቦትን፣ ን ኣብነት ኣካላዊ ምንቅስቓስን ናይ ሙዚቃ ኣቕርቦት።
  • ናይ ወለድቲ ትምህርቲ፣ ሓበሬታን ምዕዶ።

ቦታን ተውሳኺ ሓበሬታን ኣብዚ ትረክብ፦ www.hamburg.de/eltern-kind-zentren/.

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ፍሉይ ሕግታት ክትክተል ኣለካ ኣብ ወሽጢ ኣቲ ማእከል። ን ኣብነት ቆጸራ ምግባር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል። በጃኻ ኣቐዲምካ ብዛዕባ እዚ ሕተት።

ስንክልናን ናይ ሕክምና መርመራ

ውላድካ ስንክልና እንት ሃልይዎ ወይ ናይ ምስንካ ሓደጋ ሃልይዎ ፍሉይ ሓገዝን ደገፍን ይድልዮ ይኽውን እዩ። ሽዑ ንኣብነት፣ ናይ ሕክምና ክንክንን ብፍሉይ ተመጢኑ ንስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ዝተዳለወ ጽንባረን ደገፍን ክምዝህሉ ዘረጋግጽ መውዓሊ ሕጻናት ማእከል (Kita) ውላድካ ክረክብ መሰል ኣልዎ።

ናብ ናይ ሕክምና መርመራታት (Vorsorgeuntersuchungen) ምስ ወላድካ ክትከይድ ኣለካ። ክሳብ 6 ዓመት ዝመልእ ኣብ ዝተፈላለየ ዕለታት ውላድካ ክገብሮ ዘልዎ 10 ኣገደስቲ መርመራታት ኣልዉ። ነዚ ንምግባር ድሕሪ ቁሩብ ውላድካ ምውላዱ ን Kinderarzt (ሓኪም ቈልዑ) ርኽብ። ሓኪም ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል፦ www.kvhh.net/de/physicianfinder.html. መርመራ ብምግባር ብእዋኑ ናይ ጥዕና ጸገማት ምፍላጥን ምሕካምን ይከኣል እዩ።

ምኽሪ ዘቕርቡን ዝድግፉን ዝተፈላለዩ ትቕዋማት ኣልዉ፦

  • A Kinderarzt. ሓኪም ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል፦kvhh.net/de/physicianfinder.html
  • Beratungszentrum Hören|Sehen|Bewegen|Sprechen (advice centre hearing|seeing|moving|talking: ዘይንቡርነት ኣብ ናይ ውላድካ ምስማዕ፣ ምራይ፣ ናይ ምንቅስቓስን ምዝራብን ምዕባሌታት ወይ ዝኾነ ኣብ ምዕባለ ዘይንቡርነት እንተ ርኢኻ ነዚ ናይ ምኽሪ ማእከል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።)፦ Eppendorfer Landstraße 59, Beratungszentrum@hamburg-nord.hamburg.de, +49 40 428042545 (ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 8 ቅ.ቐ – 3 ድ.ቐ, ዓርቢ 8 ቅ.ቐ – 1 ድ.ቐ)፣ https://www.hamburg.de/hamburg-nord/beratungszentrum-sehen-hoeren-bewegen-sprechen/
  • Jugendpsychiatrischer Dienst (ናይ ምዕባል ወይ ናይ ባህሪ ዘይንቡርነትን፣ ኣእምሮኣዊ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ሕጻናትን ጎርዞታትን ናይ መርመራን ምኽሪን ኣቕርቦት ዝህብ ትቕዋም)፦ https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11254652/ (ቃል ድልይ፦ “Beratung und Gesundheitshilfen für psychisch erkrankte sowie für geistig, seelisch und mehrfach behinderte Kinder und Jugendliche”) ሽዑ ኣድራሻኻ ኣእትው። በጃኹም ቆጸራ ግበሩ
  • እቲ interdisziplinären Frühförderstellen (መንጎ ዓውደ-ፍልጠታዊ ናይ መጀመርታ ደገፍ ማእከል) ንስንክልና ወይ ድማ ናይ ምዕባለ ዘይንቡርነት ዘለዎምን ጌና ቤት ትምህርቲ ዘኣተዉ ቈልዑ ናይ ደገፍ ኣቕርቦት ይህብ፦ https://www.hamburg.de/fruehfoerderung/741974/anbieter-fruehfoerderung/
  • Fachamt Eingliederungshilfe (ንናይ መንግስታዊ ደገፍ ተመልክተሉ ቢሮ)፦ Kurt-Schumpacher-Allee 4, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ EH-Antragslotse@wandsbek.hamburg.de, +49 40 428819494 (ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 8 ቅ.ቐ – 4 ድ.ቐ, ዓርቢ 9 ቅ.ቐ – 2 ድ.ቐ) https://www.hamburg.de/wandsbek/fachamt-eingliederungshilfe/.
ልዕሊ 6 ዓመት ዝኾኑ ቈልዑ፡ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ጀርመን ኩሎም ቆለውዕ ናይ ምምሃር መሰልን ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ግዴታ ኣልዎም። እዚ ን ናይ ስደተኛን ሰነድ ዘይብሎምውን ቈልዑ ይምልከት እዩ። ኣብ ሃምበርግ ናይ ቤት ትምህርቲ ምዝገባ ኣድራሻ ጥራሕ እዩ ዘድልይ ። ቤት ትምህርቲ ምኻድ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ናይ መስርሕ ምዝገባ ሓገዝ ኣብዚ ትረክብ፦

  • Schulinformationszentrum (ናይ ቤት ትምህርቲ ማእከል ሓበሬታ) ካብ 6 ክሳብ 16 ዓመት ዘልዉ ቈልዑት።
    Hamburger Straße 125a,, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ zuschulung@bsb.hamburg.de, +49 40 428992211 (ረብዕን ሓሙስን፦ ሰዓት 10 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)፣ ሰሉስ፦ 2 ቅ.ቐ – 4 ድ.ቐ) https://www.hamburg.de/bsb/siz/.
  • Informationszentrum des Hamburger Instituts für Berufliche Bildung (ሃምበርግ ትቕዋም ናይ ሞያ ስልጠና ማእከል ሓበሬታ ) (ወይ 16ን ልዕሊኡን ዕድመኦም መንእሰያት። Hamburger Straße 125a, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ informationszentrum@hibb.hamburg.de, + 49 40 428634236 (ሰኑይ፣ ረብዕን ዓርቢን፦ 9 ቅ.ቐ – 1 ናይ ድ.ቐ፣ ሓሙስ 10 ቅ.ቐ – 6 ድ.ቐ፦ https://hibb.hamburg.de/englisch/,

ቆጸራ ኣብምSchulinformationszentrum ብ ምግባር፣ ሓቢሪኩም ምስ ውላድኩም ርኢኹም ኣብ ትምህርቲ ኣመዝግብዎ። ስርዓት ቤት ትምህርቲ ኣብ ክልተ ዝተኸፈለ ኢዩ; መጀመርያ 4 ዓመት ናይ መባእታዊ ትምህርቲ (Grundschule) ቀጺሉ ድማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Stadtteilschule or Gymnasium). The Abitur (መጨርሽታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ፈተና፣ ናብ ዩኒቨርሲቲ መእትዊ) ኣብ Stadtteilschule ይኹን ኣብ Gymnasium ክርክብ ይካኣል እዩ።

ቈልዑ ኣብ መዳለዊ ትምህርትን ናይ ምጽናዕቲ ጉጅልን ብ ምስታፍ ን ናይ ጀርመን ትምህርቲ ይዳለዉ።

ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ማእከል (ErstaufnahmeeinrichtungenIf) ትነብር ምስ እትኸውን፣ ደቅኻ ኣብ ውሽጢ እዚ ማእከል ትምህርቲ ክጅምሩ ይኸእሉ እዮም።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ትምህርቲ ኣብዚ ተወከስ፦ https://we-inform.de/portal/ti/bildung-ti/.

ድምር ዓመታዊ ክፍሊት ናይ 150 € ንደቅኹም መግዝኢ ናውቲ ትምህርቲ ዝኾውን ክትቕበሉ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብቲ ብቑዕ Jobcenter (Jobcenter team.arbeit.hamburg, ማእከል ስራሕ) ወይ ኣብ Grundsicherungsamt (Fachamt für Grundsicherung und Soziales, ቢሮ ናይ ኣብ ኣድላይነት-ዝተሞርከሰ ናይ ጥሮታ መመላእታ ኣብ እርጋንን ፣ ኣብ ግዜ ናይ ትሑት ዓቕሚ ናይ እቶትን ማሕበራዊ ጉዳያት) ሕተት። ብዛዕባዚ፦

Jobcenter: www.hamburg.de/behoerdenfinder/ (ቃል ድላይ፦ „Arbeitslosengeld II, für Personen über 25 Jahre“, https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253217/, ሽዑ ኣድራሻኻ ጽሓፍ ወይ ድማ „Arbeitslosengeld II, für Personen unter 25 Jahre“, https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253252/), ሽዑ ኣድራሻኻ ጽሓፍ።

Grundsicherungsamt: https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11253346/ (search term: “Sozialhilfe, Leistungen für Asylbewerber” or “Sozialhilfe, Grundsicherung im Alter und bei dauerhafter Erwerbsminderung”), ሽዑ ኣድራሻኻን ሽም እንዳኻን ጽሓፍ።

ን ውላድካ ተወሰኽቲ ናይ ውልቂ መምህር፣ ምሳሕ፣ ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን ቲኬት ገንዘባዊ ደገፍውን ክትቕበል ትኽእል። ብዛዕባዚ ኣብ ናይ ውላድካ ቤት ትምህርቲ ሕተት።

Zeit für Zukunft – Mentoren für Kinder (እዋን ናይ መጻኢ – ኰስኰስቲ ንቈለውዕ) ኣብ ሞንጎ 6ን 16 ንዘልዉ ቈልዑ ኣብ ምምዕባል ዕቑር ክእለቶም ኣብ ቤት ትምህርቲን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ህይወቶም ዝሕግዞም ኰስኰስቲ ይረክብ። ኣወዳት ወዲ ተባዕታይ ኰስኳሲ ይወሃቡ፣ ኣዋልድ ጓል ኣንስተይቲ ኰስኳሲት ይውሃባ። እቲ ቈልዓን እቲ ኰስኳሲ 2-4 ግዜ ኣብ ወርሒ ይራኸቡ። ውላድካ ቁሩድ ጀርመንኛ ወይ እንግሊዝኛ ክዛረብ ኣልዎ።

Mitmachen@zeitfuerzukunft.org, +49 40 41623120, https://www.zeitfuerzukunft.org/.

ናይ ቈልዑ ጥቕሚታት (Kindergeld)ን ካልእ ገንዘባዊ ደገፍ
  • ን ናይ ቈልዑ ጥቕሚታት (Kindergeld)ን ንተወሳኺ ናይ ውላድ ኣበል (Kinderzuschlag) ኣብቲ Familienkasse (ናይ ቤተሰብ ጥቕሚታት ቤት ጽሕፈት) ናይቲ Bundesarbeitsagentur (ፌደራላዊ ወኪል ምቑጻር ሰራሕተኛታት) ክተመልክት ትኽእል። መሰነይታ ዝይብሉ ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ባዕሉ ናይ ቈልዑ ጥቕሚታት መመልከቲ ክእትዉ ይኽእል። ተወሳኺ ሓበሬታን ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.arbeitsagentur.de/en/en/download-center. ዝኾነ ሕቶ እንድሕር ኣለካ ናብዚ ደውልl +49 8004555530.
  • ንውላድካ ትኣልይ ብምዃንካ ዝውሓደ ገንዘብ ትእቱ እንተ ኾይንካ ናይ ወልዲ ገንዘብ (Elterngeld) ንምርካብ ክተመልክት ትኽእል። ኣብቲ Elterngeldstelle (ቤት ጽሕፈት ናይ ወለዲ ገንዘብ) ክተመልክት ትኽእል። ናይ ምኽሪውን ኣቕርቦት ዘለዎ ብቑዕ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11256284/ (ቃል ድልይ፦ “Elterngeld, Zuständigkeit”), ናይ ውላድካ ኣድራሻ ብድሕሪኡ ድማ ዝተውልደሉ መዓልቲ ናይ ወርሒ ጥራሕ ጸሓፍ።
  • ትሕቲ 18 ዝኾኑ ቈለውዕ፦ ውላድካ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾኑ ንጥፈታት ክሳተፍ እንተ ደልዩ ንክትኸፍለሎም 15 € ክትቕበል ትኽእል ኢኻ። ውላድካ ኣብ ንጥፈት ይሳተፍ ከምዘሎ ክተእምን ኣለካ። በቲ ገንዘብ ጌርካ ነቲ ንጥፈት ባዕሉ ወይ ድማ ንመሳርሒ ክትከፍለሉ (ን ኣብነት ናይ ስፖርት ኣልባሳት) ትኽእል። እዚ ን ኣብነት ዘጠቓልሎ
    • ባህሊ፦ ናይ ቴያትር ዓውደ መጽናዕቲ
    • ሙዚቃ፦ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ
    • ስፖርት
    • መዓስከራት

ኣቕረብቲ ንጥፈታት ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/sozialbehoerde/but/. ተወሳኺ ሓበሬታ ብጀርመንኛ ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/bildungspaket-kultur-musik-sport/. ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ ገንዘባዊ ደገፍ ንውላድካ ብቋንቋኻ ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/bildungspaket/4125952/faltblatt-bildungspaket/.

ዝኾነ ሕቶ ኣብዚ ሕተት፦ +49 40 115 ወይ bildungspaket@eimsbuettel.hamburg.de.

ማእከላት ምኽሪ

እቲ Jugendmigrationsdienst (ኣገልግሎት ፍልሰት መንእሰያት) ናይ ፍልሰት ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ኣብ ሞንጎ 12 ን 27 ዘልዉ መንእሰያት ማእከላት ምኽሪ እዩ። ደገፍ ኣብ ትምህርታዊ፣ ሞያዊን፣ ማሕበራዊ መስርሕ ምውህሃድ ኣብ ጀርመን ንመንእሰያት ይህቡ። ን ኣብነት፦

  • ዝፈተሽካዮ ናይ ጀርመንኛ ትምህርቲ
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ጸገም
  • ዝፈተሽካዮ ናይ በይንኻ መምህርና ኣገልግሎታት
  • ናይ ቀዋሚ ሞያ ምእዘና (ጀማራይነት (Ausbildung)፣ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ፣ ዩኒቨርስቲ)

ኣብ ተመሳሳሊ ስዓት ናይ ወለዲ ሕቶታት ብዛዕባ ትምህርቲን ኣመሃህራ ደቆምን ክምልሱ ይኽእሉ።

ናይ ጉጅለ ፕሮጀክትን ናይ ፍቓደኝነት ስራሕ ናይ ምትብባዕ ኣቕርቦትውን ይህቡ።

Jugendmigrationsdienst (ኣገልግሎት ፍልሰት መንእሰያት) ሃምበርግ
Glockengießerwall 3, በጃኻ ቆጸራ ግበር፦ ute.gruetter@cjd.de, +49 40 211118113.

ን Jugendmigrationsdienste ኣብዚ ትረኽቦም፦ https://www.jugendmigrationsdienste.de/suche?L=0&id=11&tx_solr%5Bq%5D=jmd+hamburg&tx_solr%5Bfilter%5D%5B%5D=.

ብኦላይን ምኽሪ ክትሓትት ኣብዚ ትኽእል፦ www.jmd4you.de.

ምኽሪን ደገፍን ኣብ ሃምበርግ ንዝነብሩ ቤተሰባት ኣብዚ ብኦንላይን ይርከብ፦ http://t.hh.de/3055314.

ጥንሲን ኣደታትን

ዝጠነሳ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ መሰል ኣለወን ኣብ ጀርመን። ዋላ ነቲ ውላድ ኣይደልይን ትበል እቲ ሓለዋ ይምልከተን እውን እዩ። ፍሉይ ሕክምናዊ ምእላይን ምኽሪ ይግብኣክን እዩ። ናብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓኪም (Frauenarzt ወይ Frauenärztin) ክትከዲ ኣለኪ።

እቲ ሓኪምኪ እንተ ጠኒስኪ ናይ ጥንስኺ ሓበሬታ መመዝገቢ ንእሽቶ ጥራዝ (Muterpass) ክህበኪ እዩ። ናይ ጥንስኺ ሓበሬታ መመዝገቢ ንእሽቶ ጥራዝ (Mutterpass)ንእሽቶ ጥራዝ ኮይና ሓካይም ብዛዕባ ጥንስኪ ዝስነደላ እያ። ኣብ ግዜ ህጹጽ እዋን ሓኻይም ኣብታ ጥራዝ ብኸመይ ንዓኽን ሕጻንኪን ያልዩኹም ዝነግር ሓበሬታ ይረኽቡ። ስለዚ እታ ናይ ጥንስኺ ሓበሬታ መመዝገቢ ንእሽቶ ጥራዝ (Mutterpass) ኩልግዜ ምሳኺ ክትሕዝያ ኣልኪ።

ምኽሪ ን ጥኑሳትን ወለዲን (ዋላ ብዘይ ወረቐት ኮነ ምምዝጋብ)፦

  • Profamilia: Seewartenstraße 10, Haus 1, በጃኺ ቆጸራ ግበሪ፦ hamburg-beratungszentrum@profamilia.de, +49 40 309 97 49 10 (ክብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፦ 10 ቅ.ቐ – 3 ድ.ቐ)፥ ብዝዕባ ሕክምናዊ ሕቶታት፣ ጾታዊ ምምኻር፣ ናይ ዝምድና ምምኻር፣ ገንዘባዊን ካልእ ደገፍ ብዛዕባ ንጥንሲን ቅድመ ሕርሲን ኣብዚ ክትድውል ትኽእል ኢኻ፣ ሓሙስ 12 ድ.ቐ (ፋዱስ) ክሳብ 2 ድ.ቐ)፣ www.profamilia-hamburg.de
  • Caritasverband für Hamburg e.V.: ካሪታስ ብኦንላይን ናይ ምምኻር ኣቕርቦት ኣልዎ፦ https://www.caritas.de/hilfeundberatung/onlineberatung/
    schwangerschaftsberatung/start
    .

ቈልዑን ሕጻናትን ብናጻ ሕክምናዊ መርመራ ክግበረሎም ዝኽእሉሉ ቦታ ዝሕብር ማእከል ሓበሬታ ን ኣዴታት ኣሎ። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ክተርጉመልኪ ዝኽእል ዘካይደኪ ሰብ ምሳኺ ኣምጽኢ። ሓበሬታ ብዝዕባ ኣደታት ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል፦https://www.hamburg.de/behoerdenfinder/hamburg/11262466/ (ቃል ድለይ፦ “Mütterberatung Hamburg”), ሽዑ ኣድራሻኻ ጽሓፍ።

ተወሳኺ ኣገልግሎታት ንሓደሽቲ ወይ ዝጽበያ ዘለዋ ኣደታት ብ IN VIA ማሕበር ክርከብ ዚከኣል እዩ፡

  • ኣደ-ወላድ-ጉጅለ ኣብ በርግዶርፍ፦ንክሳብ 3 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ሕጻናት ዘለወን ኣደታት። ኣስተርጎምቲ ናይ ዳሪ/ፋርሲን ዓረብ ኣብቲ ቦታ ይርከቡ እዮም፦ Edith-Stein-Platz 1, ሓሙስ 10 ቅ.ቐ ካሳብ 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)።
  • ናይ ቁርሲ ኣኼባ ኣብ በርግዶርፍ፦ንዝተፈናቐሉ ቤተሰባት። እቲ ኣርእስቲ ኣብ ሞንጎ ናይ ኣሕረስቲ ዝምልከት ሕቶታት ምስ ናይ መልሲ ክፍለ ግዜን ሕጋዊ ምኽሪን ኣብ ናይ ጥንሲ ምምኻር ይዘውር። ኣስተርጎምቲ ናይ ዳሪ/ፋርሲን ዓረብ ኣብቲ ቦታ ይርከቡ እዮም፦ Edith-Stein-Platz 1, ሰሉስ (ዝጅምረሉ 9:30 ቅ.ቐ).

ብዛእባ እዚ ኣቕርቦት ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ፦http://invia-hamburg.de/migration/. +49 40 73508411, jmd.bergedorf@invia-hamburg.de.

“HanseBaby” ዝበሃል ኣፕሊኬሽን ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ሕጻናት ሕክምና ስራሓት፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓኪም ጽሕፈት ቤት፣ ምምኻርን ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት ክምኡውን ገንዘባዊ ናይ ደገፍ ኣማራጺታት ሓበሬታ ትረክብ። እቲ ኣፕሊኬሽን ዘቕርበልካ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ኣገደስቲ ስጉምትታት ኣብ ግዜ ጥንሲ (ን ኣብነት ኣብ ናይ መዋልዳን ክሊኒክ መዓስ ቆጸራ ይግበር) እዩ። https://www.hamburg.de/hansebaby/13577142/app/.

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕናዊ መግቢ ን ጠናሳት ዳቂ ኣንስትዮን ዕሸላትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብዚ ትረክብ፦ https://www.hamburg.de/altona/gesunde-ernaehrung-muetter-und-babys-broschueren/.

ንቤተሰብ ኣባላት ምድላይ

ኣብ ጀርመን ንዘልዉ ናይ ቤተሰብ ኣባላት ክትረክብ እንድሕር ደሊኻ ወይ ድማ ኣብ ግዜ ምህዳም ምስ ቤተሰብካ እንድሕር ተፈላሊኻ፣ ብዙሕ መንገዲታት ኣልዉ ንቤተሰብካ ትረኽበሉ።

  •  ናይ ጀርመን ቀይሕ መስቀል ናይ ምድላይ ኣገልግሎት ካብ ካልኦት ብውግእ ወይ ፍልሰት ዝተፈልዩ ንክራኸቡን ን ኣባላት ስድርኦ ክደልዩ ይሕግዝ። auskunft@drk-suchdienst.de, +49 40 432020.
ናይ ቤተሰብ ባእሲ ምፍታሕ

ኣብ ኩሉ ቤተሰብ እሲ ኣሎ። ኣብ ጀርመን ዝተፈላለዩ ነዞም ብእሲታት ብእፍራዪ መልክዕ ክትፈትሖ ዝሕግዙኻ ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣልዉ።

Der Begleiter e.V. ናይ ባእሲ ምፍታሕ ምኽሪ ን እኹላት ሰባት ናይ ጀርመንኛ ቋንቋ ትምህርቲ ወይ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ብ ጀርመንኛ ንዝወስዱ ኣቕርቦት ይህብ።  Herzog-Carl-Friedrich-Platz 1.
ምምኻር ዝኽፈቱሉ፦ ሰሉስ 3 ድ.ቐ – 5 ድ.ቐ፡ ሓሙስ 10 ቅ.ቐ – 12 ድ.ቐ (ፋዱስ)።
ቆጸራ ክትገብር ትኽእል። እንተ ዘይኮይኑ ቁሩብ ምጽናሕ ክህልወካ እዩ። +49 40 27867877 (ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 9 ቅ.ቐ – 5 ድ.ቐ, ዓርቢ 9 ቅ.ቐ – 3 ድ.ቐ)።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፦ 12.01.2022