ብዛዕባ መስርሕ ዕቑባ ክሕግዛ ዝኽእላ ማእከላት ምኽሪ ኣለዋ። ነቶም ዝበዝሕሑ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፎም ክትረኽብዎም ትኽእሉ። ጽቡቕ ጌርኩም ነዞም ማእኸላት ምኽሪ ክትጥቀሙሎም ኣለኩም። እዚ ገጽ መተካእታ ናይ ዝኾነ ሕጋዊ ምኽሪ ኣይኮነን፣ ግን ኸኣ መበገሲ ምእዘና እዩ ዝህብ። ዘድሊ እንተኾይኑ ሰራሕተኛታት ማእከላት ምኽሪ ንዝርዝራዊ ሕቶታትኩም ዝምልሱን ደግፋት ክገብሩልኩም ዝኽእሉ ንፉዓት ናብ ዝብልዎም ጠበቓታት ክሕብሩኹምን ይኽእሉ።

1 Ankunftszentrum Rahlstedt (Rahlstedt ናይ ብጽሓት ማእኸል)

ምምጻእ ናብ ሃምበርግ

መዘኻከሪ፦ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ብጽሓት ማእከል (Ankunftszentrum) ኣብ ትመጹሉ ጊዜ መርመራ ናይ ኮሮና ቫይረስ ክትገብሩ ኣለኩም።

ውጽኢት መርመራኹም ፖዘቲቭ እንተኮይኑን መልክታት ኮቪድ-19 ተርእዩ እንተኾይንኩም፣ ክንክን ነኽትረኽቡ ናብ ሆስፒታል ክትሰጋገሩ ኢኹም።

ውጽኢት መርመራኹም ፖዘቲቭ ኮይኑ መልክታት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዘይተርእዩ እንተኾይንኩም፣ ናብ ካልእ መቐበሊ ቦታ ተሰጋጊርኩም ክትውሸቡ ኢኹም (Quarantäneeinrichtung)።

ኣብ ክልቲኡ ኹነታት ተመዘጊብኩም፣ ሓዊኹም ካብ ውሻበ (Quarantäne) ምስ ወጻኹም፣ እቲ ወሳነ ኣብ መስርሕ ዕቑባ ዝከናወነሉ ሃገረ ጀርመን ይከናወን።

ውጽኢትኩም ናጻ እንተኢሉ ክትምዝገቡ ኢኹም። መስርሕ ዕቑባኽም ኣብ ሃምበርግ እንተ ዝከናዎ ኮይኑ፣ ናብ ካልእ ምዕቖቢ ንኽትውሸቡ ክትዘዋውሩ እኹም (Quarantäneeinrichtung)። ኣብኡ ንበይንኹም ተፈሊኹም ወይ ድማ ምስ ቤተሰብኩም ከከም ኣለቛቑሓኡ ንተኽእሎታት ምልባዕ ንምጉዳል ተባሂሉ እዩ ዝግበር። ካብ ብመርመራ ውጽኢቶም ኣለኩም ዝተብሃሉ ኣባላት ስድራቤትኩም ተፈሊኹም ክትጸንሑ ተኽእሎታት ኣሎ።

ኣብቲ Ankunftszentrum ን እንኮላይ ኣብ ናይ ውሸባ መጽንሒኹም(Quarantäneeinrichtung) ናይ ገጽ ማስክ ን ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ክትሽፍኑ ክትውሃቡ ኢኹም።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ፦ https://we-inform.de/portal/ti/gesundheit-ti

ብመጀመርታ፣ ን Ankunftszentrum ኣብ Rahlstedt (Bargkoppelweg 66a) ክትሕብሩ ኣለኩም.

ኣባኡ ክትምዝገቡ ኢኹም። ኣብቲ መስርሕ ምዝገባ እቲ ማእከል ንውልቃዊ ኽበሬታኹም ከም ሽም፣ ዕለት ልደትን፣ ስእልኩምን ቅዳሕ ሓሸራኹም ኣብ መዝገብ ከእትውዎ እዮም። ቐጺሉ፣ ኣብየናይ ክፋል ናይ ጀርመን መስርሕ ዕቑባኹም ከምዝካየድ እቲ ማእከል ክውስን እዩ። ብዛዕባ እዚ ወሳነ ብቑልጡፍ ሓበሬታ ክትውሃቡ ኢኹም።

ብ ኣጠቓላሊ ኣብቲ ወሳነ ጽልዋ የብልኩምን። ከም ጽንኩር ሕማምን ወይ ድማ ስንክልናን ገለ ፍሉይ ኩነታት ኣልዉ። በዚ ምኽንያት ነዚ ሓበሬታ ኣጠቓልልዎ።

ገለ ሰባት ብፍላይ ምክልኻልን ደገፍን ኣብ ጊዜ መስርሕ ዕቑባኦም የድልዮም እዩ (besonders schutzbedürftig)። ን ኣብነት ዓጃቢ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ፣ ስንክልና ዘለዎም ሰባት፣ ኣረጋውያን፣ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንጽል-ወለድቲ፣ ከቢድ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ሕማም ዘለዎምን፣ ግዳያት ጎነጽን ኣብዚ ጉጅለ ይተኣሳሰሩ። ሕማቕ ነገር እንተሪኢኹም ወይ ድማ ኣብ ሂወትኩም እንተድኣ ኣጋጢሙኩም ናብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከምርሕ ይኽእል እዩ። ሽዕዑ ብፍላይ ሓለዋ የድልየኩም እዩ (besonders schutzbedürftig)። ኣብ ከምዚ ኩነት ኣብ ጊዜ መስርሕ ዕቑባ ፍሉይ ኣረኣእያ ክግበረልኩም ኣልዎ። ምስ ናይ ምኽሪ ማእከል ተራኸቡ።

uዝበለጸ ሓበሬታን ናይ ምኽሪ ማእከላትን ኣብ ትሕቲ “ማህሰይቲን ኣእምሮኣዊ ጭንቀት” ኣብ ዝብል ክፋልን “ደገፍ ንስንክልና ዘለዎም ስደተኛታት” ዝብል ኣብ መርበብ ገጽና ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ ጥዕና ክትረኽቡ ትኽእሉ። https://we-inform.de/portal/ti/gesundheit-ti

ናይ መጀመርታ ምዝገባ

መስርሕ ዕቑባ ካብ ሃምበርግ ወጻኢ

እንድሕር መስርሕ ዕቑባኹም ኣብ ካልእ ናይ ጀርመን ክፋል ሃገር ዝግበር እንተ ኾይኑ ብቕልጡፍ ክትሕበሩ ኢኹም። ናበይ ከምትኸዱ ሓበሬታን (Anlaufbescheinigung) ኣድራሻን ክትውሃቡ ኢኹም። ኣብዚ ኢኹም ን ዕቑባ ክተመልክቱ ትኽእሉ። ናብኡ ዘብጽሓኩም ናይ ባቡር ቲኬት ክትቕበሉ ኢኹም።

ኣብ ሓደ መዕልቲ ተጓዒዝኩም ናብ ምዕርፎ ክትበጽሑ እንተኽኢልኩም ጥራሕ ኣብ Ankunftszentrum ንሓደ ለይቲ ክትሓድሩ ትኽእሉ። ናብቲ ምዕርፎ ቦታ ከምቲ ኣብ ሓበሬታ ክትኸድዎ ትኽእሉ ቦታታት ዝተጠቐሰ ምስ በጻእኹም ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ትቕበሉ።

መስርሕ ዕቑባ ኣብ ሃምበርግ

እንድሕር መስርሕ ዕቑባኹም ኣብ ሃምበርግ ኣንድሕር ተኻይዱ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ብቕልጡፍ ክትቕበሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ሽምኩምን ናይ ዕለት ልደትኩም ኣረጋግጹ!

ሕጂ ኣብ ጀርመን ብወግዒ ዝተመዝገበ ሓታቲ ዕቑባ ኮይንካ ኣለኻ። ይኹን እምበር ዕቑባ ንኽትውሃብ ጌና ኣየመልከትካን

ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ዘገልግል ክሳብ 6 ወርሒ ጥራሕ እዩ። እብዚ ሕጂ ጊዜ ን ሓደ ወርሒ ጥራሕ እዩ ዝውሃብ። ካልእ መሰል ነባርነት እንተ ዘይረኺብካ (ን ኣብነት ውሳነ ዕቑባ እንዳተጸበኻ ንኽትጸንሕ ትቕበሉ ፍቓድ (Aufenthaltsgestattung) ቅድሚ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ምውዳቑ፣ ን Ausländerbehörde (ብዓልስልጣን ናይ ዜጋታት ውጻኢ) ኣብ Ankunftszentrum ወይ ድማ ኣብ Hammer Straße 30-34። መሰል ነባርነትካ እንተ ስኢንካ ክትረኽቦም ይግባእ።

ልኽእ ናይ ብጽሓት መረጋገጺ (Ankunftsnachweis) ተቐበልካ ምግቢ መዕረፊን ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክትረክብ መሰል ኣለካ ኩልጊዜ ናይ ብጽሓት መረጋገጺን (Ankunftsnachweis) ኣብ መዕረፊኻ ዝተውሃብካዮ ናይ መለለዪ ወረቐት ኣን ነብስኻ ሓዞ!

3 ናይ መጀመርታ ሕክምናዊ መርመራ (Erstuntersuchung)

ደድሕሪ ምምዝጋብኩም፣ ናይ መጀመርታ ሕክምናዊ መርመራ ክትገብሩ ኢኹም (Erstuntersuchung) ኣብ Bargkoppelstieg 10-14. እዚ ድማ ዘጠቓልሎ ናይ ኤክስ ሬይ መርመራ (Röntgenuntersuchung), ናይ ደም ናሙናን ሓጺር ኣካላዊ መርመራ። እዚ መርመራ ንተላጋቢ ሕማማት ንምርካብን ንምፍዋስን ኣገዳሲ እዩ። ኽትባት ክትወስዱ ትኽእሉል ኢኹም።

ደቅንስትዮ ጓላንስተይቲ ሓኪም ንኽትምርምራ ኽትሓትት ትኽእል እያ።

4 ወግዓዊ ናይ ዕቑባ ማመልከቻን ብያነን (Anhörung)

ወግዓዊ ናይ ዕቑባ ማመልከቻ ንሰራሕተኛ BAMF (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge, ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ንዝፈልሱን ስደተኛታትን) ትህብን ውሳነ ናይ ዕቑባ ክሳብ ትወሃብ (Aufenthaltsgestattung) ንምጽናሕ ፍቓድ ትረክብ). መጽንሒ ፍቓድ ኩልጊዜ ምሳኻ ሓዝዞ ክሳብ ናይ ዕቑባ ውሳን ትጽበይ (Aufenthaltsgestattung)!

ዳብሊን III (Dublin III)

ኣብ ካልእ ሃገር ተመዝጊብካ እንተጸኒሕካ ብዛዕባ እዚ ክትህተት ኢኻ። ኣብኡ ተመዝጊብካ ን ኣብነት ሓሻራኻ እንተተመዝጊቡ። እቲ ልሙድ ናይ ኤውሮፓ ኣሰራርሓ፣ ሰበስልጣን ጀርመን ኣቐዲምካ ኣብ ካልእ ኤሮፓዊ ሃገር እንተተመዝጊብካ ንኽፈልጡ የኽእሎም። ናይ ዑቕባ መስርሕካ ኣብቲ ኻልእ ሃገር ክትገብሮ ኣለካ። ናብቲ ሃገር ኽምኡ ንክትገብር ክትውሰድ ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ካብ ናይ ምኽሪ ማእከል ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል።

ምጉት (ANHÖRUNG)

እቲ ምጉት (Anhörung) ን ናይ ማመልከቻ መስርሕ ዕቕባ ወሳኒ እዩ። ኣብኡ ድማ ንምንታይ ካብ ዓድኻ ከምዝወጻኻ ተረድእ። እዚ ምጉት (Anhörung) ብፍሉይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኣቐዲምካ ክትዳሎ ኣለካ።

ደድሕሪ ምምጻእካ እቲ ምጉት (Anhörung) ክከናወን ይኽእል እዩ ምናልባትውን ኣብታ ወግዓዊ ናይ ዕቕባ ማመልከቻኻ ዝኣወትላ መዓልቲ። ስለዚ ክትዳለውን እንተ ኣድልዩ ናብ ማእከላት ምኽሪ ኣቐዲምካ ክትኽይድ ኣለልካ።
ኣብዛ ሕጂ ጊዜ ሕቶታት (Fragebogen) ጥራሕ ክቐርብርልካ ይኽእል ኣብ ክንዲ ምጉት (Anhörung)። ከምኡ እንተ ኾይኑ ብደገፍ ናይ ምእከላት ምኽሪ ክትመልኦ ኣለካ።

ንዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ምጉት (Anhörung) ኣብዚ ትረክብ፦ https://we-inform.de/portal/ti/anhoerung-ti

Yመምርሒ ጽሑፍ ናይ ምጉትን (Anhörung) እንኮላይ እቲ ምዱብ ሕቶታት ብዝተፈላለየ ቛንቛታት ኣብዚ ትረኽቦ፦https://www.arrivalaid.org/anhoerungsbegleitung-klagebegleitung

ተወሰኽቲ ሓበሬታ ብዝተፈላለይ ቛንቛታት፦ https://www.asyl.net/view/detail/News/information-zur-anhoerung-im-asylverfahren/

ውሃብቲ ውሳነን ኣስተርጓሚን ኣብቲ ምጉት (Anhörung) ይኣትዉ። ደስ እንተ ኢልኩም ሓደ ሰብ ምሳኹም ክመጽእ ይኽእል እዩ። እንተ ኾነ ግን እዚ ሰብ እዚ ኣቐዲሙ ምስ BAMF ክምዝገብ ኣለዎን ኣብ ሓደ ዓይነት መስርሕ ዑቕባ ዝሳተፍ ክኸውን የብሉን። . ጠበቓታትን መጉዚታትን ኣቐዲሞም ክምዝገቡ ኣየድልዮምን እዩ።

በጃኹም ን BAMF ብዛዕባ ጭንቀት ዝገብረልኩም ተመኩሮኹም ክትዛረቡ እንተዘይደሊኹም ሓብርዎም።

ደቀንስትዮ፣ ጓላንስተይቲ ውሳነ ውሃቢትን ኣስተርጓሚትን ክውሃበን ይካኣል እዩ ኣብዝሓታሉ እዋን።

5 ውሳነ

ዑቕባ፦ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ማመልከቻኹም ኣወንታዊ ውሳነ እንድሕር ተዋሂብኩም ናይ ቀዋሚ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ከም ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ቀዋሚ ነባርነት ፍቓድ (elektronischen Aufenthaltstitel (eAT))። እዚ ንናይ ምትሕወዋስ ኮርሰ(ትምህርቲ) (Integrationskurs) ምውሳድ መሰል ይህልወኩም እሞ ስራሕ ክትጅምሩ ትኽእሉ።

ኣብ ደረጃ ናይ ሰደተኛ መመልከቻ ክተእትወሉ ዘለካ ን ምጥርናፍ ቤተሰብ (Familiennachzug). ኣብ ውሽጢ 3 ወርሂ ናይ ስደተኛ ደረጃ ምውሳድካ፣ ክተቕርቦ ዘለካምግዓዝ ቤተሰብካ ንምስላጥ ንኤምባሲ መዘኻኸሪ ኣቕርብ። ንመመልከቻኩም ኣብ መስመር ኮምፒዩተር (ኦንላይን) ክተቕርቡ ትኽእሉ ኣብ፦ https://fap.diplo.de/webportal/desktop/index.html#start . ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መዓስ ኣባላት ሰድራ ናብ ጀርመን ክመጹ ይኽእሉ፣ ካብ ማእክል ምኽሪ ርኸብ።

መዘኻከሪ፦ ጥርናፈ ቤተሰብ (Familiennachzug) ብኸቢድ ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ ነባርነት ዝትዓግተ እዩ (subsidiärer Schutz, ተወሳኺ መከላኸሊ)። በዚ ምኽኒያት እዚ፣ ቅድሚ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣንጻር እቲ ውሳነ ዝወድቀሉ መዓልቲ ምእኻሉ፣ ልክዕ ኩነትኩም ምስፈለጥኩም ናብ ሕጋዊ ምኽሪ ትረኽቡሉ ኪዱ።

ዑቕባ ዝኽላሉ፦ ናይ ዑቕባ መመልከቻኻ እንድሕር ተነጺጉ፣ ኣሉታዊ ውሳነ ተወሂብካ ካብ ዓዲ ንኸትወጽእ ክትሕት ኢኻ። 

ሕጋዊ ስጉምቲ ኣንጻር እዚ ውሳነ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ከከም ናይቲ ንጻገ ነዚ ክትገብር ናይ 1 ወይ 2 ሰሙን ናይ ጊዜ ገደብ እዩ ዘለካ። ተቐባልነት ወይ መሰረት ዘይብሉ ጉዳይ እቲ ገደብ 1 ሰሙን እዩ። በዚ ምኽኒያት እዚ ብቐጻሊ ኢ-ሜይልኩም ፈትሽ። ኣብ ትኽልኣሉ ግዜ ምስ ናይ ምኽሪ ማእከል ብዝቐልጠፈ ተራኸብ። እንተዘይኮይኑ፣ ብቑልጡፍ ካብ ዓዲ ንኸትወጽእ ይግበር። እንድሕር ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ግዴታ ዘይተማእዚዝካ ክትስጎጉ ኢኻ(ማለት ብሓይሊ ናብ ዓድኻ ክትምለስ ኢኻ) ምስ ናይ መምለሲ እገዳ።

ሃገረ ኣልባኒያ፣ ቦዝኒያ-ሔርዞጎቪና፣ ጋና፣ ኮሶቮ፣ ማሴዶኒያ፣ ሞንቴኔግሮ፣ ሴኔጋልን፣ ሰርቢያን ውሑሳት መበቆላዊ ዓዲታት (sichere Herkunftsstaaten) እየን ኣብ ትሕቲ ናይ ጀርመን ናይ ዑቕባ ሕጊ። ብሰንኪ እዚ ምኽኒያት ናይ ዑቕባ መመልከቻ ንኸሰልጥ ዘሎ ተኽእሎ ድኹም እዩ። እንተኾነ ግን እቲ BAMF ብጥንቃቐ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቻ ክምርምሮ ይገደድ።

ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung)

ብዝተፈላለየ ምኽኒያታት፣ ከም ኩነታት መበቆል ዓዲኻን ጥዕናኻ፣ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ክግበረልካ ይከኣል እዩ። ብቑዕ ናይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) እነተ ሃልዩካ ከምልሙድ ክትስጎግ ኣትኽእልን ኢኻ። እንተ ኾነ ግን እቲ ናይ ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ኣብ ዝኾነ ግኢዜ ክንጸግ ይኽእል እዩ።
ንሰለስተ ዓመት ዝጸነሕ ናይ ተለማማዳይ (Ausbildung) ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እንተ ጀሚርካ፣ ክትጅምርውን እንተተፈቒዱልካ፣ ንግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ ክትረክብ መመልከቻ ክተእቱ ትኽእል።

ግዜያዊ ምቁራጽ ምስጓግ (Duldung) ጥራሕ እንድሕር ኣልዩካ፣ ምስ ናይ ነባርነት ፍቓድ (Aufenthaltserlaubnis) ኣወዳዲርካ ብዙሕ ትስእኖ ኣለካ። ን ኣብነት ስራሕ ክትሰርሕ ስለ ዘይፍቀደልካ ክትኸውን ስለትኽእል መጻኢኽእ ዘይውሑስ ይኸውን። ስለዚ ኩልጊዜ ናብ ማእክል ምኽሪ ክትኸይድ ኣለካ።

ጌና ኣይተወሰነን፦ ቁልጡፍ ውሳነ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ እንተ ዘይተዋሂቡካ፣ ንውሳነ እንዳተጸበኻ (Aufenthaltsgestattung) ንኽትጸንሕ ን 6 ኣዋርሕ ይፍቀደልካ። ብድጋመ፣ በጃኻ ሽምካን ዕለት ልደትካ ልክዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ውሳነ ናይ ዑቕባ (Aufenthaltsgestattung) እንዳተጸበኻ ንኽትጸንሕ ዝተወሃበካ ፍቓድ እንተወዲቑ፣ መናወሒ ንክውሃበካ ናብ Ausländerbehörde at the Ankunftszentrum or at Hammer Straße 30-34 ኣመልክት።

ምኽሪ ኣብ ምምላስ፦ ናብ ዓድኻ ክትምለስ እንተ ደሊኻ ወይ ድማ ብሰንኪ ምኽላእ ክትምለስ እንተለካ፣ Flüchtlingszentrum, Adenauerallee 10, ምኽሪን ደገፍን ናይ መምለሲ ጉዕዞ ክህበካ ይኽእል።

6 ምውዳቕ ዕለትን ምጥፋእ ናይ ነባርነት መሰል

Dብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ናይ ነባርነት መሰልካዕለቱ እንተወዲቑ ናብ Ausländerbehörde ብ ኣካል ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ነባርነት መሰልካ ቁቡል ምዃኑ ዘርኢ ናይ ጽሑፍ መረጋግጺ ክትቕበል ኣለካ።. ኣብዚ ደብዳቤ ኣብ Ausländerbehörde ብ ኣካል ትቐርበሉ ናይ ቆጸራ ዕለት ኣሎ። ኩልጊዜ ነዚ ደብዳቤ ምሳኻ ሓዞ። ናይ ነባርነት መሰልካ ናብ ምውዳቑ ይኸይድ እንተ ሃልዩን ደብዳቤ ጌና እንተ ዘይተቐቢልካ ን Ausländerbehörde ርከብ። (m328@amtfuermigration.hamburg.de, +49 40 428992288, ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ 8 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፣ ዓርቢ ካብ 8 ቅ.ቐ ክሳብ 12 ድ)

ናይ ኣጋጣሚ ናይ ነባርነት መሰልካ እንድሕር ጠፊኡካ ን Ausländerbehörde ክትረኽቦም ኣለካ። ከምዝጠፍኣካ ናይ ጽሑፍ መረጋገጺ (Verlustbescheinigung) ን 14 መዓልታት ዘሰርሕ ካብ Ausländerbehörde (Hammer Straße 30-34) ወሲድካ ን ነባርነት መሰልካ ክትረክብ ቈጸራ ትገብር። ናይ ነባርነት መሰልካ እንድሕር ተሰሪቕካንፖሊስ ክትሕብር ትኽእል።

ምእከል ማኽሪ ንስደተኛታት

ኣብዞም ናይ ማእከላት ምኽሪ ሓገዝ ናይ ዕቕባ መስርሕካ ክትረክብ ኢኻ። እቲ ምኽሪ ዝውሃብ ናጻን ብሚስጢር ዝተሓዘን እዩ። ኣብ ማእክል ምኽሪ ዝሰርሑ ሰባት ብዙሕ ዝተፈላለየ ቛንቛታት ይዛረቡ።

flucht•punkt: Eifflerstraße 3, fluchtpunkt@diakonie-hhsh.de, ምምኻር ብ ቴሌፎን ፦ +49 40 43250080 (ሰኑይ 9:30 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ፣ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ)፣ ብ ኣካል ምኽሪ (ዝተመርመረ፣ ዝተኸተበ ወይ ደማ ዝሓወየን ናይ ሕክምና ማስክ ዝለበሰ)፦ ረቡዕ 10 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፦www.fluchtpunkt-hamburg.de

Flüchtlingszentrum (ናይ ስደተኛ ምእከል)፦ Adenauerallee 10,ብኽብረትካ ቈጸራ ሓዝ፦ info@fz-hh.de, +49 40 2840790 (ሰኑይን ዓርቢን፦ ስዓት 9 ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ ን፣ 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 4 ድ.ቐ፣ ሰሉስን ሓሙስን፦ ሰዓት 9 ናይ ቅ.ቐ ክሳብ 1 ድ.ቐ ን፣ ስዓት 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ፣ ረቡዕ፦ ሰዓት 2 ናይ ድ.ቐ ክሳብ 5 ድ.ቐ), www.fz-hh.de

ምእከል ማኽሪ ንስደተኛታት

Café Exil: Hammer Straße 10, +49 40 2368216, ሰኑይን ሰሉስን፦ ሰዓት 8 ቅ.ቐ ክሳብ 2 ድ.ቐ፣ ሓሙስ፦ 3:30 ድ.ቐ ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ዓርቢ (ን ደቂኣንስትዮ ጥራሕ)፦ 9 ናይ ንጉሆ ክሳብ 1 ናይ ድሕሪ ቐትሪ፣ ሮቡዕ ዕጽው እዩ, http://cafe-exil.antira.info/

Refugee Law Clinic (ንስደተኛ ብናጻ ዝጣበቓ)፦ ናይ ናጻ ሕጋዊ ምምኽእር ኣብ ናይ ዳብሊን መስርሕ፣ ምጥርናፍ ቤተሰብ፣ ምድላዋት ናይ ዑቕባ ምጉት ከምኡውን ጓልን LGBTI ስደተኛታት። ንዝበለጸ ሓበቤታ፦
www.rlc-hh.de

ምኽሪ ብቪድዮ ቻት፦ ዓርቢ 3 ድ.ቐ. ክሳብ 6 ድ.ቐ፣ ክሳብ ሓሙስ ስዓት 8 ድ.ቐ. ብኢ-መይል ተመዝገብ፦ rlc-beratung@uni-hamburg.de (እቲ ተርጓሚ እንተ ኣድሊዩ፣ ብኽብረትካ ከምኡ ኢልካ ጥቐስ)፦ ናይ ቪዲዪ ቻት ሊንክ ምቕባል ብ ኢ-መይል እዩ ክኸውን

ናይ መወዳእታ እዋናዊ: 12.01.2022